ኣስመራ፣ ቤት ትምህርቲ እንዳማርያም ንምህጋር ብመንግስቲ ንዝተወስደ ስጉምቲ ዝተቓወመ ዳይረክተር ተኣሲሩ

መንግስቲ፣ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታውያን ትካላት ንዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህጋር፣ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ዝተቓወመ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም መምህር ምሕረትኣብ ከምዝተኣሰረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ብኮሚተ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ተመሪጹ፣ ዳይረክተር እታ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ መምህር ምሕረትኣብ፣ ብ19 ሚያዝያ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኣስረ ዝረጋገጽ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ፣ ነታ ብህዝቢ ዝተመርጸት ናይ እንዳማርያም ኮሚተ […]

ኤርትራዊያን ነበርቲ ስያትልን ከባቢኣን፥ ብሓባር መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ሃገርና ንምብዓል ንጽውዕ።

ንኹሉ ኣብ ሓድነትን ፍቕርን፥ ስኒትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምን ኤርትራዊን ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራን ክሳተፍ ንዕድም።  

መስመር ኦምሓጀር – ሑመራ ተዓጽዩ: ኣብ ጋሽ ባርካ ጽዑቕ ተፍትሽን ግፋን ይካየድ

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከራኽብ ተኸፊቱ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር ሑመራ ብወገን ኤርትራ ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ። ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ፣ ንንግዳዊ ልውውጥን ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን ክፉት ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር- ሑመራ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ተኸልኪሉ’ዩ ኔሩ። ካብ 18 ሚያዝያ እትሒዙ ድማ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዋ ይኹና ካብ ኤርትራ ንዝወጻ ናይ ንግዲ መካይን ዕጹው […]

“ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ተደናጉዩ ኣሎ ክንብል ንኽእል ኢና፣” ኣቶ የማነ ገብርኣብ 15 April 2019

“ናይ ዶብ ሕቶ ወይ ድማ ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ባድመ ተደናጉዩ ኣሎ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል ኢና” ክብል ኣቶ የማነ ገብርኣብ ገሊጹ። ኣቶ የማነ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር ኮይኑ፣ ብዛዕባ ምሕንጻጽ ዶብን ምስሓብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬት ኤርትራን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ’ዩ። ኣቶ የማን ኣብ መግለጺኡ፣ ዶብና ሕንጹጽ’ዩ፣ ብሕጂ […]

ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡

ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ዝርአ ዝተፈለለዩ ጸበብቲ ምፍልላያት ብናይ ሕልና ዕርቂ ሰላምን ሓድነትን ክፍታሕ ኣዊጆም። እቲ ኣዋጅ ዝተመሓላለፈ፡ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር ኣብ ህዩስተንን ከባቢኣን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ህዝባዊ ኣኼባ እዩ። እቲ ብኣማኸርቲ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝተነበ ኣዋጅ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምክብባር፡ ምጽውዋርን ምትእምማን ዝፍለጥ ህዝቢ አዃ […]