ኣካቢ ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራዊት ኣደ ደቀይ ኣዳልዩኒ ትብለና ኣላ።08/06/2017

ትሕቲ ዕድመ ኤርትራውያን ነዛ ንምንባር ሰላም ሲኢኖም ናይ ኣዲኦም ቅጫ ክይጸገቡ ካብ ዓዶም ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም እግሮም ናብ ዝመረሖም በብመዓልቲ ንስደት ክውሕዙ ንሪኦም ኣለና።ጠንቂ ናይ ስደት ጥፋኣትን ተሓተትቲ ናይ ህግደፍ ስርዓት ኢኸውን።መንእሰይ ኤርትራ ሰሪሑ ተማሂሩ ንነብሱን ስድራቤቱን ክይረድእ ብኸብዱን ብኣፉን ኣሲሩ ንመጻኢ ዕድሉ ከምዘይ ሐስብ ካልእ ኣማራጺ የብለይን ኢሉ ናብ ሕማቅ ሐደገኛ መገዲ ከምዝኸይድ ዝተሰርሔ ናይ ህግደፍ ናይ ጥፋት ሜላ ሙኻኑ ርጉጽ ኢዩ።ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤርትራዊ መንእሰይ ሬሳ ናይቲ ዝፈትዎ ሓው ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብታ ዝጏዓዙላ ዝነበሩ መርከብ ተኾርሚዩ ሰማዒ ዘይብሉ ኣውያት ከእዊ ሪኢናዮ፡በብመዓልቱ ተመሳሳሊ ጥፋኣት ዝጠፍኡ ዘልዉ ኣሕዋትና ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ነዚ ሽግርና ብኸመይ ንፍታሓዮ ኢልና እን ተንዛተ ሓደ ስጉምቲ ንቅድሚት ምኸድና፡ ሕጂ ውን ህዝቢ ኤርትራ ንቃሕ ጸላእትኻ ኣለሊ ንሓድነትካ ክብትን ዝመጽእ ሐይሊ ቦታ ኣይትሃቦ ህጹጽ ጽኑዕን ስጡምን ውደባ የድሊ ኣሎ።
ሐደ ካብዞም ዕሸላት ተሐቲቱ ንምንታይ ምኽንያት ወጺኻ እንተበልዎ ኣብ ኤርትራ ዝብላዕ የለን ስራሕ የለን ሰድራ ቤተይ ኻኣ ድኻታት ስለዝኮኑ: ኣብ ርእሲኡ ውን ኣቦይ ወተሀደር ናይ ኤርትራ ኢዩ ን18 ወርሒ ወተሃደራዊ ዕማሙ ወዲኡ ኽመጽእ ዝግቦኦ ንመወዳእታ ዘይብሉ ዕስከርና ባርነት ብዘይ ደሞዝ ብዘይድልየት ክሰርሑ ከምዝግደዱ ገሊጹሎም።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋት ኣሓትን ኣዴታትን ኣቦታትን ነዚ ወሪዱና ዘሎ ሽግርን መከራን ንመፍትሒኡ ዘት ኣብ ጣውላ ኮፍ ኢልኩም ኢህን ምሂን ትባሂልኩም ነዚ ሽግር ጥፋኣተ ኤርትራውያን ኣብ ዝሐጸረ ግዝየ መፍትሒ ክርኸብ እለዎ

ጽንዓት ይሃብካ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ
ቃልስና ቀጻሊ ኢዩ ስጋብ ህዝብና ዝርህዎ ኣትሪርና ንቃለስ

United Eritrea Media

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *