
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c623n5y85dzo
3 ታሕሳስ 2025
መበል 55 ዝኽሪ ግፍዕታት ዖናን በሲክዲራን ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ ኣገባብ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ረቡዕ 4 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ከረን ተፈጺሙ።
ኣብ 1970 ሓይልታት ኢትዮጵያ ናብተን ካብ ከተማ ከረን ውጽእ ኢለን ዝርከባ ዓድታት ብምእታው ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ይግለጽ።
እቲ እዋን፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኣብ ስልጣን ዝነበረሉ እዋን ኰይኑ፡ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ንናጽነት እናሓየለ ዝኸደሉ ዝነበረ እዩ።
ብ21 ሕዳር 1970 ሓይልታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ጀብሃ) ኣብ መስመር ኣስመራ-ከረን ኣብ ዝርከብ ባልዋ ዝተባህለ ቦታ ኣድብዮም ብምጽናሕ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቀቲሎም።
ብወተሃደራዊ ቃፍላይ ተሰንዩ ናብ ከረን ዘምርሕ ዝነበረ ሜ/ጀነራል ተሾመ እርገቱ ብተጋደልቲ ኤርትራ ዝተቐትለ ላዕለዋይ ኣዛዚ’ዩ ነይሩ።
ሞት ናይቲ ኣዛዚ ካልኣይ ክፍለ-ጦር ዝተባህለ ኣሃዱ ኢትዮጵያ፡ ቃልሲ ኤርትራ ኣቓልቦ ዓለም ክረክብ ዝገበረ ምንባሩ ይንገር።
ጀነራል ተሾመ፡ ነቲ ኣስጋኢ እናዀነ ዝኸይድ ዝነበረ ሓርነታዊ ቃልሲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ንኸብል ዝተመዘዘ’ዩ ነይሩ።
ብሞቱ ዝነደሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ‘ዓንጽ-ዓንጾ ንማዕጾ’ ከምዝብሃል ቍጠዐኦም ኣብ ልዕሊ’ቲ ምስቶም ተጋደልቲ ይደናገጽ’ዩ ዝበልዎ ሰላማዊ ህዝቢ ከውጽእዎ ጀሚሮም።
ፈለማ ብ30 ሕዳር ናይቲ ዓመት፡ ናብ በሲክዲራ ብምኻድ፡ 16 ነፍሰ-ጾራት ዝርከብኦም ኣስታት 220 ሰባት ከምዝቐተሉ ጸብጻባት መንግስቲ ኤርትራ ይጠቅስ።
ቀጺሎም፡ ብ1 ታሕሳስ ናብታ ሰሜን ካብ ከረን ትርከብ ዖና ዝተባህለት ቁሸት ብምእታው ኣብ ዝፈጸምዎ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣስታት 800 ሰባት ቀቲሎም።
እቲ ፍጻመ ስድራቤታት ዝጸነታሉ ወይ ብዙሓት ኣባላተን ዝሰኣናሉ ዘስካሕክሕ ግፍዒ ምንባሩ ይዝከር።
መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ግፍዕታት ዖናን በሲክድኢራን ኣብ ዝዓነወት ዖና ብወግዒ ተፈጺሙ ነይሩ
እቲ ግፍዕታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ክዝከር ዝጸንሐ’ኳ እንተኾነ፡ እዚ ብረቡዕ ኣብ ከተማ ከረን ዝተራእየ ግን ብኣወዳድብኡን ብዝሒ ተሳተፍቲን ፍልይ ዝበለ ይመስል።
ኣብቲ ካብ ፈለማ 60ታት ኣትሒዙ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ሓርነታዊ ኲናት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ምትፍናን ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብወገን ኤርትራ ነቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ብሰላማዊ ሰልፍታት ዝተሰነየ ዝኽርታት ክግበር ይርአ ኣሎ።