ትርጉምን ፡ብልጫታትን፡ ናይ ብህዝባዊ  ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ  ኤርትራውያን ።  

መእተዊ (Introduction)

 

 ብህዝባዊ ማዕበል ትልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን ፡ እታ ኣብ’ዚ ኣዝዩ ዘስግእን፡ ዘሰክፍን ህልዊ ፖለቲካዊ  ኩነታት ኤርትራ ፡ ንኣብ  ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ በብከተምኡ ፡ ኣነቓቒሓ፡ ኣተባቢዓን፡ ብምጥርናፍ፡  ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ፡ ሃገሩ ንምድሓን እተሓይል  ሓይሊ ዕማም (task force) እያ።                 

ምኽንያት ኣበጋግስኣ ከኣ፡ ካብ’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብሰንኪ ግፍዓዊ  መግዛእቲ  ህግደፍ፡ ዓቐን ዘይብሉ ፡ ሕሱም  ማእሰርትን፡ ህዝባዊ ህልቂትን ዘምጽኦ ኩነታት፡ ከምልጡ ኢሎም ብ13 ጥቅምቲ፡ 2013 ዓ. ም. ፈ. ኣብ ገምገም ደሴት ላምፓዱሳ፡ ዓዲ ጣልያን፡ ጥሒሎም ዝሃለቑ  ኣስታት 360 ዝኾኑ ንጹሃት ህጻናትን፡ መንእሰያትን፡ ኣዴታትን፡ ኣቦታትን ኤርትራውያን፡ ብዝተሰምዖም ሓዘንን፡ ቁጣዔን፡ “ሕጅስ  ይኣክል” ዝብል ጭርሖ ጨሪሖም ብምብጋስ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዓለም፡ ብደለይቲ  ፍትሒ ኤርትራውያን  ዝተበገሰ ናይ ተቓውሞ ማዕበል እዩ።   

 ኣገባብ  ኣጠራንፋ ህዝቢ ከኣ፡ ንኹሎም ኤርትራዊውያን  ተቐማጦ  ናይ ከተማ  ውዱባትን፡ ዘይውዱባትን፡ ደገፍትን፡ ተቓወሞትን፡  ከይተባህለ፡ ህጹጽን ፡ሓባራዊን፡ ጸውዓት ንሃገራዊ ድሕነት ተገይሩሎም፡ ኣብ’ቲ ህዝባዊ  ኣኼባ፡ ተሳቲፎም፡  ብምምይያጥን፡ ልዝብን፡ ምርድዳእን፡  ሓንቲ  ብሕጊ ትጥርንፎምን፡ ትመርሖምን ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ኣባል፡  መሰልን፡ ጥቕምን፡ ዕድልን፡ ብማዕርነት ትሕሉ  ግዝያዊት ቅዋም ( By Laws) ብምንዳፍ፡ ውዱባትን። ዘይውዱባትን ፡ ብውልቀኣባልነት ደረጃ ተወዲቦም፡  ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈተነ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ፡ ናይ ህዝቢ ጥርናፈ  ጎስጓስ ብምክያድ፡ ንነፍስ-ወከፍ  ናይ ኤርትራውያን ገዛውቲ፡  ብኣካል ኳሕኲሕካ ብጽሑፍ ብምዕዳምን፡ ከምኡ ከኣ፡ ብጆግራፊካውን  (geographic ) ን፡ ስነህዝባዊን (demographic) ኣገባብ ብምጥቃም፡ ነቲ ዘየሎ ክነሱስ፡ ከም ዘሎ  ጠርጢርካ ፡ ኣብ ነንሕድሕድ  ዝጸንሐን ፡ ጌና ሀሎን፡  ዘይምትእምማንን፡ ምትህልላኽን ፡ መንፈስ  ወጊድካ፡ ኣብ’ቲ  ኣዝዩ  ዘስግእን ፡ ዘሰክፍን ዘሎ  ኩነታት ሃገርና  ብሓባር ብምትኳር፡ በብከተምኡ ተጠርኒፍካ፡ ብማእከልነት ናብ ሃገራዊ  ደረጃ ብሓንቲ መሪሕነት ተሳጊርካ፡ ካብኡ ንኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህዝብና ናብ ሓንቲ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ተብጽሕ መድረኽ  ኣብጺሓ እተዓውት ሓንቲ መስመር ቃልሲ       ህዝቢ እያ።

 እንተኾነ ግን፡ ምስ  ኩሉ፡ብዘይ ሓደ ፍልልይ ፡ ናብ ሓንቲ መሪሕነት ሃገር  ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምጥርናፍ ዘብቅዕ ተኽእሎታታ ከይተረደኣና ንሓልፎ ኣሎና። ብተወሳኺ ከኣ፡ እቶም ምስ ካሊእ  ውድብ ኣባልነት ዘሎዎም ገስገስቲ፡ እቲ ዝጸንሔ ናይ ውድቦም ኣባልነት ንግዜኡ ኣብ ቦትኡ ከሎ፡ ምስኣ ብተወሳኺ፡ ኣባል ናይ ምዃን  ዝወሃብ ዕድል ተጠቒሞም ንምቅላስ  እተኽእል ክነሳ፡ ካብ ናይ  ህዝቢ ዘይተገዳስነትን፡ ዘይ ምስትውዓልን ፡ ዝተላዕለ፡ እዚ ብልጫ’ዚ  ዝግባእ  ኣቶክሮን፡ ምስጋናን ይረክብ  የለን። ተወሳኺ መለለዪኣ ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ስልጣን ዘይትጭብጥ፡ ብሓዲሽ  ስልትን፡ ራኢን፡ ንመላእ ህዝቢ ጠርኒፋ ብምስታፍ፡ አተዓውት ሓይሊ -ዕማም አያ። ብዘይ ናይ ሓፋሽ ህዝቢ ምሉእ ጥርናፈን ተሳትፎን፡ድለባ እኩል ገንዘብን እቲ ዝድለ ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ክጭበጥ ስለዘይከኣል ኣተኩሮ ዘድሊዮ ዓላማ ኢዩ።

 ደረጃታት ናይ ህዝባዊ ጥርናፈ፡ ሰለስተ ኮይነን፡ ካብ’ታ ቀዳመይቲ ናብ’ታ ካልኣይቲ  ደረጃ  እተሳግር ፡  መሳለል፡ እተን ተሳተፍቲ  ከተማታት ጥርናፈኤን ምስ ተረጋገጸ፡ ንኹለን

ከተማታት ፡ ኣብ  ሓንቲ  መሪሕነት፡  ብማእከልነት centralism) ንምጥርናፍ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ  ከተማ  ክጥቀማሉ ዝጸንሓ፡ ግዝያዊ ቅዋም ብምጥርናፍ፡ ነፍሲ-ወከፍ  ከተማ  ርእይቶን፡ ሕቶን  ኣቕሪባ ዝተሰማማዓትሉ፡ ንኹለን ከተማታት ኣብ ሓንቲ ትጥርንፍ፡ ሓባራዊት ቅዋም (By Laws) ተነዲፋ፡ ኣባላት ናይ ኩለን ከተማታት፡ ኣንቢቦም  ምስ  ዓገቡላ ኣብ ግብሪ ትውዕል።       

 ካብ ሃገር  ናብ  ኣህጉራዊ  ደርጃ፡ ዘሰጋግር  መሳለል ግን፡ እታ ዝምልከታ ሃገር ብቑዕ  ህዝባዊ ጥርናፈኣ ምስ  ኣረጋገጸት፡ ምስ’ተን  ካልኦት ዝተጠርነፋ ሃገራት ፡ ብምምይያጥን፡ ምርድዳእን፡ ኩለን ሃገራት ወከልተን  ልኢኸን  ኣብ ንኹለን ዘማእክል  ቦታ ተኣኪበን  ፡ ንኹሉ ሕብረተ ሰብ  ኤርትራ  ትውክል ሃገራዊት ባይቶ የቑማ።                         

  ራኢ (Vision)

