![]()
ጋዜጣዊ መግለጺ
ሓባራዊ ኣኼባ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ውድባት ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
ንዝበዝሕ ዓቕምታት ዯንበ-ተቓውሞ ኤርትራ (ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣገዯስቲ ወልቀ- ሰባትን) ዝሓቖፈ ሃገራዊ ጽላልና (ኤሃባዯለ)፡ ሕዲር 2011 ምምስራቱ ዝፍለጥ’ዩ፡፡ ኣብ መስርሕ ጉዕዞኡ ብሰንኪ ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታት፡ ናብ ዯውታ ኣትዩ ምንባሩ’ውን፡ ካብ’ቲ ዯላይ ፍትሒ ተቓላሳይ ህዝብና ዝተኸወለ ኣይኮነን፡፡ ነቶም ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታት ንምእላይ፡ ቀጻሊ ጻዕሪ ካብ ምግባር ኣዕሪፉ ዘይፈልጥ’ኳ እንተኾነ፡ ካብ መጀመርያ ዓመተ-2017 ኣትሒዙ ግን፡ ብወከልቲ ሽማግለ-ዘተ ፖለቲካዊ ውድባቱ ኣቢሉ፡ ምጽውዋር ዝመልኦ ዘተ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ፡፡ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ውድባት ኣባል ኤሃባዯለ፡ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 04 ነሓሰ 2017 ኣብ ዘካየድዎ ሓባራዊ ኣኼባ፡ ኣብ ሓባራዊ ምርድዲእ ንኽበጽሑ ሓላፍነት ዝምልኦ ዘተ ኣካይዶም፡፡ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ውድባት ኣባል ኤሃባዯለ፡ ነቲ ብሽማግለታት-ዘተ ዝተበጽሔ ሓባራዊ ስምምዓት፡ ኣድለይቲ ምምሕያሻት ብምግባር፡ ንትንሳኤን ቀጻልነትን ሃገራዊ ባይቶና ዘበራብር ሓባራዊ ንቕሎ ገይሮም ኣለዉ፡፡
.እቲ ንኤሃባዯለ ኣብ ዯውታ ዘእተወ ወሳኒ ምኽንያት፡ ድኽመት ኣባል ፖለቲካዊ ውድባቱ ምዃኑ ብምግምጋም፡ ሓባራዊ ሰሚናር ከካይደን፡ ንዝጸንሖም ድኽመታት ኣልዮም፡ ኣሳታፊ ካልኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ባይቶ ንምክያድ ጥጡሕ ባይታ ክምድምደን ተረዲዱኦም ኣለዉ፡፡
.ህዝቢ ኤርትራ ወትሩ ዯላይ ሓድነት እዩ፡፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ከኣ፡ ካብ ዝኾነ ካልእ ግዜ ንላዕሊ፡ ናይ ህላወ ሕቶ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ሓባራዊ ኣኼባ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ውድባት ኣባል ሃገራዊ ባይቶ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ብምቕባል ብሓዯ ወገን፤ ንድሕነትን ቀጻልነትን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ሰሚርካ ካብ ምቅላስ ወጻኢ ካልእ ኣማራጺ ዘይብሉ ምዃኑ ብምርዲእ ከኣ በቲ ካልእ ወገን፤ ናብ’ዚ ባህጊ ህዝብና ዝሰምዏ ዯምዲሚ ስምምዕ በጺሑ ኣሎ፡፡ እዚ ንኣባል ውድባት ሃገራዊ ባይቶ፡ 15ን 6ን ኮይኖም ክመዓዯዉ ዝገበረ ጸገም ኣተሃዲዱኡ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ’ዚ፡ መሊኡ ናብ ረብሓ’ዚ መድረኽ ዝሓተና ዘሎ ዉዕዉዕ ቃልሲ ንክውዕል፡ ናይ ህዝብና ቀጥታውን ንቑሕን ተሳትፎ፡ ወሳኒ ረቛሒ ምዃኑ ሓባራዊ ኣኼባና ኣረጋጊጹ፡፡
.ኣብ’ዚ ሓባራዊ ኣኼባ ፖለቲካዊ መሪሕነታት፡ ነቲ ዝተበጽሐ ሓባራዊ ስምምዓት፡ ብወከልቲ ክልቲኡ ሸነኻት ውድባት ኣባል ኤሃባዯለ ክታሞም ኣንቢሮምሉ፡፡ ሰሚናር ዝካየዯሉ መበገሲ መምርሕታት፡ ንኣወሃሃዱት ሽማግለ ሰሚናር ድሕሪ ምሃብ ከኣ፤ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ጎኒ’ዚ ተበጊስናሉ ዘለና ስሙር ንቕሎ ተሰሊፉ ንክቃለስ ብምጽዋዕ ኣኼባኡ ዛዚሙ፡፡
ሓባራዊ ኣኼባ ፖለቲካዊ መሪሕነታት ውድባት ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ)
04 ነሓሰ 2017 ኣዲስ ኣበባ