ኤልሳ ጭሩምን ሃና ጴጥሮን ፊት ንፊት ተራኺበን ምስ የማነ ገብረኣብ ማንኪ ኣብ ባይቶ ሰባዊ መሰላት 2016

Image may contain: 2 people, people smiling

“ንሃና ጴጥሮስ፡ ካባኺ ኣነ ይሓልየላ” – የማነ ገብርኣብ

ኣብ ሰነ 2016፡ ምስ የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ንመጀመርያ ጊዜ ብኣካል ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መስላት ፊት ንፊት ንራኸብ።

ኣነን ሃና ጴጥሮስ ስለሞንን ኢና ኔርና። ሃንደበት ስለተጋጠምና፡ ምስረኣየና፡ ኢዱ ዘርጊሑ ሰላም ኢልና። ሽዑ፡ ናባይ እንዳጠመተን ኢዱ እንዳወጣወጠን እስኺ ትገብርዮ ኩሉ ንፈልጦ ኢና በለኒ።

ኣነ ድማ እወ፡ ክትፈልጡዎ ኢለ እንድየ ዝባነይ ቀሊዔ ዝቃለስ ዘለኹ። ኣነ ስለ ህዝበይ የእውይ ኣለኹ፡ እስኻ ድማ ንውልቀ መላኺ ተገልግል፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ትሰርሕ ኣለኻ ኢለዮ።

ሽዑ፡ በል ከላልየካ፡ እዚኣ ድማ ሃና ጴጥሮስ ሰለሙን ትበሃል፡ ጓል ጴጥሮስ ስለሙንን ኣስቴር ዮሃንስን እያ በልኩዎ። እሱ ድማ፡ እፈልጣ እየ፡ እስኺ ኣይተላልይንን ኢኺ፡ ጎረቤተይ እያ ኔራ ይብለኒ። ቀጺሉ፡ ሒዝክያ ኣይትዝሪ ድማ በለኒ።

ኣነ ድማ፡ ሃና ቆልዓ ኣይኮነትን ኣነ ጎቲተ ኣብ ዘይደለየቶ ዝወስዳ። ከምዚ ትርእያ ዘለኻ፡ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ስድራኣ ክትዛረብ፡ ስልኦም ከተእውይ ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ንክልተ ዓመት ዘሕለፈቶ ስቅያት፡ ንዓለም ክትነግር እያ ኣብዚ ዘላ፡ በልኩዎ።

የማነ ድማ ስቅ እንዶበሊ፡ ካባኺ ኣነ ይሓልየላ፡ ክትጥቀምላ ኣይትፈትኒ በለኒ። ኣነ ድማ፡ እቲ ድፍረቱ ኣስደሚምኒ፡ እንታይ በልካ? እስኻስ ንሃና ጴጥሮስ ካባይ ንላዕሊ ትሓልየላ? ኢለ ሓተትኩዎ።
ስለትሓልየላ ዲኻ እስኻን እቲ ተገልግሎ ስርዓትን ነቡኣን ነዲኣን ንዓመታት ብዘይ ክሲ ብዘይ ፍርዲ ኣሲርኩሞም ዘለኹም? ስለትሓልየላ ዲኻ ንዓዓን ንየሕዋታን ኣዘኽቲምኩሞም ዘለኹም? ስለለትሓልየላ ዲኻ ንሃና ንክልተ ዓመት ዝኣክል ኣሲርኩም፡ ቀጥቒጥኩም ዘሳቀኹማ? ናትኩም ሓልየት ከመይ ድዩ? በልኩዎ። ኣረ ካበይ ኢኹም መጺኹም? ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩ ጌሩኩም እዚ ኩሉ ኣደራዕ ተውርዱሉ ዘለኹም በልኩዎ?

መልሰይ ዘሕረቆ የማነ፡ ኪዲ ኪዲ… በለኒ።

ኣነድማ ናበይ ክኸይድ? በልኩዎ። ዘይተረድኣካ እንተኾይኑ፡ እዚ ዘለኻዮ ቦታ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ይበሃል፡ ኣነን እስኻን ኣብዚ ማዓረ ኢና፡ ትውንኖ ከይመስለካ። ኣብዚ ሓይልን ጸርፍን ዘይኮነስ ዲፕሎማሲ ኢኻ ትጥቀም፡ ዘይትፈልጦ እንተኾንካ ተመሃር ኢለዮ።

