
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cqjwqvznqqxo
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኢትዮጵያ ዘልዓለቶ መሰል ዋንነትን ተጠቃምነትን ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት፡ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።
ብላዕለዎት መራሕቲን መንግስታዊ ይዅን ንሰልፊ ብልጽግና ጸግዒ ዝሓዛ ማዕከናት ዜናን ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ሓያል ቍጥዐ ፈጢሩ እዩ።
ብወገን ኤርትራ ክወሃብ ዝጸንሐ ወግዓዊ ግብረመልስታት፡ መግለጺታት ኢትዮጵያ፡ ታሪኽ ኣዘንቢዑ ንልኡላውነትን ናጽነትን ኤርትራ ዝዳፈር ተዅታዂ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ላዕለዎት መራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ካብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት እትሒዞም ክህብዎ ዝጸንሑ መግለጺታት፡ እቲ ንኢትዮጵያ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ዘትረፈ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ‘ብመሰጋገሪ መንግስቲ’ ዝተወሰነ ብምዃኑ ‘ክእረም’ ከምዘለዎ ዝእምት’ዩ።
ንምዃኑ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን’ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ’ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ኤርትራ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ደማዊ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ መወዳእታ ግንቦት 1991 ንጎበጣ ኢትዮጵያ ብምስዓር ብመሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ሓርነታ ከምዝተጓናጸፈት ይፍለጥ።
ዓለምለኻዊ ተቐባልነት ንምርካብ ግን ብኡንብኡ ሃገራዊ ናጽነት ክእወጅ ኣይተመርጸን። ኣብ ክንድኡ፡ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣካላትን ዝተዓዘብዎ ህዝበ-ውሳነ ክግበር ማእከላይ ሽማግለ ናይቲ ውድብ ወሲኑ።
ህዝባዊ ግንባር ካብ መወዳእታ 1970ታት ኣትሒዙ ነቲ ሓርነታዊ ኲናት ብሰላም ንምዕራፍ ምስ ስርዓት ደርግ ሓያለ ምስጢራዊ ዝርርባት የካይድ ነይሩ’ዩ። ገለ ካብዚ ኣብ ኣቴንስ ግሪኽ፡ ሮማ ኢጣልያ፡ በርሊን ምብራቕ ጀርመን ይርከብዎም።
ኣብ 1980 ከኣ ንፈለማ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ዕድሉ ባዕሉ ዝውስነሉ ‘ረፈረንደም’ ክካየድ ከም እማመ ሰላም ኣቕሪቡ። እንተዀነ ብወገን ደርግ ተቐባልነት ከይረኸበ፣ እቲ ስርዓት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሳብ ዝሰዓር ኲናት ቀጺሉ።
ሓይልታት ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ንርእሰከተማ ኣስመራ ብ24 ግንበት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ሰራዊት ናይቲ ብህወሓት ዝቕለስ ኢህወደግ’ውን ንርእሰከተማ ኣዲስ ኣበባ ብ28 ግንቦት ተቘጻጺሩ።
ብ29 ግንቦት ህዝባዊ ግንባር በይኑ ግዝያዊ መንግስቲ ከምዝመስረተ ከፍልጥ እንከሎ፡ ኢህወደግ ብወገኑ በቲ ካብ ፈለማ ሓምለ ዘካየዶ ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን ንብዙሓት ውድባት ዘጠቓለለ መሰጋገሪ መንግስቲ መስሪቱ።
ብዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራን ዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ልኡኽ ዝተሳተፎ ካብ 1 ክሳብ 5 ሓምለ 1991 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላምን ደሞክራስን ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንደም ክውሰን ተሰማሚዑ።
ድሕሪ’ቲ ዋዕላ፡ ፕረዚደንት መሰጋገሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናዊ፡ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ረፈረንደም ክዕዘቦ ብ13 ታሕሳስ ውግዓዊ ጠለብ ኣቕሪቡ።