ራኢ ናይ’ቲ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ሓይሊ -ዕማም  ናይ ቃልሲ ኤርትራ፡  ነቲ ብውድብ ደረጃ ተጠርኒፉ ዘሎ ኤርትራዊ፡ እቲ ዝጸንሔ ውድቡ  ኣብ ቦታኡ ከሎ፡ ንሃገራዊ ድሕነት ቀዳምነት ብምሃብ ፡ ኣብ’ቲ በብኸተምኡ፡ ንኹሉ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከብ  ኤርትራዊ፡ በብከተምኡ ብጥርኑፍ  ኣገባብ ኣብ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ  ሓይሊ- ዕማም ኣወሃሂዱ ዝብድህ ቃልሲ ህዝቢ እዩ።

ዓላማ (Goal)  

ዓላማ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከብ  ህዝቢ ኤርትራ፡ በቢ ከተምኡ (locality) ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ ኣንቂሕካን፡ ኣተባቢዕካን ብምስታፍ፡ ብውልቀ- ሰብ ኣባልነት ኣገባብ ጠርኒፍካ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይ ሕግን፡ ፍትሕን፡  ቅዋምን፡ ንህዝቢ ዝጭፍጭፍን፡ ሃገር ዘዕኑን፡ ዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ፡  ሓቢርካ ንምልጋስ፡ ንኣብ ውሽጥን፡ ኣብ ወጻኢን፡ ዝርከብ  ህዝቢ ኤርትራ ፡ ኣወሃሂድካ  ፡ ብምልጋስ፡ ንኹሉ ህዝቢ ኢርትራ ብማዕርነት   ትውክል፡ ቅዋማዊትን፡ ደሞክራስያዊትን፡ ሓዳስ ኤርትራ ንምህናጽ እዩ።         

ሜላ (Approach)

ሜላ ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ብዘይ ሓደ ፍልልይ፡ በብከተምኡ፡ ብምጥርናፍ፡ ግዝያዊ ዓንዲ-ሕጊ ብምሕንጻጽ ፡ ነቲ ዓንቀጻት ናይ’ቲ ዓንዲ ሕግን ፡ ዓላምኣን፡  እቲ ህዝቢ ኣረዲእካ  ብምዕጋብ፡ ምስተቐበሎ፡ ኣብ ናይ  ሓባራዊ  ኣገልግሎት ውዒሉ፡  ብውልቀ- ኣባልነት፡ ደርጃ  ጠርኒፍካ፡ ካብ  ከተማ ናብ ሃገር፡ ካብ ሃገር ናብ ኣህጉር ደረጃ ብሰንሰለታዊ  ናይ ሓንቲ መርሕነት ይሰጋገር ።    

 ለን ጨናፍር  ኣብ ሓንቲ ዝጠምረን፡ ሓደ ናይ ምሉእ ኣመሪካ ውሽጣዊ ሕጊ (By Law) ብወከልተን ደረጃ ኣርቂቐን፡ ምስ ኣጽደቕኦ ንኹለን ጨናፍር ኣብ ሓንቲ ጠሚሩ (ወኪሉ)፡ ኣብ ናይ ሓባራዊ ኣገልግሎት ውዒሉ፡ ነቲ ሓፋሽ ኣብ ሓንቲ መስመር ኣሰሊፉ፡ ዘበራብርን፡ ዝንቀሳቕስን ሜላ ደኣ’ምበር፡ ንገዛእ ርእሱ  ስልጣን ዝጭብጥ ውድብ ኣይኮነን።

 ደረት: ( Limitations)

  1)   ህዝባዊ ማዕበል ቃልሲ ኤርትራዊያን፡ ንኹሎም ኤርትራዊያን ተቐማጦ ናይ’ታ ዝምልከታ ከተማ ኣተባቢዓን፡

    ኣነቓቒሓን፡ ብምጥርናፍ፡ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣወሃሂዳ ብምጥርናፈ ተሳትፈ ተሳትፍ፡ ሓይሊ ዕማም ደኣ’ምበር

     መተካእታ ናይ ዝኾነ ተቓዋሚ ሓይሊ ወይ ንርእሳ ስልጣን ትጭብጥ ውድብ ኣይኮነትን።   

  

2)  ኣገባብ ኣወዳድባ ህዝባዊ ማዕበል በብከተምኡ (locality) ጠርኒፋ፡ ብውልቀ ኣባልነት ዝተሰረተ፡ ካብ ታሕቲ፡ ንላዕሊ

     ዝጠመተ ስልቲ ትኽተል  ቃልሲ ህዝቢ እያ።

 

3)  ብውድብ ደረጃ ወይ ከም ሰብኣይን ሰበይቲን (ሰብ ሓዳር) ብሓንቲ ድምጺ ኣባል ንምዃን ኣይፍቀድን።

 

4)  ሕጋውነት ንምልባስን፡ ኣገባብ ጥርናፈ ንኽጥዕምን፡ ብኣባልነት ደረጃ  ንምስራሕ ኣድላይነት ስለ ዘለዎ፡ ናይ  

     ኣባልነት ወርሓዊ ክፍሊት ብውሑዱ ብ $10.0 ይውሰን።

 

5)  ኣባልነት ናይ ህዝባዊ  ማዕበል ምስ ካሊእ ተወሳኺ  ኣባልነት  ናይ ተቓውሞ ሓይሊ (ታት) ዘሎዎም ውልቀ-ሰባት፡ ነቲ

     ኣባልነቶም ንክቕጽልዎ የተባብዕ ደኣ’ምበር ኣይኽልክልን ።

 

6)   ስራሕ ህዝባዊ ማዕበል ካብ ከተማ ጀሚራ ናብ ሃገራዊ ደረጃ  ኣሳጊራ፡ ናብ  ኣህጉራዊ  ደረጃ  ኣብጸሓ፡ ናብ ኣህጉራዊ

     ባይቶ ዝውከሉ ልኡኻት ምስ ተመርጹ፡ ስራሓ ተብቀዓሉ መድረኽ  እዩ ።  

 

7)  ወርሓዊ ክፍሊት ንምኽፋል ዓቕሚ ዘይብሉ ኣባል፡ ትሕዝትኡ ብምሪሕነት ተመርሚሩ፡ ብቑዕ ምኽንያት ምስ ዘቕርብ፡

     ክጎድለሉ ወይ ክለዓለሉ ይከኣል እዩ።

 

 መደምደምታ (Conclusion)    

ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት’ቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘይሕጋውን፡ ቅዋምን፡ ሕገ ኣልቦ መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ መላእ  ህዝቢ ኤርትራ፡ ብቐጻሊ ከካይዶ ዝጸንሐን፡ ጌና’ውን ዘካይዶ ዘሎን ፡ቅትለትን፡ ማእሰርትን፡ ጭንቀትን  ምኽንያት፡ ብቑጠዐ ብምለዓል፡  ካብ ብዙሓት፡ ኤርትራውያን ዝርከቡለን ከተማታት ዓለም፡ ገንፊሉ ዝተላዕለ  ህዝባዊ ማዕበል እዩ።          

እዚ ብሃገራዊ  ስምዒትን፡ ንጹር ዓላማን ዝተላዕለ ገስጋሲ ሃዝቢ ኤርትራ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይ’ተን ዝተበገሰለን  ከተማታት፡ ብዘይ  ፍልልይ፡ ውዱባትን፡ ዘይውዱባትን፡ ደገፍትን፡ ተቓወምትን ፡ ከይተባህለ፡ ኣነቓቒሓን ፡ ኣተባቢዓን ብምጥርናፍ ፡ ናብ ብድሆ ሃገራዊ ድሕነት ተሳትፍ ፡ሓይሊ-ዕማም እያ።     

