ተባዓት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀርመን ዕዉት ሰሚናር ተኻይዱ።

ንቅሎ ኣዴታት

Image may contain: 23 people, people smiling, indoor

ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዕለት 08.-10.03.2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት/ ሃገረ ጀርመን (Johan Wolfgang
Goethe Universität) ብልዙብን ዕዉትን ኣገባብ ሰሚናር ተኻዪዱ።
ሰሚናር ብቛንቛታት ዓረብን ትግርኛን ተኻይዱ።
ብመጀመርያ ዓርቢ ዕለት 8. መጋቢት ነታ ዓለም ለኻዊትን ታሪኻዊትን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ልምድን ክብርን ባህልና ብመራሕቲ
ሃይማኖት እስልምናን ክርስትናን፡ ብገዳይም ተቓለስቲ ኣዴታትን ብጸሎትን ተኸፊቱ። ኣስዒበን ወከልቲ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ዞባ
ኣውሮጳን ኣዳላውቲ ሽማግለን ነታ ክቡር መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸባርቕ ቃል ሂበን።
ቀጺሉ ብዝተፈላለዩ ተቓለስቲ ነዛ ሓርበኛ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸባርቕ ደጋፍን ኣተባባዕን ቃልን ግጥምታትን ቀሪቡ። ኮምኡ ውን
ጋዜጠኛታት ነበር ተቓለስቲ ዩሱፍ ኢብራሂምን ሙና ሱልታን ነቶም ገና ኣብ መሓውር ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝርከቡ ብጾቶም
ብምዝካር ቃል ሂቦም። መንእሰይ ሳምሶን ሰለሙን (Change Now) ሰላማዊ ቃልሲ ብዝብል ኣርእስቲ መግለጺ ኣቕሪቡ።
መንእሰይ ኣብርሃም ተስፋይ ስለ ኣብ ሊብያ ኣብ ከቢድ ሽግር ተቖሪኖም ዝርከቡ ግዳያት ኤርትራውያን ኣብ ህሉው ኩነታት ዘተኮረ ኣሰቃቒ
ዝርዝር ኣቕሪቡ።
ናይ ዮሃና መልእኽቲ ካብ ተቓለስቲ ኣባላት ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ስዊዝ/ኖርወይ፣ ካብ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ውድብ ስምረት፡ ካብ ተቓላሳይ
ረድኢ መሓሪ (ባሻይ) ተቐቢልና።
ክብርቲ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኣተባባዕን ፍቕራውን ሞራል ደለይቲ ፍትሒ ሓፍ ዘብል መደብ ምዝንጋዕ ተዛዚማ።
ዕለት 9. መጋቢት ዕጡቓት ደቂ ኣንስትዮ መደባተን ብምቕጻል ብመዓዲን መሃርን ቃል መራሕቲ ሃይማኖትን ገዲም ተቓለስቲ ኣዴታትን ድሕሪ
ምኽፋት፡ ንተሳተፍቲ ሰሚናር ማሕበራቶምን፡ ምንቅስቓሳቶምን ውድባቶምን ንኸላልዩ ዕድል ሂበን ሓድሕድ ኣላልየን።
ንኹሎም ተሳተፍቲ ሰሚናር ኣብ 6 ወርክ ሾፕስ ድሕሪ ምክፍፋል፡ ኣብ 5 ሕቶታት ዘተኮረ ዘተን ሓሳብ ምልውዋጥን ንኸካይዱ ኣዋፊረን። እቲ
ዘተ ካብ ማእከሎም ብዝተመርጹ ኣለይቲ ኣኼባን ጸሓፍትን እናተሰነየ ተኻይዱ። ውጽኢት መጽናዕቲ ወርክ ሾፕስ ብኣለይቲ ወርክ ሾፕ ኣብ
ኣዳራሽ ንሙሉእ ኣኼበኛ ጸብጻብ ቀሪቡ። ብድሕሪ እዚ እቶም ጸብጻብ ዘቕረቡ ኣብ ሓደ ኮፍ ኢሎም፡ ነቲ ሓሳብ ህዝቢ ጠሚሮም ብጽፉፍ
ኣገባብ ንኣዳለውቲ ኣኼባ ደቂ ኣንስትዮ ዞባ ኦይሮጳ ኣረኪቦም። ኣዴታት ንዝመጽእ እንታይ ንግበር ንዝብል ሕቶ ዝምልከቱ ለበዋታትን ሓሳኣትን
ተቐቢለን።
ሓደ ካብቲ ኣብ መደብ ዘይነበረ ግን ክምጎስ ዘለዎ፡ ብተበግሶ መራሕቲን ኣባልትን ውድባት ናይ 15 ውድባት ወኪሎም ዝፈረሙ ብኣዴታት
ተማእኪሎም ኣቀራራቢ ዘተ ንኸካይዱ ጠሊቦም ኣብ ብሑት ቦታ ብምእካብ ንሕሕዶም ተዛትዮም። ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ሓባር መግለጺ
ንኸውጽኡ ተሰማሚዖም።
ብተወሳኺ ተቓላሲት ኤልሳ ጭሩም ንጸገማት ስደተናታት ኤርትራውያን፡ ብዝያዳ ኣብ ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ዘተኮረ መገለጺ ኣቕሪባ።
ሰንበት ዕለት 10. ግንቦት፡ ኮሚቴ ኣዳልዊት ሰሚናር፡ ኣብ ለበዋን ጠለብን ብዙሓን ዝተመርኮሰ ዲሞክራስያዊ መረጻ ኣካይዳ። ካብቶም ካብ 10
ዝተፈላለያ ሃገራት ኦይሮጳ ዝተረኽቡ ተሳተፍቲ 1-3 ዝቑጽሮም ወከልቲ፡ 4 ናይ ዕርቂ ሽማግለ ብሓፈሽኡ 22 ሰባት ተመሪጾም። ካብ መንጉኦም
9 ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ፡ ሓንቲ ኣፈኛ ንቕድሚት ብምምጻእ ነብሶም ሰርዖም ኽልተ ሃገራት በልጂም ከማኡ ውን ኣየር ላንድ ኮታ
ተውሂብዎን ኣሎ።
ንጹር መደብ ዕዮ እዛ ተመሪጻ ዘላ ሽማግለ ኣብ ትሕቲ ኣዳላዊት ሰሚናር ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ተወዲባ
ኣብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ኣውሮጳ ተበጊሱ ንዘሎ ምንቅስቓሳት ኣብ ምውህሃድን ምጥርናፍን ንኽትተሓባበርን ንጉባኤ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል
ብደረጃ ኣውሮጳ ንከተዳሉ እዩ።