ኣንቲ ኪዲ እንዶ…ኪዲ ..ኪዲ , በለኒ።

ኣነ ድማ ናበይ ክኸይድ? ስማዕ እባ፡ እንታይ ድኣ ኣምጺእካ? ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መስላት ድኣ ትመጽእ ዲኻ? ኢለ ሓተትኩዎ። እስኻን ጎይታኻ ኢሳያስ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞም እዮም፡ ብዝፈጸሙዎ ገበናት ብሓላፍነት ክሕተቱ ኣለዎም ንዝብል ናይ መርማሪት ኮምሽን ብይን ንከይሓልፍ፡ ንዑዑ ደው ንምባል ዲኻ መጺኻ? ኢለ ሓተትኩዎ። ኣይመለሰለይን። ኣነ ድማ በል ክትፈልጦ እቲ ኣፍሪሕኩም ዘሎ ብይን ክሓልፍ እዩ፡ እስኻን ጎይታኻ ኢሳያስን ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበርኩሞ ገበን ክትሕተቱ ኢኹም። ዝገበርኩም እንተገበርኩም ካብ ሓላፍነት ኣይተምልጡን ኢኹም እንዳበልኩዎ ከለኹ፡ ኣብ ናይ ኒውዮርክ ኤንባሲ ኤርትራ ዝሰርሕ ኣማንኤል ጆርጆ ዝበሃል ሰብ መጺኡ፡ ንየማነ ገብርኣብ ወሰዶ።

እዚ ኩሉ ክንበሃሃል ከለና፡ ሃና ጴጥሮስ ሃንደበት ኮይኑዋ፡ የማነ ገብርኣብ ዝብሎ ዝነበረ ኣስደሚምዋ ሰምዓቶ። እታ ምስኡ ዝነበረትና እዋን ሓጻር ስለዝነበረት፡ ሓንደበት ‘ውን ስለዝረኸብናዮ ኣነ እቲ ክብሎ ዝደለኹ ከይበልኩዎ ክሓልፈኒ ስለዘይደለኹ ከይከደ ከሎ ምእንቲ ክሰምዕ፡ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ኢለ እየ ዝዛረቦ ነይረ። ሃና ጴጥሮስ ‘ውን ዕድል እንተትረክብ ኔራ ብዙሕ ሕቶታት ምሓተተቶ ኔራ።

የማነ ገብርኣብ እቲ ዘገልግሎ መራሒኡ፡ እሱን መሰልቱን ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሞም ስለዝኾኑ ኣብ ናይ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም በቲ ዝገበሩዎ ገበን ክሕተቱ ኣለዎም ንዝብል ብይን ብባይቶ ሰብኣዊ መስላት ንከይሓልፍ ንሓደ ወርሒ ሙሉ እ፡ ኣብ ጄኔባ ሰፊሩ፡ ከየቋረጸ ጎስጉሱ፡ ደኺሙ፡ ጽዒሩ። ንሕና ድማ እቲ ብይን ክሓልፍ ኣለዎ ኢልና ጎስጉስና፡ ኣብ መወዳእታ ንሕና ተዓዊትና እቲ ብይን ብሙሉእ ድምጺ ሓሊፍ።

እቲ ብይን ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሕጋዊ ሰነድ እዩ። ኣይሃስስ ኣይጠፍእ። እቲ ዝገበሩዎ ገበን ተሰኒዱ እዩ። ክሕተቱሉ ድማ እዮም።
ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ክገብሩዎ ዝጸንሑ ገበናት ይቕጽሉዎ ኣለው፡ ግና ዕድሚኦም ሓጺር እዩ። በቲ ዝገበሩዎን ዝገብሩዎ ዘለው ገበናት ኣብ ፍርዲ ዝቀርቡሉ እዋን ቀሪቡ እዩ።

ፍትሒ ንኹሎም ናይ ሕልና እሱራትና!

ጸኒዕና ቅኑዕ ቃልሲ ነካይድ!

ዝሓለፈ ጌጋና ንከይንደግም ንጠንቀቅ!

ኤልሳ ጭሩም

ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ተቀማጦ ኤርትረኣውያን ብዛዕባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝነበረ ናይ ማዕበል ያኣክል ሰሚናር ዘትዮም።

Image may contain: 4 people, people sitting, screen and indoor

ኣብ ሂዩስተን  ኣኼባ ብዕለት 6/15/2019 ተኻይዱ፡ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ብዛዕባ  ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ሲምፓዝዮም 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ ኣቡወንበር ተ ስፋሂወት ኪዳነ  ጸብጻብ ቀሪቡ። ኩሎም ተሳተፍቲ  ኣኼባ  ሕቶን ሪኢቶን ብምቅራብ ንዝመጽእ ግዝየ ብኸመይ ንዳሎ፡ ኣብዚ ዝሐለፈ ህዝባዊ ኣኼባ ሽሕ ግዝየ እኳ ጉድለታት ይሃልወና ኩሉ ግዝየ ንዓና መምሃሪ ዳኣምበር ንመትከልና ዝዕንቅፍ ኣይኮነን ኢሎም ።ቃልስና ብእሂን ምሂን ኢልና ተላዚብና ንዝመጸና ዘሎ ዓበይቲ ብደሆታት ሐቢርና ክንቃለሶን ኣብ ግሉጽነት ዝተመርኮሰ መስርሕ ክንሰርሕ ከምዘላና ኢሎም ተማሕጺኖም።

ካብቶም ኣገደስቲ ነጥብታት ካብ ህዝቢ ሪኢቶ ዝነበረ ብቀዳምነት ኣብዘለናዮ ዞባታት ሐቢርና ክንሰርሕን ንምሳሌ ኩለን ኣብ ተክሳስ ዝርከባ ዞባታት ብስጡም ርክብና ብምቅጻል ንኹለን ዝጥርንፍ ሐደ ሽማገለ ጌርና ናይዛ ንነብረላ ዘለና ናይ ተክሳስ ጋቨርነር (Governor) ወይ ውን ሐለፍቲ ሰብ ስልጣን ብምዕዳም ሽግርና ምግላጽ ኣንጻር ዓማጺ ስርዓት ንቃለስ ከምዘለና ውን ንነብስና ምልላይ ከሙኡውን ዓቢ ፈስቲቫል/ሰሚናር/ብምግባር ክንላለ  ኣገዳሲ ኢዩ ዝብል ሐሳባቶም ለጊሶም።

ከምኡ ውን ዝበዝሕ ህዝቢ ኣብ ድሕሪ ያኣክል ናበይ ዝብል ሕቶታትን ንኹሉ ሕብሪ ኤርትራ ሐቘፉ ዘቃልስ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ክኸውን ከ እንታይ እንተገበርና ይሐይሽ ዝብል ሕቶታት ብህዝቢ ቀሪቡ።ኩሎም ተሳተፍቲ ኣኼባ መልእክቶም  ናብ  ህዝቢ  ኤርትራ ኣመሐላሊፎም ንሱ ኻኣ ኩሉ ኤርትራዊ  ሐላፍነቱ ፈልጡ ነዚ ንገብሮ ዘለና ጎስጓስ ናይ ያኣክል ኣጸቢቁ ክቃለስ ንላቦ።

ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

ውድቀትን ዕንወትና ንፋሺሽታዊ ህግደፍን ጉጅሉኡን።

 

ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ኣሲሮም Dictator Isseyas arrested 5 priest from Debre bizen Radio Erena: 13 June 2019

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ከምዝኣሰሩ ተሓቢሩ።

እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መነኩሳት፣ ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን፣ ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ፣ ኣባ ኪዳነ ማርያም ተኸስተ፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ዘሚካኤል፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ተወልደመድህን ምዃኖም ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣባ ክብራብ ተኪኤ ኣቐዲሞም’ውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ’ዮም።

ጠንቂ ምእሳር እዞም፣ ሰለስተ ካብ ኣቶም ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 70ታት ዝርከቡ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን፣ ምስቲ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኣብ ቤት ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝፍጽሞ ዘሎ ምትእትታውን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ብቴሌፎን ዝሃቡና ዝርዝራዊ መብርሂ ስዒቡ ይቐርብ።

by Radio Erena

 

 

ኤርትራ፡ መንግስቲ ብኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ንዝተጽሓፈ ደብዳበ ምላሽ ሂቡ

 

ፕሬዝደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ዝተጻሕፈ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ፓለቲካዊ ለውጥታት ከተታኣታቱ፡ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ “ግዚኡን ኣገባቡን ዘይሓለወ’ዩ” ክብል ምላሽ ሂቡ።

ኣብዚ ሰሙን፡ 103 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምፍታሕ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ለውጢ ክትገብር ዝጠልብ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጽሒፎም ነይሮም።

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ደሞክራስያዊ ጎደና ኣብ ዝግስግሳሉ፡ ህዝብታተን ድማ ብልጽግና ኣብ ዝጎናጸፍሉን ዘለዉ እዋን፡ ኤርትራ እዚ ጸጋዚ ተሓሪምዋ “ዕጽውቲ” ምዃና ከም ዘተሓሳሰቦም ተዛሪቦም።

ወከልቶም ናብ ኤርትራ ኣትዮም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ መንግስቲ፣ ህዝብን ምስቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ክራኸቡ ክፍቀደሎም’ውን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠለብ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ሎሚ ብሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝወጸ ሓተታ፡ እቲ ቅሉዕ ደብዳበ ኣብቲ ኤርትራ ስውኣታ እትዝክረሉ ረዚን ወርሒ ሰነ ምጽሓፉ “ግዜ ዘይሓለወ” ምዃኑ ነቒፉ።

“በቲ ዝተጠቕሙሉ ዘይቅኑዕ ኣገባብ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክራኸቡ ምምራጾም’ውን ንሃቐንኦምን ዕላማኦምን ዓቢ ሕቶ ከልዕል ዝገብር’ዩ” ይብል።

“ምሉእ ኣድህቦኣ ናብ ምህናጽ ሃገር ክትገብር ዘላቒ ሰላም ዘስተማቐረትሉ እዋን፡ እተን ካብ 1991 ክሳብ 1998 ዝነበራ ሓጸርቲ ዓመታት ናጽነት ጥራይ’የን ነይረን።”

ኤርትራ ካብ 1961-1991 ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ 65 000 ስውኣት ከፊላ፣ ኣብ ዶባዊ ኲናት 1998-2000ን ኣብቲ ድሕሪኡ ዝቐለ 20 ዓመታት ብኢትዮጵያ ዝተኻየደ “ስርዓት ንምቕያር” ዝዓለመ ወፍርታት ድማ 20 000 ስውአት ከም ዝኸፈለት ጠቒሱ።

ነዚ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 60 ዓመታት ዝውርዳ ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ነገራት፡ ኣብዝሓ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣፍሪቃውያን ብወግዒ ይኹን ስቱር ትም ክብሉ እዮም መሪጾም ክብል ነቒፉ።

ብኻልእ ወገን፡ ንዝሓለፈ 16 ዓመት ነቲ ብኮሚሽን ዶብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ንኤርትራ ዝተበየነ መሬት፡ ኢትዮጵያ ጎቢጣቶ እንከላ ብጭቕ ዝበለ ኣፍሪቃዊ ኣይነበረን ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ 57 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ውሑዳት ዓመታት ሩፍታ ከም ዝረኸበ ብምሕባር፡ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ንውሳነ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም እተተግብር ብምግላጻ፡ ሰላም ክልቲአን ሃገራት ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰን ብ5 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ድሕሪ ምፍራሙ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኤርትራ ንዝተኸሰሩ ዕድላት ኣብ ምምላስ ቀዳምነታት ንእትህቦም ጉዳያት ሰሪዓ ትሰርሕ ከም ዘላ ሓቢሩ።

 

ናይጀርያዊ ፕሮፌሰር ዎሌ ሾኒካ፣ ግብጻዊት ደራሲትን ጋዜጤኛን ሞና ኢልታህዋይ፣ ኬንያዊ ተሓላቂ ዴሞክራሲ ቦኒፌስ ሙዋንጊ

 

እዞም ኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈርወቂ ኣብ ዝጽሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳበ ብዛዕባ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ሓቲቶም’ዮም።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኤርትራ ኣብ ጽንኩርን ወጣርን ዶባዊ ኩናት ኣብ ዝነበረትሉ ናዕቢ ንምልዕዓል ከም ዝሰርሁ ህዝቢ ዝፈልጦን ዝተደብተረን መርትዖ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ሓቂ ሰጊርካ ዝግበር፡ ክፍኣትን ዘይሓላፍነታውን’ዩ ኢሉ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ ካብዞም ነዚ ደብዳበ ዝጸሓፉ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንኤርትራ በጺሑ ዝፈልጥን ከም ዘይብሎምን ቀዳማይ ምንጪ ዘይብሎም ወይ’ውን እታ ሃገር ርእዮምዋ ዘይፈልጡ’ዮም ኢሉዎም።

