መስመር ኦምሓጀር – ሑመራ ተዓጽዩ: ኣብ ጋሽ ባርካ ጽዑቕ ተፍትሽን ግፋን ይካየድ

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከራኽብ ተኸፊቱ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር ሑመራ ብወገን ኤርትራ ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ።

ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ፣ ንንግዳዊ ልውውጥን ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን ክፉት ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር- ሑመራ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ተኸልኪሉ’ዩ ኔሩ።

ካብ 18 ሚያዝያ እትሒዙ ድማ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዋ ይኹና ካብ ኤርትራ ንዝወጻ ናይ ንግዲ መካይን ዕጹው ኮይኑ ኣሎ።

ምዕጻው እዚ መስመር፣ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምዕጻው መስመራት፣ ሰርሓ- ዛላምበሳ ከምኡ ድማ ክሳድ ዒቓ- ራማ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

እንተኾነ፣ ብዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ክመጽእ ካብ ዝኽእል ናይ ጸጥታ፣ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ወጻኢ ባጤራታትን ካልእን ንምቑጽጻር ዝዓለመ’ዩ እናተባህለ ይዝርከቡ ኣሎ።

መስመር ኦምሓጀር-ሑመራ ከምዝተዓጽወ ዝንገር ዘሎ፣ ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ማእቶት ዝጸንሐ ሰራዊት ኤርትራ፣ ብብዝሒ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ኣብ ዝውሕዘሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሰራዊት ኤርትር ናብዚ ዞባ ዝጓረት ዘሎ፣ ብወገን ሱዳን ዘሎ ኩነታት ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ጽልዋ ከይህልዎ ካብ ዝብል ስግኣት ምዃኑ፣ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣቐዲሞም ኣብ ዝልኣኽዎ ሓበሬታ ጠቒሶም’ዮም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ጋሽ ባርካን ካልእ ዞባታትን ጽዑቕ ግፋታት ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
Radio erena

“ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ተደናጉዩ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና፣” ኣቶ የማነ ገብርኣብ 15 April 2019

“ናይ ዶብ ሕቶ ወይ ድማ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ተደናጉዩ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና” ክብል ኣቶ የማነ ገብርኣብ ገሊጹ።

ኣቶ የማነ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ኮይኑ፣ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብን ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ’ዩ።

ኣቶ የማን ኣብ መግለጺኡ፣ ዶብና ሕንጹጽ’ዩ፣ ብሕጂ ዝሕንጸጽ ዶብ የለን ድሕሪ ምባል፣ ኣብ ባድመ ዝርከብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ግና ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይወጸ ኣመልኪቱ።

መዓስ’ ደኣ’ዩ ዝወጽእ ንዝብል ድማ፣ ንጹር ግዜ ከይሃበ፣ ክልቲኦም መንግስታት ኣብ ዝሰማምዕሉ መዓልቲ ከነተግብሮ ተረዳዲእና ኣሎና ኢሉ።

ስለምንታይ? ንዝብል ኣቶ የማነ፣ ኩነታት ናይ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ዘሎ ጉዳይ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ንሱ፣ ነቲ ምኽንያት ብዝያዳ ከብርህ እንከሎ፣ ወያነ፣ ካብ ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ይገለል እምበር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ትግራይ ተኣኻኺቡ፣ ኣንጻር እቲ ማእከላይ መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ንከታተሎ ዘሎና’ዩ ድሕሪ ምባሉ፣ “ሰበ ስልጣን ወያነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዎም መደባትን ኣተሓሳስባን’ውን ስለዘይተቐየረ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ዘይስሓበሉ ምኽንያት ንሱ ምዃኑ ከብርህ ፈቲኑ።

“ናይ ዶብ ሕቶ ጉዳይ፣ ተደናግዩ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ንዘይተወሰነ እዋን ዝመሓላለፍ ግን ኣይኮነን፣” እኳ እንተበለ፣ ክሳብ መዓስ ተንጠልጢሉ ከምዝተርፍ ንጹር ናይ ግዜ ሰለዳ ከይሃበ ድማ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተሰማምዕሉ ክትግበር ምዃኑ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ቲ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ፣ ካልእ ውዕላት ይኹን ስምምዓት ከምዘየለ ዘመልከተ እቲ ኣማኻሪ ፕረዚደንት፣ ኣብ ስዑድያ ዝተኸተመ ስምምዕ’ውን ካብኡ ዝፍለ ከምዘይኮነ ገሊጹ።

ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ፣ ከም ቅድመ ኩነት ኣቐሚጡ፣ ን18 ዓመታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ርክብ ከምዘየካይድ ክሕንግድ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ከምዘይርእዮ ድማ መግለጺ ኣማኻሪ ፕረዚደንት፣ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ንጹር ጌርዎ ኣሎ።

ድምጺ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ጠውቑ።

Radio Erena

ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡

Image may contain: 5 people, people sitting and crowd

ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ዝተፈለለዩ ጸበብቲ ምፍልላያት ብናይ ሕልና ዕርቂ ሰላምን ሓድነትን ክፍታሕ ኣዊጆም።
እቲ ኣዋጅ ዝተመሓላለፈ፡ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ እዩ።
እቲ ብኣማኸርቲ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተነበ ኣዋጅ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምክብባር፡ ምጽውዋርን ምትእምማን ዝፍለጥ ህዝቢ አዃ እንተኾነ፡ ፍቕሪ ኤርትራ ብዘይብሎም፡ ትሕቲ ሃገራዉያንን ባዕዳውያን ዝተኣታተወ ምፍልላይ ግዳይ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ’ቲ ኣዳራሽ ዝነበረ ህዝቢ ነዞም ዝስዕቡ ሓሳብት ክተግብር ብድምጹ ቃል ኣትዩ።
– ንሕና ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን እንርከብ ኤርትራውያን፡ ነዚ ናይ ምፍልላይ መድረኽ ሕልናዊ ዕርቂ ብምብጽዋዕ ብወግዒ ንዓጽዎ ኣሎና።
– ደጊም ኣብቶም ብደረጃ ሃገር ዘገዱሱና ተመርኵስና፡ ኣብ’ቶም ንሃገር ዘይውክሉ ንኡሳን ኣርእስትታ ከይነዘራረብን ብምኽንያቶም ከይንፈላለን ብሓባር ቃል ንኣቱ ኣሎና
– ስድራቤታትናን ዓድናን ክህልዉ፡ ቅድም ሃገርና ትሃሉ
– ሃይማኖታትና ክህልዉ፡ ቅድም ሃገርና ትሃሉ
– ዝተፈላለየ ናይ ስነ ሓሳብ ብዙሕነት ክህሉ፡ ቅድም ሃገርና ትሃሉ።
ነቲ ህዝባዊ ኣኼባ ዝመርሐ ኣቦ ወነበር ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር፡ ተስፋሂወት ኪዳነ፡ ኣገዳስነት ናይ ዕርቅን ይቅሬታን፡- ሽግራትካ ንኸተለልዮምን ክትነቕሓሎምን ክፍትፈሖምን ይሕግዘካ፡ ከም ሕብረተሰብ ወዲቕና ስለ ዘሎና፡ ሃገርን ሕብረተሰብን ክትሃንጽ ስለ ዘይከኣል፡ ከምኡ’ውን ናይ ውሽጢን ወጻኢን ሓይሊታት ንህላውነት ኤርትራ ይጻብኡ ስለ ዘለዉ ምኳኑ ገሊጹ።
ተስፋሂወት፡ ሕብረተሰብ ብሃውሪ ይጠቕሙኒ እዮም ኢሉ ዝሓዞም መፈላለዪ ሓሳባትን ስሚዒታት ክሓድጎም ከምዝግባእ ጠቒሱ፡ ካብ ሕጂ ንድሓር ኣብ ሕብረተሰብ ተኣኪብካ ዝግበር ቃልሲ፡ መዕቀኒ ስነ ሓሳብ ክኸውን ከምዘለዎ የረድእ “ኣብ ናይ ስነ ሓሳብ ሞጎት ዝኣምን ቃልሲ አንተ ድኣ ሒዝና ኤርትራውነታና ክዕቀብ እዩ። ባህልና ክዕቀብ እዩ። ሓድነትና ከኣ ክዕቀብ እዩ።” ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ “ድሕሪ ደጊም ሓውኻ ምድፋእ፡ ሓውኻ ምጽላም፡ ኣብ ኣየራት ብዝንቀሳቐስ ሓበሬታ መቓልስትኻ ምድፋእ፡ ሓቂ ኣብ ዘይብሉ ኣርእስትታት ተኣሲርካ፡ ኣብኡ ጢሒልካ ቅኑዕ ዕላማታት ምጭፍላቕ ከምቅዕ ኣለዎ። ኢዚ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሕልናና፡ ክብ ውሽጥና ካብ ሎሚ ጀሚርና ነፍስና ክንሓታ ይግብኣና እዩ።” ኢሉ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዳርጋ 2 ወርሓት ዘካየዶም ንጥፈታት ጸብጻብ ንህዝቢ ቀሪቡ። እቲ ህዝቢ ከኣ ንዕዮ ዝኸውን ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣዋጺኡ፡ ሓንቲ ሓሙሽተ ዝኣባላታ ጉጅለ ኣዋሃሃዲት ሃገራዊ በዓላት’ውን መሪጹ። ገጣማይ ኪሮስ ዮውሃንስ’ውን “በቃ ይኣክል በል” ትብል ግጥሚ ኣቕሪቡ ነይሩ።

Tedros Menghstu.

 

ናይ ሓባር ሰለማዊ ኣብ ቅድሚ ቤትጽሕፌት ሕብረት ኤውሮጳ ተዳልዩ ኣሎ።

Image may contain: 6 people, text

ሰላም ኣብ መላዕ ዓለም ዘሎኹም የሕዋት። ኣብ ሊብያ ኣብ ሞንጎ ኩናት ብ ዘይ ተኻላኻሊ ኣብ ጸበባ ዘሎው የሕዋትና ኩነታቶም ንኹልና ኩሉ ግዜ መሰሻቀለና እዩ። ሰለዚ ን ሻቁሎትና ንደገ ነውጻዮ ማሕበረሰብ ዓለም ቁልጡ ሂወት ምድሓን ክገብር ናብ ዝሓሽ ውሑስ ሃገር ከሳጋግሮምን ን ሕተት። ነዚ ን ምግባር ዙር ኤውሮጳ ብ ብሽግለታ መዳምደምቱኡ ድማ ዓቢ ናይ ሓባር ሰለማዊ ኣብ ቅድሚ ቤትጽሕፌት ሕብረት ኤውሮጳ ተዳልዩ ስለዘሎ። ኩልና ንታሓዎሶን ኢደ ኢድካ ን ቦሎሉን ኣብዛ ጸልማት ግዜ ኣብ ጎኒ የሕዋትና ንኹንን። ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ንዝያዳ ሓበረታ ክንመጻኩም ኢና ። ንሕጂ ነዛ ንእሽቶ ሓበሬታ ነ ሕዋትና ድምጺ ንምዃን ናብ ኩሉ ነማሓላልፋ የቀንየለይ።

share,it please.

“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ”፡ ታሪክ ተዳጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ውድባት/ሰልፍታት ኤርትራ

Image result for eritrea dr gebre gebremariam
ዶር. ገብረ ገብረማሪያም

“ልዕልና-ሕጊ ዶስ ልዕላና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ” ዝብል ኣምር ሰፊሕ፣ ዓሚቕን ኣገዳስን ዋላ’ኳ ይኹን’ምበር፡ ናይዛ ሓጻር
ጽሕፍተይ ዓላማ ብዛዕብኡ ትንታነ ንምቕራብ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ንኣንበብቲ ክሕብር ይደሊ። ኣብ ሞንጎ “ልዕልና-ሕጊን”
“ልዕልና መሪሕነት ሰልፊ/ውድብን” ዓሚቕ ፍልልያት ከምዘሎን፡ ነዚ ፍልልያት ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳን፡ ወይ’ውን ብፍላጥን
ብዓሎቕን መሪሕነት ሰልፊ/ውድብ ብዝግበሩ ውስታታትን፡ ህዝቢ ናይ ተደጋጋሚ ምፍንጫላትን ዳግመ ምትእኽኻባትን ግዳይ
ኮይኑ ከምዝጸንሐ ከነጽር ስለዝደለኹ ጥራሕ ኢየ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ዘቕርብ ዘለኹ። ነዚ መበገሲ ዝኾነኒ፡ ሓፍትና ሓረጉ ቀለታ፡
ካብ ራድዮ ኤረና፡ ምስ ሓው ተስፋሚካኤል ዮውሃንስ፡ ኣቦ መምበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ እርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ 28 መጋቢት
2019 ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ኣብ ሰዲህኤ ዘጋጠመ ናይ ምፍንጫል ተረክቦ፡ ብሰንኪ ሓደ ሰብ (ሓው መስፍን ሓጎስ)
ኢዩ ክባሃል ይሰምዕ ኢየ” ዝበለቶ ዘረባ ኢዩ። መጀመሪያ፡ እዚ ኣባሃህላ እዚ “ሓሶትን ዝተዛበዐን” ምዃኑ ንህዝቢ ክሕብር ይደሊ።
ብተወሳኺ፡ ከምቲ ሓብትና ሓረጉ ደጋጊማ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ትብሎ ዝነበረት፡ ካብቲ ዘጋጠመ ተረክቦ ህዝቢ ክማሃር መታን፡
ነቲ ዝነበረ ሓቅታት ከምዘለዎ ናብ ህዝቢ ምዝርግሑ ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተሰማዓኒ ኢዩ። ነቲ ዝነበረ ዕለት ብዕለት ፍጻሜታትን
ንዝርዝር ሓበሬታታትን፡ ኣብዚ ብምጥዋቕ ክትውከሱ ትኽእሉ ኢኹም።
ክላህና ከምንፈልጦ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሓደ ገጽታ ታሪኽና፡ ታሪኽ ቀጻሊ ምፍንጫልን ሕድሕዳዊ ፖሊቲካውን ኣካላውን
ቕንጸላታት ኮይኑ ምጽንሑ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነዚ ሕጂ ዘለናዮ ኣታሃላልዋ ከም ቀዳማይ ምኽንያት ዝጥቀስ ረቛሒ’ውን ኢዩ።
ታሪኽና ከምዘነጽሮን፡ ብግብሪ ክንዕዘቦ ከምዝጸናሕናን፡ ናይ ምፍንጫልን ምፍንጫላትን ኣጀንዳታት መራሕትን ኣተግበርትን፡
ናይ ፖሊቲካ መራሕቲ’ምበር ህዝቢ ይኹን መሰረታት ኮይኖም ኣይፈልጡን ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ እቲ መሰረታዊ
ባእታ (መሰረታት) ካኣ ብፍላይ፡ ግዳያትን ተጠቃዕትን ናይ ቀጻሊ ምፍንጫላት ኮይኖም ጸኒሖምን ኣለዉን። ንመሰረታት ሰዲህኤ
ካብ 2010 ብሓፈሻ፡ ኣብ 2014-2017 ካኣ ብፍላይ፡ ዘጋጠሞም ሓደጋ ክብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን። ኩላትና ከምንዝክሮ፡
ሰዲህኤ ውጺኢት ናይ ሓድነት ጐዕዞ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ፖሊቲካዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝጸንሐ ቀጻሊ ምፍንጫላት ብምፍዋስ፡
ካብ ሽዑ ንነጀውን ንመጻእን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዓሊሙ ዝተሃንጸ ሰልፊ’ውን ኢዩ ነይሩ። ከምቲ ሓፍትና ሓረጉ
ቀለታ ኣብቲ ቃለ መጠይቕ ብትኽክል ዝበለቶ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ብኡ መጠን ተስፋን ትጽቢትን ኣብ ሰዲህኤ ኣንቢሩ ነይሩ
ኢዩ። ይኹንምበር፡ ብሰንኪ ልቦና ዝጎዶሎ ኣካይዳ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር፡ ውሽጣዊ ሓድነት ሰዲህኤ ከቢድ ሓደጋ
ገጢምዎስ ሰዲህኤ ናይ ምግማዕ ግዳይ ኮይኑ ኢዩ። እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ካኣ፡ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር፡ ቅዋም
ሰልፊ ብተደጋጋሚ ብምጥሓስ፡ ልዕልና-ሕጊ ብምግሃስን ንሓድነት ሰልፊ ዝፈታተኑ ውሳኔታት ይውስንን የተግብርን ስለዝነበረ
ኢዩ።
ስለዝኾነ፡ እቲ ዝነበረ ቀንድን ክሳዳውን ጉዳይ፡ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር “ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ፣ ልዕልና-ሕጊ ጊሂሱ፣
ዘይሕጋውን ዘይቅዋማውን ውሳኔታት ወሲኑን ኣተግቢሩን፣ ወዘተ” ዝብል ኮይኑ፡ ብመሰረታትን ብታሕተዎት ኣካልት ሰልፍን
ንናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ገይጋታቱ ንኽእርምን ኣብ ሰልፊ ንቡር ናይ እሂን-ሚሂን ኩነታት ንኽፈጥርን ዝተገብሩ ቃልስታት
ኢዩ ነይሩ። ይኩን’ምበር፡ ነቶም ኣብ ሰልፊ ግዛእተ-ሕጊ ክነግስ ብመሰረታትን ታሕተዎት ኣካላት ሰልፍን ዝተገብሩ ሰፋሕቲ ናይ
ምእራም ጸዊዒታት፣ ምሕጽንታታት፣ ለቦዋታት፣ መዘከራትን ተቓውሞታትን፡ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ነበር ጸማማ እዝኒ ሂቡ
ሓሊፍዎም። እቲ ዝገርም፡ ኣብ ክንዲኣራሚ ስጉምትታት ዝወስዱ፡ “መሪሕነት እኮ ኣብ ጉባኤኢዩተመሪጹ፣ ዋላቅዋም ይጥሓስ፡
መሪሕነት ዝወሰኖ ውሳኔ ሕጊ ኢዩ፣ መሪሕነት እኮ ብብዝሒ ድምጺ ኢዩ ወሲንዎ፣ መሪሕነት ዝብልኩም ግበሩ፣ ወዘተ” ዝብሉ
ሞጎተታት ከቕርቡ ምፍታኖም ኢዩ ነይሩ። ሕጽር ብዝበለ፡ መሪሕነት ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸ ስለዝኾነ፡ “ልዕልና መሪሕነት እምበር
ልዕልና-ሕጊ የልቦን፣ መሪሕነት ማለት ሰልፊ ማለት ኢዩ፣ መሪሕነት ማለት ሕጊ ኢዩ፣ ወዘተ” ኢዩም ክብልና ዝደልዩ ዝነበሩ። እዚ
ካኣ ናይ ጥዕና ኣባሃህላ ኣይነበረን።

እቲ ሓቂን ክኸውን ዝግቦኦ ዝነብረን ግን፡ ሰዲህኤ ንመስረታቱ (ከም ቀንዲ መሰረት)፡ ንመሪሕነትን (በብደረጅኡ)፡ ንክልቲኦም
ከም ገመድ ዝጠምርን ናይ ሓባር ባይታን ዝኾነ ካኣ እቲ “ብቅዋም” ዝፍለጥ ናይ ሰልፊ “ሕገ-ህንጻ” (constitution) ዝጠቓለል
ምዃኑ ኢዩ። ስለዝኮነ ካኣ፡ መሪሕነት ሰልፊ፡ ሓደ ኣካል ሰልፊ ዳኣ’ምበር ሰልፊ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንቅዋም ሰልፊ
ብምኽባርን ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኢ ብምዃንን ጥራሕ ኢዩ ክመርሕ መሰረታት ፍቓድ ዝህቦ። ኹሉም፡ ቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ
ዝውስኖም ውሳኔታት ይኹኑ ዝወስዶም ተግባራት ንጹጋትን ዘይቅዋማውን ኢዮም ክኾኑ ዝግበኦም ዝነበረ። እቲ ክእርም ዝፈተነ
ናይ መሰረታትን ናይ ታሕተዋይ ኣካላት ሰልፊ ሓይሊ’ውን ንሱ ኢዩ ዝብል ዝነበረ። ስለዚ፡ እቲ “መሪሕነት ኣብ ጉባኤ
ስለዝተመርጸ፡ ንልዕልና-ሕጊ ተገዛኣይ ዘይኮነስ፡ ንባዕሉ ልዕሊ ሕጊ ኢዩ” ዝብል ሞጎተ ነቲ መላኺን ዓማጽን ባሕርያት ናይ ሽዑ
መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ካብ ምንጽብራቕ ሓሊፉ፡ ከም ሞጎተ፡ ቀደም ምስ ምቕሃም “ምብራቃዊ ናይ ዲሞክራሲ ፍልስፍና” ስዑር
ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን’ውን፡ ኣባላት ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ኣብ ከምዚ ዓይነት ስዑር ፍልስፍና የዒሞም፡ ስልቲ ናይ
ባዓል ስታሊን፣ ማኦን ከምኡ’ውን ብመጠኑ ዉድባት ኤርትራን (ኣብ ጊዜ ዕጥቃዊ ቃልሲ)፡ ብምኽታል፡ “ብውሽጣዊት ሰልፊ”
ንሰዲህኤ ክመርሕዋ ምፍታኖም ኢዩ ነይሩ። ብውሽጥ-ውሽጢ፡ ንትደልዮም ናይ ምረጽዎም፡ ንዘይትደልዮም ካኣ ናይ
ኣይትምረጽዎም ጎሽጓሻት ይካየድ፡ መሪሕነት ይቕረጽ፡ ጉባኤ ካኣ ተገይሩ ይባሃል። ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ካኣ፡ “ፍትሒ፣
ዲሞክራስያ፣ ልዕልና-ሕጊ፣ ምኽባር ቅዋምን ሓድነት ሰልፍን” ብውድዕነት ምጽባይ ዝኻኣል ኣይነበረን፡ ኣብ መጨረሻ’ውን
ከምኡ ምዃኑ ኢዩ ተረጋጊጹ።
ሕጽር ብዝበለ ኣባሃህላ፡ እቲ ዝነበረ ቀንዲ ጉዳይ፡ “ልዕልና-ሕጊ ብመሪሕነት ሰልፊ ተጣሒሱ” ዝብል ኮይኑ፡ “ልዕልና-ሕጊ ዶስ
ሕጊ ዝጣሓስ ውሳኔታት (ድሌታት) መሪሕነት ሰልፊ” ይቐድም ዝብል ሙጉት ኢዩ ኣብ ሰዲህኤ ተላዒሉ ዝነበረ። እዚ ካኣ
ነጸብራቕን መግለጽን ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ዝነበሩ መሰረታውያን ፍልልያት ኢዩ ነይሩ ክባሃል ይካኣል። እዚ ማለት፡ እቲ
ጉዳይ ቅድሚ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ መሰረታዊ ኣተሓስባታት ፍልልይ ሰረት ዝገበረ ኢዩ ነይሩ። ኣብነት ንምጥቃስ
ዝኣክል፡ ሕቶ ውሽጣዊ ዲሞክራስን ምሕደርኡን፣ ሕቶ ምክፋፋልን ምትሕልላውን ስልጣን (Checks and Balances)፣ ሕቶ
ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ምትእታታውን (ተራ ኢትዮጵያ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ)፤ ሕቶ
ናይ ታሪክ ሕቕታትን ኣተኣላልየኦምን፣ ሕቶ ዘምባዕ ዝርገሐን ምሕደራን ሓበሬታ፣ ሕቶ መሰልን ጉብኣትን ኣካላት ሰልፊ፣ ብቐንዱ