ህዝብን ሃገርን ወዲቕዎ ዘሎ ሓደጋ ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ስራሕ ህጹጽነት ተራእዩ፡ ንቕሎ ኣዴታት 2 ወርሒ ግዜ መዲበናላ እኳ እንተነበራ፡
ተሳተፍቱ ሰሚናር 3-6 ወርሒ ግዜ ንኽወሃባ ተራእዩ ጸዲቑ።
ብተወሳኺ ድሕሪ ዕዉት ምውህሃድ ምንቅስቓሳት ደለይቲ ፍትሒ፡ ሓብሪካ ናብ ዕላዊ ጉባኤ ዝእተወሉ መስርሕ ክጽናዕ እዩ።
ኣብዚ ተኣሚቱ ዘሎ ጉባኤ ድማ ኣፈኛ ህዝቢ ኤርትራ ድያስፖራ ዝኸውን መሪሕነት ንምምራጽ እዩ።

ኣብ ስራሕ ግርጭታት ክህሉ ንቡር ስለ ዝኾነ፡ ሽግራት እትፈትሕ ኣትዓራቒት ሽማግለ ብክልተ መራሕቲ ሃይማኖትን ክልተ ኣዴታትን ቆይማ።
መድረኽ ሰሚናር ናብ ኤርትራውያን መንእሰያት United for Eritrea (U4E) ን Ubuntu Haus Frankfurt ተመሓላሊፉ ስደተናታት ኣብ
ምትሕግጋዝ ተምኩሮኦም ንኽገልጹ ዕድል ተዋሂቡ።
ታሪኻዊ ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ከምቲ ኣጀማምርኡ ብጸሎት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ኣዴታትን ብጽቡቕ መንፈስ ተደምዲሙ።
ፍትሕን ሓርነትን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ !
ኣወሃሃዲት ሽማግለ ሰሚናር ፍራንክፈርት 8-10 ጀርመን
seminardeqianistio2019@gmail.com
11.03.2019

 

نداء
مبادرة االمهات لسالمة الشعب والوطن
تحت شعار مبادرة االمهات النقاذ الشعب والوطن، عقد في الفترة من الثامن الى العاشر من شهر مارس الجاري في مدينة
فرانكفورت سمنارا ناجحا ساده الحوار والتفاكر االيجابي حول تحديات المرحلة ومتطلباتها وقد جرت جلسات السمنار باللغتين
العربية والتقرينية.
وقد بأت فعاليات السمنار بتخصيص اليوم االول لالحتفال بالثامن من مارس اليوم العالمي للمرأة، حيث اعتلى المنصة ممثلي رجال
الدين االسالمي والمسيحي حيث اثنوا على مبادرة االمهات للم الشمل وجهودهن في التصدي لمتطلبات المرحلة الراهنة. كما تحدثت
في هذه المناسبة ايضا االمهات الالتي قضين فترات طويلة من اعمارهن في النضال وال زلن يسهمن بدور ريادي في النهوض
بالعمل المقاوم.وتلى ذلك كلمة ممثلة تنسيقية تجمع المراة فرع اوربا وكلمة اللجنة التحضيرية للسمنار اللتين اكدتا على ضرورة
تجاوز كل الحواجز بغية االسهام في التصدي للمخاطر التي تحدق ببالدنا.
وتحدث بعد ذلك الصحفيان يوسف بوليسي ومنى سلطان حول اوضاع الصحافة في ارتريا وسردا نضاالت الصحفيين االرتريين ضد
النظام الديكتاتوري معاناتهم المستمرة بداخل معتقالته وخارجه، وطالبا الحضور وجميع دعاة التغيير بضرورة تضافر الجهود بغية
التخلص منه. كما تحدث الشاب سامسون سلمون حول رؤية منظمته ) التغيير اآلن ( لمفهوم التغيير السلمي. وبعد ذلك اعتلى الشاب
ابرهام تسفاي حول معاناة الالجئين االرتريين ومأساتهم في ليبيا وناشد الحضور بمساعدتهم.
وعقب ذلك تليت برقيات تضامنية من اتحادات نسائية موازية من ضمنها اتحادات المرأة االرترية بسويسرا والنرويج واتحاد المرأة
التابع لتنظيم سمر. كما بعث المناضل ردئ محاري ببرقية تضامنية اشاد فيها بالدور الفعال للمرأة االرترية ابان الثورة وفي هذه
المرحلة.
وتخللت اليوم االول فقرات غنائية وشعرية تمجد اليوم العالمي للمرأة االرترية ونضاالتها تفاعل معها الحضور .
وافتتحت فعاليات اليوم الثاني كذلك بكلمات مؤثرة من قبل رجاالت الدين واالمهات قوبلت بالتصفيق الحار من قبل الحضور، كما
اتيحت الفرصة للتنظيمات، االحزاب ومنظمات المجتمع المدني اللقاء كلمات مقتضبة والتي حرصت جلها على عكس خطورة
المرحلة وعددت مخاطرها.
ومن ثم تم تقسيم الحضور الى ستة مجموعات عمل لالجابة على خمسة اسئلة تتعلق بتقييم تجربتنا النضالية واخفافتها وايجابياتها
ومتطلبات المرحلة الراهنة. وبعد نقاش استمر الكثر من ثالثة ساعات، قدم رؤساء المجمواعات حصيلة نقاشاتهم ومخرجات
حوارتهم في القاعة الكبرى امام الحضور الذين تجاوز عددهم المائتين شخص من الجنسين. ومن ثم اجتمع رؤساء المجموعات
وقاموا بتلخيص ما توصلت اليه المجموعات وقاموا بتقديمه الى اللجنة التحضيرية للسمنار. وقبل انفضاض فعاليات اليوم الثاني الذي
شهد ايضا مطالبة االمهات المناضالت للحضور بتحمل مسئولياتهم، اتفقت التنظيمات التي حضرت السمنار، وكان عددها ٥١ تنظيما
وحزبا، على عقد اجتماع منفرد في نفس اللحظة والذي اسفر عن اتفاق مبدئي بمواصلة اللقاءات والتشاور للتنسيق فيما بينها كما
اتفقت على اصدار نداء مشترك يوجه الى المؤسسات الدولية واالقليمية وبعض الحكومات تعكس مخاوف الشعب االرتري وقلقه مما
يجري في بالدنا عقب التطورات االخيرة بين ارتريا واثيوبيا وتبعاتها المشبوهة.
وخاطبت المناضلة السا جروم الحضور معددة انتهاكات حقوق االنسان في ارتريا خاصة تلك المتعلقة باالنتهاكات التي تتعرض لها
حقوق المرأة االرترية على يد النظام االستبدادي.
وشهد اليوم الثالث االحد العاشر من مارس الحاح الحضور على انتخاب لجنة تعمل على تنسيق العمل المقاوم للتصدي لمتطلبات
المرحلة الذي تجاوبت معه اللجنة التحضيرية للسمنار ووفقا لذلك تم انتخاب ٥١ شخصا من الجنسين باالضافة للجنة تتكون من اربعة
اشخاص )٢ من رجال الدين و ٢ من االمهات تقوم بمتابعة وتقريب وجهات النظر بينهم في حالة حدوث خالفات بين اعضائها( اي
عدد ٢٢ شخصا الذين اختاروا من جهتهم لجنة تنفيذية تتكون من تسعة اشخاص قدموا من عشرة بلدان اوربية.
وتتلخص مهام اللجنة المنتخبة في خلق ارضية مناسبة للتنسيق وتوحيد جهود جميع الحراكات التي تنشط في اوربا في هذه المرحلة
ومن ثم التحضير لمؤتمر عام وشامل يهدف الى خلق آلية موحدة تمثل االرتريين في جميع بلدان القارة االوربية الذي من المتوقع
إجرائه خالل فترة تتراوح بين ٣ الى ٦ اشهر وستقوم لجنة مبادرة سمنار االمهات بتقديم التسهيالت والمشورة للجنة المنتخبة. كما
تهدف هذه اللجنة الى التواصل مع كل الحراكات االرترية في جميع انحاء العالم بغية توحيد الجهود والتحضير الى مؤتمر جامع
ويكون ضمن اهم مخرجاته جسما سياسيا يمثل الشعب االرتري ومكوناته السياسية.
واتاح السمنار في ختام اعماله المجال لمنظمة موحدون من اجل ارتريا ) detin 4 aietiiE )الذين قام بشرح نشاطاتهم في مجال
مناصرة ومساعدة الالجئين االرتريين بألمانيا.
الحرية والعدالة للشعب االرتري المكلوم
اللجنة التحضيرية لمبادرة ااالمهات االرتريات ١-٥١-٢١٥٢ فرانكفورت – المانيا

seminardeqianstiyo2019@gmail.com

11/03/2019

 

 

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *