First Minister of the Interior of the Arab World A position with special challenges

ንሰብዓ ዓመት ክቃለሳ ዝጽንሐ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ሊባኖን ንመጀምርያ ግዝየ ኣብ ዝዓበያ ናይ ሚኒስትሪ ቦታ ሕዛ ትርከብ ራያ ሐሰን። https://www.freiheit.org/erste-innenministerin-der-arabischen-welt?fbclid=IwAR3e1RGllgql9bSLIkm1hEztI1wpJtd80hT-uS0_RwaHiAwRjgM38lVDgy8

8 መጋቢት፡ ዝሓለፈ ታሪኽ ንጽብጽበሉን ኣብ ዳስ ሓዘና ንስዕስዐሉን ዘይኮነ፡ ብሓላፍነታዊ ስምዒት ሓቢርና ንዝትየሉ መድረኽ ክኸውን ኣለዎ

ዓለም ለኻዊ ታሪኻዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ 8 መጋቢት ንምኽባር ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለምና ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ ይፍለጥ። ኣብ ምድላውን ኣከባብራን ናይ ትሕዝቶ ዘይኮነ ናይ መልክዕ ፍልልይ ከም ዝረአ ድማ፡ ካብ ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ተመክሮ ክንግንዘብ ንኽእል። ስለምንታይ’ሲ እቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝበጽሕ በደላት ብደረጃ ኣብ ህዝብታት እተን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ስነ-ኣእምሮኣውን ቁጠባውን ምዕባለ ዝምዘን ፍልልያት […]