ህዝበን ኣነቓቒሔን ንምስታፍ ዝበቕዓ  ከተማታት፡ ብግቡእ ዝመርሐንን፡ ሕጋውነት ዘልብሰንን፡ ግዝያዊ  ቅዋም ነዲፈን፡ ብውልቀሰብ ኣባልነት ደረጃ  ይጥርነፋ እቲ ዝህነጽ ቅዋም ከኣ፡ መሰልን፡ ጠቕምን፡ ዕድልን ናይ ነፍሲ -ወከፍ ኣባል ብፍጹም ማዕርነት ዝሓለወ ኮይኑ፡ ስልቱ ከኣ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዝጠመተ እዩ። ኣገባብ  ኣጠራንፋ ከኣ፡ ብከተማ ደረጃ  ተጀሚሩ፡ እኹል ህዝባዊ ጥርናፈ ናይ’ተን ተሳተፍቲ ከተማታት ናይ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር ምስተረጋገጸ ፡ ብማእከልነት (centralism) ደረጃ፡  ኣብ ትሕቲ ሓንቲ መሪሕነት ንምጥርናፈን፡ ብሓዲሽ ንኹለን ዘሰማምዕን፡ ዝውክልን፡ ዓንዲ- ሕጊ ሓንጺጸን፡ ይምረሓ።   

ኣብ ሃገር ደረጃ ፡ ናይ ኩለን  ተሳተፍቲ ፡  እኹል ህዝባዊ ጥርናፈ ምስ ተረጋገጸ ከኣ፡ ናብ’ቲ ሳልሳይን፡ መጨረሽታን ኣህጉራዊ  ደርጃ ንምብጻሕ፡ ንኹለን ተሳተፍቲ ሃገራት፡ ሃገራዊት ባይቶ ናይ መላአ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንምቛም፡ ወከልተን  ንኽልእካ ጸውዒት ተገይሩለን፡ ምስ ለኣኻ፡ ግዝያዊት፡ መሰጋገሪት ባይቶ ኤርትራ  ኣብ ወጻኢ ሃገር ትቐውም።   እዛ ህዝባዊት ማዕበል ከኣ ኣብ’ዚ ደረጃ ምስተበጽሐ ስርሓ ተብቅዕ።                

እዛ ሓዳስን ፡ ግዝያዊት፡ ባይቶ ፡ መሰጋገሪት መንግስቲ ኤርትራ ንምቛም፡ እትውከል፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ብሄር ኤርትራ  ዕድልን፡ መሰልን፡ ጥቕምን፡ ብፍጹም ማዕርነት ኣብ ግምት ዘእቱን፡ ዝሕሉን፡ ቀመር (formulae) ነዲፋ ፡ ብፍላይ ከኣ፡ መሰልን፡ እጃምን ፡ ማዕርነትን  ናይ  መንእሰያትን ፡ ደቂ ኣንስትዮን ፡ ብግቡእ ዝሕለወሉ ኮይኑ፡ አታ  ትህነጽ ፡ ሓዳስን፡ ቅዋማዊት ኤርትራ ፡ ናይ መንእሰያታ  ስለ ዝኾነት፡ ብብቕዓቶምን፡ ተወፋይነቶምን ብግብራዊ  ተሳታፍነቶም  ኣመስኪሮም፡ ነታ ሽግ ንኽቕበሉ ፡  ጸውዒት ክግበረሎም ይግባእ። ነተን  ክስዕ  ሕጂ ተወዲበን  ክቃለሳ ዝጸንሓ ባእታታት ኤርትራ፡ እንተኾነ ግን፡ ንሃገራዊ  ድሕነት ቀዳምነት ብምሃብ፡ ኣብ’ዚ ኣዓዋቲ ዝኾነ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይተፈተነ፡ ግን ኣዝዩ ቀሊል ፡ ኣገባብብን፡ ስልትን  ኣብ ህዝባዊ ጥርናፈ ዝጥቀም ሓይሊ -ዕማም (task force) ብተወሳኺ ብምስታፈን፡ ዝግበኤን  ነጥብን፡ ምስጋናን፡ ክወሃበን ይግባእ። *

        

ዘለ-ኣለማዊ ዝኽርን ፡ ክብርን፡ ንስውኣትና ፡ ክብርን ሞገስን ንስንኩላንና ።           

በርሀ ደስታ / ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ።

 

*ግብራዊ ኣጠራንፋ ህዝቢ ይቕጽል።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *