ደምዳሚ መግለጺ ዋዕላ፡ ኣርባዕተ ፖሎቲካዊ ዉድባት ኤርት

ኣርባዕተ ውድባትና፡ ስምረት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር(ስምረት)፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ (ዲምሓኩኤ)፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ሰደግኤ)ን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ግሃድኤ- ሕድሪ)፡ ካብ ሕዳር 2015 ጀሚሮም፡ ህዝብን ሃገርን ካብ ዘንጸላለዎም ዘሎ ናይ ብርሰትን ምብትታንን ሓደጋ ንምድሓን፡ ዓቕምታቶም ጠሚሮምን ኣወሃሂዶምን ክቃለሱ ብዝበጽሑዎ ስምምዕ፡ ንምዕዋቱ ዕቱብ ጻዕርታት ከካይዱ ጸኒሖም እዮም። በቲ ዝበጽሑዎ ስምምዕ መሰረት ከኣ፡ […]