
እዘን ክክተ ዋዕሮታት ካብ ኣሜራካ ጥጡሕ ናብርኤን ገዲፈን ዝተጋደላ ሙሁራትን ሓርበኛታትን ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኢየን:ኣስማተን ሚርያም ሓጎስን ኣብነት ኢሳያስን ይብሃላ :
ኣጋጣሚ ሓብቲ ኣይዳ ኪዳነ ብኣጋጣሚ 40ዓመት ምጅማር ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ዝገበረቶ ቃል መሕትት ምስ ሓብትናን ብጸይትናን ክብርቲ ኣብነት ኢሳያስ ብኣንክሮ ተኻታቲለዮ: ብሓሳብ ንድሕሪት ተመሊሰ ኣነ ውን ገለ ክብል ኣሎኒ:ብማለት ነቶም ዝንኣስኩም የሕዋተይን ደቀይን ነቶም ብኣካል ዝተኻፈልኩም ዝኽርኹም ተሕድሱ ብማለት ንሳሕል ክንጓዓዝ ኢና ሰናይ ንባብ:
ሰውራ ኤርትራ ጎብለል ኮይኑ ንመግዛእቲ ኢትዪጵያ እንዳ ጸራረገ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ብምግስጋስ ንኣስመራ ብዙርያ ኣብ ቀለቤት የእቲዩ ናጽነት ሎሚዶ ጽባሕ ኣብ ዝባሃለሉ ዝነበረ ግዜ ኣጋጣሚ ኣነ ዝነበርክዋ ኣሃዱ ኣብዚ ጉልዒ ወይትረ ዴሺ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቅጥራን ኢዩ ነይሩ ዕርድና :
ሓደ ምዓልቲ ኣኼባ ተጸዊዕና :እቲ መራሕ ሓይልና ኣብቲ ግዜ ስውእ ምሓመድሽማዒል ዓብዱ ምስ ዓብዱ መጠሪ ኢዩም ምሓመድሽማዒል ሓያል ኣዋጋኣይን ተዋጋኣይን ኮይኑ ናይ ሎሚ ኣኼባና ብዛዕባ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኢዩ ንህዝብና ካብዚ ሓሶት ናይ ደርግ ክጋላገል ተኾይኑ ሬድዮ የድሊ ኣሎ :ውድብና ዓቅሙ ድሩት ኢዩ:ስለዚ ናይ ሽጋራን ናይ ትንባኾን መቅነን ካብ ሕጂ ንድሓር ጠጠው ተበልናዮስ ከመይ ይመስኩም ድሮ ኡኳ ብርጌድ 58 መሻርፍ ናይ ትንባኾን ሽጋራን ንድምጺ ሓፋሽ ወፊዮምዎ ኣለው:
ኣኼበኛ ብሙሉኡ ደጊፍዎ በዚ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ናይ ወልፍ ወፍየን ኣብ ውሽጥን ወጻእን
ዘሎ ህዝብና ዓዓቅሙ ብምውፋይ ኣብ ግዜ ምዝላቅ ብፍላይ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1979 ፈነውኣ ጀሚራ :ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ፋሕ ከላ ድሮ ጸላኢ ኣልጌንን ዒላ ጻዕድን ግሬቶን ወድጋንን ብርቱዕን ተዳጋጋሚ ወራር ስለዝጀመረ ብዙሕ ንብረት ናይ ውድብና ህዝቢ ተዓጽዩ ነይሩ :
ሓደ ናይምሸት ኣብ ብሙሉኡ ካብ ወድጋንን ግሬቶን ኣልጌንን ስጋብ ማይ ካላሽን መጥቃዕቲ ብምፍናው ንብረት ውድብናን ህዝብናን ከምዝሓልፍ ጌርና :ደርግ ኣብቲ ግዜ እቲ ሞራል ህዝብና ንምስባር ሬድዮ ኣስመራ ብቀትሪ ፋዱስ ጀሚራ ኣብዝሃበቶ ዜና ናይ ወንበዴታት ሬድዮ ኣብ ኢድ ኣብዮታዊ ሰራዊትና ኣትያ ክትብል ናይ ሓሶት ዜና ሂባ።
ድምጺ ሓፋሽ ድምጺ ሓቂ ሞራልን ንያትን ናይ ህዝብና ኢያ ነይራ ሓቅን ሓሶትን ገጽ ንገጽ ዝብል ፕሮግራም ብምስራዕ :ናይ ስርዓት ደርግ ጉድ ኣብ ምውጻእን ህዝብና ኣብምንቅቃሕን ዓወታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣብምግላጽን ዓቢ እጃም ኣበርኪታ:
ሎሚ እቶም ናይወልፍ ዘወፈዩ ብጾት ከም ብዓል ክፍለየሱስ (ባዳ)ብዓል ምሓመድሽማዒል ዓብዱ ብሂወት የለውን እዚ ኹሉ ተስፋ ጸልሚቱ እቶም መራሕቲ እንዳዜና ብዓል ማሕሙድ ሸሪፎ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዓል ኣሕመድ ኣልቀይሲ ናብ ስደት:
ብዓል ሚርያም ሓጎስ ናብ ቤትማእሰርቲ ኣብነት ኢሳያስ ናብ ኣ ስደት ኣሜሪካ::
ሶፍያ ተስፋማርያም ንመጀመርያ ግዜ 2001 ናብ ኤርትራ ከይዳ ሕጂ ብገንዘብ ተዓሲባ ትሰርሕ ዘላ ተካኢት ናይዘን ዋዕሮታት ክትከውን ሞራላዊ ብቅዓት ዘይብላ መውደልደሊት:ነዘንጥጡሕ ናብራ ሓዲገን ኣብ ክንዲ ምስጋናን ሞሳን ቤት ማእሰርትን ስደትን ኮይነን:
የቀንየልና ኣይዳ ኪዳነ ዘይውዳእ ንያትኪ:
የቀንየልና ኣብነት ኢሳያስ ጽቡቅ ታሪኽ ኢኺ ኣዘንቲኽና:
ሚርያም ሓጎስ መዋጽኦ ይፍጠረልኪ።
እቲ ሕልኩስ ዘርኣይ ሃይለ ሰብኣይ ሚርያም ሓጎስ ንኡስ ብርጅዋ እንዳበሉ ሞራሉ ኣብዝትንከፈሉ ር ዝነበሩ ግዜ ኣጆኻ ብምባል ትእብዶን ሞራልትህቦን ዝነበረት ሚርያም እዚ ክፈድያ ምዓስ ይግባእ ::
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና!!
ኢዮብ ጆጋለ በይን