ስለ ዝኾነ፡ ‘ምጽኡ፤ ርኣዩ’ ፈላማይ ጭርሖ መንግስቲ ኤርትራ’ዩ ብምባል፡ ኹሉ ነታ ሃገር፡ ህዝባን መሪሕነታን ክፈልጥ ንዝደሊ፡ ኤርትራ ክፍትቲ ምዃና ይሕብር።

30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኤርትራ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳቤ ጽሒፈን 12 06 2019 Radio Erena: 12 June 2019

30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ባይቶ ጸብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ጽሒፈን።

እተን ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ትካላት ኣብቲ ብ11 ሰነ ዝጸሓፈኦ ደብዳቤ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምቁጽጻርን መጽናዕትን ክካየድን ጸብጻባት ብስሩዕ ክቐርብን ክቕጽሎ ሓቲተን።

ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ ይኹን ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝተኻየደ ስሉሳዊ ስምምዕ፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከምቲ ዝነበሮ ኣብ ሕማቕ ከምዝርከብ ኣገንዚበን።

ናጻ ፕረስ ኣብ ዘይብላ ኤርትራ፣ ካብ 2001 ኣትሒዞም ዝተኣስሩ 16 ጋዜጠኛታት ደሃዮም ኣጥፊኣ ከምዘላ ብምትሕስሳብ፣ ኣብ መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ መበል 40 ስሩዕ ጉባኤ ናይቲ ባይቶ፣ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብሰፊሑ ይቕጽል ከምዘሎ ምክትል ኮሚሽነር ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብዝርዝር ምቕራቡ ኣዘኻኺረን።

እተን ብደረጃ ዓለም ግኑን ስም ዘለወን ትካላት፣ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኩነታት እናሃለወ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ተዛንዩ ክርእዮ ከምዘይብሉ ኣተሓሳሲበን።

ኤርትራ እትርከበን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝውቐሳ ሃገራት ኣብ ኣባልነቱ ዝሓቖፈ ሓድሽ ባይቶ፣ ኣብ ምኽባር መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ይሰርሕ ከምዘሎ ብተግባር ከርኢ’ውን ተማሕጺነን።

ኤርትራ፣ ምስቲ ኣባሉ ዝኾነት ባይቶ ምትሕብባር ከምዘይጸንሓ ብምምልካት ድማ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ፍሉይ ልኡኽ ወይ ስፔሻል ራፖርተር ካብ ዝመዘዘለን 22 ሃገራት፣ እታ ነቲ ልኡኽ ምቕባል ዝኣበየት እንኮ ሃገር ኤርትራ ጥራይ ምዃና ከም ኣብነት ጠቒሰን።

ኣብዚ ዝመጽ ስሩዕ ዋዕላ፣ ኣባልነት ካብ ተሓታትነት ዘድሕን ዘይኮነ፣ ንትግባረ ሰብኣዊ መሰላት ዝያዳ ሓለፍነት ዘሰክም ኮይኑ ክቐርብ’ውን ጸዊዐን።

መበል 41 ስሩዕ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ 24 ሰነ ክሳብ 12 ሓምለ ኣብ ጄኔቫ ክካየድ’ዩ።

ነዚ ደብዳቤ ዝጸሓፋ 30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት እዘን ዝስዕባ’የን፣-

1. AfricanDefenders (the Pan-African Human Rights Defenders Network)
2. Amnesty International
3. ARTICLE 19
4. Cairo Institute for Human Rights Studies
5. Center for Reproductive Rights
6. CIVICUS
7. Civil Rights Defenders
8. Committee to Protect Journalists
9. CSW (Christian Solidarity Worldwide)
10. DefendDefenders (the East and Horn of Africa Human Rights Defenders Project)
11. Eritrea Focus
12. Eritrean Diaspora in East Africa (EDEA)
13. Eritrean Law Society (ELS)
14. Eritrean Movement for Democracy and Human Rights (EMDHR)
15. Front Line Defenders
16. Geneva for Human Rights / Genève pour les Droits de l’Homme
17. Global Centre for the Responsibility to Protect
18. Human Rights Concern – Eritrea (HRCE)
19. Human Rights Defenders Network – Sierra Leone
20. Human Rights Institute of South Africa (HURISA)
21. Human Rights Watch
22. International Commission of Jurists
23. Information Forum for Eritrea (IFE)
24. International Refugee Rights Initiative
25. International Service for Human Rights
26. Network of Eritrean Women (NEW)
27. Odhikar, Bangladesh
28. Release Eritrea
29. Reporters Without Borders
30. World Organisation Against Torture (OMCT)

Posted by erena.org