
ትማሊ ዕለት 03/05/2016 ዕዉት Grand opening ( መክፈቲ) ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩኒቲ ዳልስን ዕውት ኣበዓዕላ መዓልቲ ደቀ-ኣንስትዮን ተካይዱ። እቲ መደብ ብኣቶ ዳዊት ኣቦ-መንበር ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩንቲ ዳላስ እንቛዕ ሓጎሰኩም ተሓጎሰና ደስ ኢልና ደስ ይበልኩም፡ ሳላ ሓያል ጻዕርን ሓድነትን እንሀለና ኣብዚ በጺሕና ነዚ ትሪእዎ ዘለኩም ሰሓቢ መእከል ክንከፈት ኪኢልና ፡ሓድነት እንተሊዩ ዘይግበር ነገር የለን ሳላ መንእሰያት ምስ ዓበይቲ ወለዶምን ናእሽቱ የሕዋቶምን ዝተሰማምዑን ብሓባር ዝጸዓሩን ዝሰርሑን ውጺኢቱ ኣብ ግብሪ ሪኢናዮ ንሱኩም እውን ብዓይንኩም ትሪኢዎ ኣለኩም ኢሉ፡ ኣቶ ዳዊት መግለጺኡ ብምቕጻል ክገርመኩም ከም ብሓባር ምስራሕን ተሰማሚዕካ ምቅላስን ምንባርን ዝምቕር ነገር የለን፡ ብፍሪኡ ድማ እንዳተሓጎስካ ትነብር፡ ብምባል ነቲ መድብ ብዝስሕብ ኣገባብ እዩ ከፊትዎ። ቀጺሎም እውን ኣባላት ቦርድ እቲ ኮምዩኒቲ ዝተፈላልዩ ሃነጽትን ሰሓብትን መደርታት ኣስሚዖም ነቐጻሊ እውን ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ቓል ኣትዮም።
ካብኡ ብምቕጻል ብወከልቲ ደቀ-ኣንስትዮ Women for change in Eritrea ብኣድያም ሃይለሩፋኤልን ካብ ሳንዲያጎ ብኣለም ካብ ፖርትላንድ ንመዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብወግዒ እየን ከፊተናኦ። ቀጺሉ እቲ መደብ ሲስተር ኣዛዚት ኪዳነ ኣብ እስራኤል እዮሩሳሌም እትቅመጥ ብስካይቢ ብቐጥታ ንስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤልን ዓለምን ዝገጥሞም ዘሎ ጸገምን ኣደራዕን ገሊጻ።ቀጺላ ብፍላይ ኣብ ደቀ-ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ዘይጽወርን ዘነውርን ግፍዕታት ብስሚዒት እያ ገልጻቶ። ገለ ካብቲ ዝበለቶ ዓመጽን፡ ኣቦ ዘይብሉ ቖልዓ ምውላድን ኮይኑ እቲ ዝከፋአ ድማ እተን ደቂ-ኣንስትዮ ነቲ ዝወርደን ኣደራዕ ካብ ቀረባ የሕዋተን ይኹን ሕብረተሰበን ሓገዝን ምትብባዕን ዘይምርካበን እዩ። እዚ ድማ ኣብ ርእሲ ዝወረደን ኣደራዕን ስቓይን ካልእ ተወሳኪ ጭንቐት ኮይንወን ከምዘሎን ንዝወለዳኦም ደቀን ከይፈተዋ ንእስራኤላውያን ክህባኦም ይግደዳ ከምዘለዋን ገሊጻ። ኣብ መወዳእታ ወይዘሮ ኣዛዚት ምትሕግጋዝ ኣብ ኩሉ ቦታ እዩ ዘሎ ኣነ ንዓይ ወይ ነዘን ኣብዚ ዘለዋ ሓግዙ ኣይብለኩምን እየ ኣብ ርሑቕ ኮይንካ ክከብድ እውን ዝለዝኽእል ኣነ ዝብል ዘለኩ ነዘን ካብዚ ናብ ኤውሮፓን ኣሜሪካን ነፍንወን ዘለና ዝተጎድኣ የሕውትኩምን ደቕናን ሞራላዊ ሓገዝን ናብ ንቡር ህይወተን ኣብ ምምላስን ክተተሓጋገዙ ይላቦ ብምባል ብሕቶን መልስን ብዝስሕብ መልክዕ መልእክታ ኣመሓላሊፋ።
