
ብቀዳምነት ካብ ንእስነትካ ጀሚርካ ብፍቅሪ ህዝብካን ሃገርካን ዝተማረኽካ ህቡብ ኾኸብ ድምጻዊ መምህርናን ኣቦና ብዝገበርካዮ ኣበርክቶ ንቃልሲ ኤርትራ ብቀሊሉ ዝግመት ኣይኮነን።ነቲ ትሰዶ ዝነበርካ ደርፍታት መልእኽቲ ሐዘል ኣብ ግዝዩኡ ዓቢ ኣቃልቦ ዝነበሮ ፖለቲካዊ ቃላት ዝሓዘ ወኒ መንእሰይ ዝማርኽ ኢዩ ኔሩ።ከም በዓል ፋጥማ ዛህራ ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነበር ዝብል ደርፍታት ወዘተ፡ ቆጺርካ ዘይውዳእ መንእሰይ ኤርትራ ክካብ ገዙኡ ንስለ ናጽነትን ሐርነትን ሀገሩ እምብለይ ኢሉ ኣንጻር ባዕዳዊያን ገዛእቲ ብረቱ ክዓጥቅ ከምዘልዎ ዘተባብዕ ነቲ ዕዙዝ መልእኽትኻ ንምትግባሩ ከምዝወጸ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይኮነን።እንተኾነ ግን ቃልሲ ኤርትራ ብውልቀ መላኺ ተባሒቱ ህዝብና ኣብ ኸቢድ ሽግር ተሸሚሙ እርከብ ኣሎ።ሕጂ ውን ኸማኻትኩም ዛኣመሰሉ ለባማት ኣቦታት የድልዩና ኣለዉ።
ኩቡር መምህር ለጀንድ ስነጥበባዊ ኣቦና ኣልኣሚን ዓብደልለጢፍ ረቢ ኢርሐሞ ንሙሉኣት ቤተሰብ ኻኣ ጽንዓት ይሃብኩም
ወርቃዊ ቃላትካ ኣብ ልቢ ኩልና ንዘላኣለም ኽዝከር ዝነብር ኢዩ።