ካኣ ሕቶ ምኽባር ልዕልና-ሕጊን ቅዋም ሰልፊን ካብቶም ዓበይቲ ፍልልያት ውሑዳት ጥራሕ ኢዮም ነይሮም። ነዚ ንምፍታሽን
ናይ መእለዪ ሓሳባት ንምንዳይን ተባሂላ ቅድሚ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዝቖመትን ጉባኤ’ውን ንኽትቕጽል ስልጣን ዝሃባ ኮሚቴ ነይራ
ጥራሕ ዘይኮነስ ስራሓ ጀሚራ’ውን ነይራ። ናይ መሕተት ቅጥዕታት ኣዳልያ ሓበሬታት ኣብ ምእካብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣነ
ንባዕለይ ነቶም ኣብቲ ቅጥዕታት ዝነበሩ ሕቶታት መልሲ ሂበ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ 7 ዶኮመንትታት ነታ ኮሚቴ ኣርኪበ’ውን ነይረ
ኢየ። እዛ ኮሚቴ እዚኣ ኣበይ ኣተወት? ስራሓ ስለምንታይ ኣይሰርሐትን? እንታይ ኮነት? ወ.ዘ.ተ. ንዝብሉ ሕቶታት መልሲ
ኣንይነበረን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብመደብ ክትሰርሕ ኣይተደልየን ኢዩ ዝነበረ። እታ ኮሚቴ ብመስረቱ ኣይተድልን እኮ ኢያ ነይራ
እንዳበለ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ንዝፈጸሞ ገይጋታት ክሽፍን ኣብ ወፈራ ኣትዩ ንመሰረታት ሰልፊ ከታልል ኢዩ ዝፍትን ዝነበረ።
ብተወሳኪ፡ ጉዳይ ሓው መስፍን ሳዕቤን እምበር ዋና መንቀሊ ምኽንያት ኣይነበረን ኮይኑ’ውን ኣይፈልጥን። ስለምንታይ
መሪሕነት ሰልፊ ንሓደ ኣባል፡ ቅዋም ሰልፊ ብምጥሓስ ኣወንዚፉ (ብግብሪ ሰጊጉ) ዝብል ሕቶ መልሱ ሚስጢር’ውን ኣይነበረን።
እወ፡ ሓው መስፍን ሓጎስ ግዳይ ናይ ዘሕጋዊ ውሳኔ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰልፊ ኮይኑ ነይሩ። ንሓደ ኣባል ስለዝጸላእካዮን ማዕረ
ትጽቢትካ ኣይኮነን እልካ ስለዝሓሰብካን፡ ቅዋም ሰልፊ ብምጥሓስን ካብ ሕጊ ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብን ካብ ሰልፊ ኣባልነቱ
ከተወንዝፎ ፍትሒ ኣይኮነን ዝነበረ። ብመሪሕነት ናይ ሓደ ፍትሒ ንምርግጋጽ ኢየ ዝነጥፍ ዘለኹ ዝብል ሰልፊ፡ ኣብ ርእሲ ሓደ
ኣባል በደል ክፍጸም ከሎ ያዕ ምባል ኣገዳሲ እዃ እንተነበረ፡ እቲ መሰረታዊ ጉዳይ ንሱ ኣይነበረን።
እቲ መሰረታውን ክስገር ዘይካኣልን ዝነበረ ጉዳይ፡ መሪሕነት ሰልፊ ንቅዋም ሰልፊ ጢሒሱ ውሳኔታት ወሲዱን ኣተግቢሩን
ከተግብር ይፍትን ኣሎን ዝብልኢዩዝነበረ።ነዚ፡“ኣይፋልን” ኢልካምምጓትካኣካብሓደዲሞክራስያዊባእታወይተቓላሳይ ትጽበዮመሰረታዊ
ባህርንተግባራትንኢዩ።ሕጂኣብቲሓውተስፋሚካኤልዝምእከልዘሎሰዲህኤዘለዉኣባላትሰዲህኤካኣከምኡጥራሕኢዮምገይሮም።ነዚክጽወር
ዘይካኣለናይሽዑመሪሕነትሰልፊነበር፡ ኣብ መጨረሻ ናይ ሓድነት ውዕል ብምጥላም ውሑዳት ናይ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ (EPP)
ኣባላት ዝነበሩ ጥራሕ ሕጁ ናይ ምፍንጫል ኣዋጅ ኣዊጁ ምፍርጣጥ ከምዝመረጸ ኩሉኹም ትዝክርዎ ሓቂ ኢዩ። ዝለዝኾነ፡ እቲ
ኣብ ሰዲህኤ ተፈጢሩ ዝነበረ ጸገማት ብሰንኪ ሕንጋደ ናይ ሽዑ መሪሕነት ሰዲህኤ ነበር ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ክፍታሕ ኣይካኣለን
ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እቲ ናይ ምፍንጫል ተረክቦ’ውን ብምርጫ ባህግን ናይቲ ሽዑ ዝነበረ መሪሕነት ሰልፊ ኢዩ’ውን ተፈጺሙ። እዚ
ሓቂ እዚ፡ ህዝቢ ክፈልጦን ክማሃረሉን ካኣ ይግባእ እብል

ዶር. ገብረ ገብረማሪያም