ካብኡ ብምቕጻል በተን ደቂ-ኣንስትዮ ዝተዳለወ ንጸቅጢ ደቂ-ኣንስትዮ ዝምልከት ኣዚዩ ሰሓብን ኣገዳስን ምይይጥ ተካይዱ።ካብ ኩሉ ነቲ መደብ ማራክን ሰሓብን ገይርዎ ዘምሰየ በተን ናእሽቱ ግን ከኣ ኣዝየን በላሕትን ዝኾና ካብ ኩሉ ከባቢታት ዝመጻ ደቂ-ኣንስትዮ ኣድያም ፡ኣለም፡ኤልሳ፡ሮዛ፡ሮዛና፡ሰሚራ፡ዝወጽእ ዝነበረ ኣዚዩ ሰሓብን ደቂ-ተባዕትዮ ንደቂ-ኣንስትዮ እንታይ ኽኮኑለን ከምዘለወንን ንሰን እውን ከመይ ክኮናሎም ከምዘለወንን ዝገልጽ ጸግዒ ዘይብሉ መሃርን ሰሓብን ምይይጥ ኣካይደን ።ብደቂ-ተባዕትዮ ዝቐረበለን ሕቶታት እውን መሊሰን ገለ ካብቲ ዝቐረበ ርእይቶታት እቲ ወጽዓ ኣባኽን ክዛይድ ይኽእል ይኸውን እዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ወጽዓ ኣባና እውን ኣሎ፡ ብብዙሓት ደቂ-ኣንስትዮ ዝብደሉ ደቂ-ተብዕትዮ ከምዘለዉ ኣውን ኣይንረስዕ ንተከባቢርካን ተመሳጊንካን ምንባር ብሓባር ንስራሕ ብምባል ርእይቶኦም ሂቦም። እቲ መደብ ተስፋ ዘስንቕን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብፍልይ ዝበለ ኣገባብን እዩ ቀሪቡ ሽዑ ቀጺሉ በተን ኣናብስ መንእሰያት ዝቀረቡ ናይ ኽብሪ ስልማት ንተሳተፍቲ ተዓዲሉ።
ካልእ ነቲ መደብ ሰሓቢ ገይርዎ ዘምሰየ ድማ ኣብ መክፈቲ ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩንቲ ዳላስ ንምስታፍ ካብ ኩሉ ከባቢታት ብዙሓት መንእሰያት ምምጻኦም እዩ፡ ቀንዲ ድማ እቶም ዝመጹ ኣጋይሽን ኤርትራውያን ኣሜርካን ኮምዩንቲ ህይስተን ክምስገን ይግብኦ ፡ምኽንያቱ ፍርቒ ተሳተፍቲ እቲ ምሸት መንእሰያት ህይስተን እዮም ነይሮም።ካብኡ ብምቕጻል እቲ መድብ ብኣቦ -መንበር ኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩኒቲ ዳላስ ኣቶ ዳዊት ዝተዳለወ እግዚቪጅን ወይ ምረኢት ቀሪቡ እቲ ዝቀረበ እግዚቪጅን ካብ ግዜ ጣልያን ኣትሒዞም ዝነበሩ ዝተፈላልዩ ዓይነታት ባጤራ፡ስታምብ፡ካርታ፡ዝተፈላልዩ ናይ ቀደም ሓርበኛታት ኣቦታት ስእልታት እዮም ነይሮም ተሳተፍቲ ድማ ብኣድናቆት ይዕዘብዎም ኣምስዮም።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕጉስ ድማ ናይ ዝተፈላልዩ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ወከልቲ ኮሙዩኒትታት ተራኪቦም ከመይ ገይሮም ተመኩረታቶም ብምልውዋጥን ሓድነቶም ብምትራርን ንቀጻሊ ከምዝሰርሑ ተመያይጦምን ተዛትዮምን ኣብቲ ምሽት እውን ብወለንታ ዩናይትድ ሚድያ ኣቶ ፒተርን ብዓልቲ ቤቱ ሮዛን ክቅዳሕ ኣምስዩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ብኤርትራውያን ኣሜሪካን ኮምዩንቲ ዳላስ ዝተዳለወ ናይ መግቢ እንግዶትን መደብ ጋይላን ተጀሚሩ እቲ ምሸት ድማ በቶም ወናማት ስነ-ጥባባውያን ሙሴ (ሓርማዝ) ንያት ኪዳነ፥ሙዚቀኛታት ሚኪኤል ወዲ ኣበራን ዳዊት ራስታን እቲ መደብ ብዝስሕብን ዕዉትን ኣገባብ ክሳብ ዝወግሕ ብኣማኢት መንእሰያት ዓበይትን ደቂ-ኣንስትዮን ተዓጂቡ ብዓወት ተዛዚሙ።
Yoki Bahta ላስቬጋስ