ኢትዮጲያ ቃልሂወት ቤተክርስትያን ሰለስተ መራሕቲ ብሕማም ቫይረስ ማርበርግ ሞይቶም

እታ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጂንካ እትርከብ “ቁጽሪ 6” ቃለ-ህይወት ቤተክርስትያን፡ ኣብ ውሽጢ መዓልታት ሰለስተ መራሕታ ብምስኣና፡ መራሒ ፀሎት ኣቶ ያዕቆብ ቡችሌ ልቦም ብሓዘንን ተመሊኡ ኣሎ።

እታ ቤተክርስትያን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰዓብትን ጨናፍርን ኣለዉዋ።

እቲ ነገር ዝጅምር፡ ሓደ ኣባል እታ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ኢንጂነር ኣለማየሁ (ስሙ ዝተቐየረ) ምስ ሓመመ እዩ።

ኣለማዮሁ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2010 [ግ] ናብ ጂንካ ዝመፅአ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ንዘስረሖ ህንፃ ሰራሕ ኣካያዲ ዀይኑ እዩ።

እቲ ህንፃ ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ምዝዛሙ ይርከብ።

በዓልቲ ቤት ሓላፊ እቲ ፕሮጀክት ወይዘሮ እንየው ድማ፡ ኣብቲ ከባቢ ንእሽቶ ቤት መግቢ ኣለዋ። ናብ ጂንካ ምስ ገዓዙ ዝወለዱዋ ጓሎም ሽዱሽተ ዓመታ እያ ገይራ።

ወይዘሮ እንየው፡ ኣለማየሁ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ሕማም ክስምዖ ምስ ጀመረ፡ ብተለምዶ ‘ቁሪ’ እንብሎ ዓይነት መሲልዎ ከም ዝነበረ ትዝክር።

ረቡዕ 5 ጥቅምቲ 2018 [ግ] ናብ ሓደ ትካል ጥዕና ብምኻድ መርፍእ ተወጊኡ፤ እንተኾነ ግን ሸውሃት ምግቡ ኣጥፊኡ፡ ክስዕል ጀመረ።

ሓካይም፡ ድሒሩ ድማ ‘ረኽሲ’ ኩሊት ከም ዘማዕበለን ገሊጾም።

“ናይ ርእሲ ዓሶ’ዩ’ ዝኸውን ኢሎምና። ድሕሪኡ ተምላስ [ጀሚሩ]፤ ዝኾነ መግቢ ኣይበልዕን ነይሩ። ዝኾነ ፈሳሲ ይወፅእ ነይሩ” ብምባል እቲ ሕማም እናገደደ ይኸይድ ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ኣለማየሁ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ረቡዕ 13 ጥቅምቲ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጅንካ ተዓቚቡ፡ ሓሚሙ ከምዘሎ ዝሰምዑ ዓበይቲ ዓዲ ቤተክርስትያን ቃለ-ህይወት ንበይኑ ኣይገደፍዎን።

መራሕቲ ናይታ ኣባል ዝኾነላ “ቁጽሪ 6” ቤተ ክርስቲያን፡ ጳውሎስ ማቴዎስ፡ ፍሬሁን ፈቃዱን እቃሌ ጋልኮን ኣብ ጐኑ ኮይኖም ከጸናንዑን ክጽልዩን ቀንዮም።

ፓስተር ሚልክያስ ኣምባየ፡ ፓስተር ካልእ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቃለ-ህይወት መራሒ ሃይማኖት እዩ።

ቢቢሲ ነውስ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *