መኣዲ ትምህርታዊ ወግዒ

ትግረ“ ዝበሃል መንነት የለን ! ! !ብ ንጉሰ ሃይለ (መንስዓይ)

 

Image result for eritrea nuguse haile mensaay

ትግረ ዝበሃል ቋንቋ ደኣ’ምበር ትግረ ዝበሃል መንነት ወይ ብሔር የለን ። እዝስ
እቶም ደቂ ከበሳ ብዛዕባ እቶም ቋንቋ ትግረ ዝዛረቡ ሕዝቢ ቀቢላታት መታሕት
ክዛረቡ እንከለዉ ብገርህነት ዝጥቀሙሉ ቃል ጥራሕ ኢዩ ። ነዞም ተዛረብቲ ቋንቋ
ትግረ ሕዝቢ ቀቢላታት መታሕት ፣ በዛ ትግረ እትብል ቃል ፣ ብዓጻቓ
ምጽውዖም እምበኣር ብሕዝቢ ቀቢላታት መታሕት ቅቡል ኣይኮነን ። ከመይ
ብኣረዳድኣኦም „ትግረ ማለት ፣ ንኣብነት ንሓደ ትግራዋይ ወዲ ኣዂሱም ፣
ወዲ ዓድዋ ፣ ወዲ መቐለ „ዓጋመ“ ኢልካ ብምስትንዓቕ ካብ ምጽውዑ ዝተሓተ
ኢዩ ። ሕዝቢ ዓጋመ ግን ኲነታት ናብራ ደኣ ኣብ ክሳዱ ተሓንጊሩ ኣዳኺሙዎ
እምበር ብትውልድን ብታሪኽን ብናይ ስራሕ ትግሃትንሲ ከም ኲሎም ሕዝብታት
ሓበሻ ክቡር ኢዩ ።
ብካልእ ኣዘራርባ ፣ „ትግረ“ ዝብል ስም ፣ „ኣገልጋሊ“ ማለት ኢዩ ። በዚ ስም እዚ
ዝጽውዑ ከኣ እቶም መሰል ዋንነት መሬት ዘይነበሮም ኣካል ሕዝቢ ቀቢላታት
መታሕት ኢዮም ነይሮም ። እዚ ሕዝብታት እዚ ብደረጃ መነባብሮኡ ክርኤ
እንከሎ ፣ ኣብ ክልተ ይምቀል ።
ሀ) መሰል ዋንነት መሬት ዘለዎም „ሽማግለ“ ብትግርኛ ክትርጐም እንከሎ
„ ደቀባት„ ማለት ኢዩ ፣
ለ) መሰል ዋንነት መሬት ዘይብሎም „ ገባር ከኣ „ትግረ“ ይበሃሉ ።

ብትግርኛ ክትርጐም እንከሎ „ማእከላይ ዓሌት“ ማለት ኢዩ ። ንሓደ
ካብ ሽማገለ ዝውለድ ባእታ „ትግረ“ ኢልካ ምጽዋዕ~ እምበኣር ፣ በዚ
ሎሚ ጊዜ ነውሪ ኢዩ ።
እወ ፣ ትማሊ ሕግታት እንዳባ ፣ ነዚ ማዕርነት ዜጋታት ዘይሕሉ ሕጊ ከም ቅኑዕ
ብምውሳድ ፣ ክስርሓሉ ጸኒሑ ። ብሕጂ ግዳ መሰል ዋንነት መሬት ፣
ንታሪኻውያን ነበርቲ ናይ ነፍስወከፍ ዓዲ ፣ ወረዳ ፣ ኣውራጃ ብማዕርነት ከም
ዝዕደል ክግበር ይግባእ ።
ኣብ ጊዜ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ እቶም ተወጺዕና ኣሎና ዝብል
ስምዒት ዝነበሮም „ትግረ“ ወይ ኣብ ሰንሒት ብዝጽውዑሉ ስም „ነገድ“ ናይ
ዋንነት መሬት ማዕርነታዊ መሰሎም ፣ ንኽሕሎ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ይዝንቶ ።
ሰማዒ እዝኒ ግዳ ኣይረኸቡን ። ብዝተረፈ ፣ ገለ ካብ ደቂ ትግረ ወይ ደቂ ሽማግለ
ነበር ኣብ ትምክሕታዊ ስምዒት ዘይኮነስ ኣብ ልባዊ ቅንዕና ብምምርኳስ ፣
ብዛዕባ’ዚ ጒዳይ እዚ እንተዘዘንትዉልና ጽቡቕ ነይሩ ።

ኢሂ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣንበብቲ ጽሕፍተይ ፣ ንኣበሃህላይ ከመይ ትርእይዎ
? ጽቡቕ እንተሎኹ ከተተባብዑኒ ፣ ጌጋ እንተሎኹ ግን ንክትእርሙኒ እምበኣር
፣ ለበዋይ ኣቕርበልኩም ። ኣነ ከም ዘሎኒ ትዕዝብቲ ፣ ደቂ ሽማገለን ደቂ ትግረን
ብዛዕባ’ዚ ምኽንያት መጽሓፊ ኰይኑኒ ዘሎ ጒዳይ እዚ ወግዒ ምስ ዘልዕሉ ፣
ብዝበዝሕ ብዘይ ምርድዳእ ኢዮም ዝፈላለዩ ። እዚ ከኣ ሓዲኦም ንታሪኽ በቲ
ዝነበረ መልክዓ ከቕርባ ስለ ዘይደሊ ኢዩ ። ብዝተረፈ ፣ ደለይቲ ጽቡቕ ፣ ደቂ
ኣውራጃታት ከበሳ ፣ ካብ ሎሚ ንደሓር ብዛዕባ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግረ ክትዛረቡ
እንከሎኽም ፣ „ብሄር ተዛረብቲ ቋንቋ ትግረ ደኣ’ምበር ፣ „ሕዝቢ ትግረ“
ብማለት በዚ ንሕና ተወለድቲ ቀቢላታት መታሕት ተዛረብቲ ትግረ
ዘይንሰማምዓሉ ስም ንከይትጽውዑና ብትሕትና ኣዘኻኽር ! ! !
ኣብ ምርድዳእ እተመርኰሰ ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ ! ! !

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *