ስእላዊ ቅርጻ ናይ ጆግራፊካውን፡ ስነ ህዝባውን ኣገባብ ህዝባዊ ጥርናፈ ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ዝልለ ቃልሲ ኤርትራውያን።

እዘን ክልተ ስእላዊ ቅርጺ ጥብቆታት (Attachments) ኣካል ናይ’ታ ብህዝባዊ ማዕበል ትልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራ ኮይነን፡ ዓላምኤን ከኣ፡ ነቲ ክልተ፡ ጂዮግራፊካውን፡ ስነ-ህዝባውን (Demographic approach) ሜላ ፡ በብከተምኡ ዝካየድ ጎስጓስ ህዝባዊ ጥርናፈ ኣጒሊሕካ ንምግላጽ እዩ ።
ኣብ’ዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ ቃልሲ ኤርትራን ፡ ግዜን፡ ኩነታትን ዘልዕሎም ዘሎ ሕቶታት፡ ሓዲሽ ስልትን ፡ ሜላን ፡ኣብ ኩለን ከተማታት ተጠቒምካ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ተቐማጦ ናይተን ከተማታት፡ ጠርኒፉ ኣብ መኣዲ ቃልሲ ዘሳትፍ ፡ ኣዝዩ ሰፊሕ ናይ ጥርናፈ ጎስጓስ ምክያድ እዩ።
ነዚ ሕቶን፡ ጠለብን ህዝቢ ንምምላሽ፡ ዝሓሸ ኣገባብ ተባሂሉ ዝተወስደ፡ ኣብ’ዘን ክልተ ስእላዊ ቅርጽታት በሪሁ ዝረኤ ጆግራፍያዊን ፡ ስነ-ህዝባው እዩ ። ትሕዝቶ ናይ ጅዮግራፊ ሜላ፡ ንነፍስ-ወከፍ ከተማ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ፡ ሰሜን፡ ደቡብ፡ ምብራቕ፡ ምዕራብ፡ ማእከላይ ሰፈር ኢልካ መቒልካ፡ ኣብ ነፍስ -ወከፍ ዞባ ፡ እኹላት ቁጽሪ ናይ ውፉያት ንኡሳን ሽማግለ ረቑሕካ ነቲ ህዝቢ ምጥርናፍ ክኽውን ከሎ፡ እቲ ናይ ስነ-ህዝባዊ ኣባብ ሰፊሕ ህዝባዊ ጥርናፈ ከኣ፡ ንኹሎም ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይ’ታ ከተማ በብ ብእኩብ ዝልለዩሉ ወገናት፡ ከም’ ኣብ’ዚ ስእላዊ ቅርጺ ኣብ 12 ዝተፈላልያ ክፋላት ተገሊጹ ዘሎ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ክፋል እኹላት ቁጽሪ ናይ ጠርነፍቲ ንኡሳን ሽማግለ ኣሰሊፍካ ንመላእ ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይ’ታ ከተማ፡ ብዘይ ሓደ ፍልልይ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ቃልሲ ናይ ሃገራዊ ድሕነት ንምስታፍ እዩ።
ካብተን ኩለን ዝተገልጻ ሜላታት፡ እታ ኩሉ ግዜ ተጠቒምና፡ ንኹሎም ኤርትራውያን፡ ተቓወምትን፡ ደገፍትን ከይተባህለ፡ ብዓወት ንጥቀመላ ኣገባብ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ገዛ ኳሕኩሕካ ናይ ዕድመ ወረቐት ዓዲልካ ንዕወተላ ኣገባብ እያ። ሕጂ ክኣ፡ ነቲ ዝተለምደ ምስ ንጥቀም ክንዕወት ንኽእል ኢና።
ምስ’ዚ ህዝባዊ ጥርናፈ’ዚ ጎድኒ- ንጎድኒ ዝኸይድ፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ዕማም፡ ከኣ ካብ ህዝቢ ዝእከብ ናይ ገንዘብ ወፈያ እዩ። ስለ’ዚ፡ ነፍስ-ወከፍና ብምሉእ ተገዲስነት ክንውፈየሉ ዘሎና ነጥቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሽሕኳ ብናይ ህግደፍ ዕንቅፋት ቁሩብ ዝሕል ንበል’ምበር፡ ኣብ ሃገርና ዘሎና ፍቕርን፡ ተወፋይነትን ናይ 50 ዓመታት ሃብታም ባህልና ዝምስክሮ ዘይከሓድ፡ ሓቂ አዩ።
በዚ መሰረት’ዚ፡ አዚ ተጊልጹ ዘሎ አንታይነትን፡ ብልጫታትን ናይ ብህዝባዊ ማዕበል ትልለ ኣገባብ ቃልሲ ኤርትራውያን ተገንዚብና ሃየ ሓቢርና ንበራበር ንምድሓን አታ ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነትት ትርከብ ሃገርና ? ነቲ መላእ ሃብቲ ሃገር ንበይኑ ገቢቱ ዘሎ ውልቀ መላኺ ንምብዳህ ናይ ህዝብና ፍጹም ትርናፌን፡ እኹል ገንዘብ ከኣ ግድነት ከድልየና እዩ ።
ልዕላውነት ሃገርና ብደምና!
በርሀ ደስታ / ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *