ኣብ መጀመርታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ማለት መጋቢት ዘይኮነስ ለካቲት 28/ 1909 ብሰሪ ናይ
ስራሕ ኩነታት ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበረ ኣድልዎ ንምስባር ዝተጠራነፈ ንምስማዕ ድምጺ ኣንጻር
ወጽዐአን ዝገልጽ ጥርዓናት ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ኒዮርክ ነበረ እዚ ከኣ ኣብ ኩሉ መዳይ ኩነታት
ስራሕ ንደቂ ኣንስትዮ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝኾና ጥራሕ ኣትሒትካ ንኽቁጸራ ይኹን ንኽጥመታ ከም
ውሁብ ዝነበረ ወጽዓ ንምስዓር ብሰራሕተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ተተሊሙ ዝተበገሰ ከም ዝነበረን ነተን
ኣብ 1908 ኣብ ዝተፈላለየ ዕዮታት ክነጥፋ ጸኒሐን ክነሰን ብቛምነትን ብቕዓትን ዘይሪኢ ናይ
ኣስራሕን ሰራሕተኛን ኣካይዳ ንኽስበር ዝሓገዘ ምልዕዓል ናይ ተበዓት ደቂ ኣንስትዮ ምጥርናፍ ከም
ዝነበረን ብቑልጡፍ እቲ ጽልዋ ንመሰለን ደው ናይምባል ቃልሲ ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ከም ዝለሓመ
ዝሕብር ኣብ goggle ዘወር ብምባል history of international women’s day ሃሰስ
እንተደኣ ኢልና www./ Events/ women’s day/ history. Shtml. ኣብ ትሕቲ ዝብል
ተወሪቑ ንረኽቦ
ኣብ እቲ ዝቐጸለ ዓመት ማለት ኣብ 1910 ኣብ ኮፐንሃገን ደነማርክ ንምትሕግጋዝን ምድልዳልን
ንጽጉማት ደቂ ኣንስትዮ ዝዕላምኡ ዩኒቨርሳላዊ ምንቅስቓስ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮን ዝበሃል ማሕበር
ብደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ቖመት እዘን ካብ 17 ሃገራት ንኮነፈረንስ ዝተጠራነፋ ልዕሊ 100 ዝኾና ደቂ
ኣንስትዮ ካብ ዝተሳተፈኦ ኮንፈረንስ 3 ንመሪሕነተን ዝኾና ኣባላት ብምምራጽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ዓለም
ለኻዊ መዓልቲ ዓቢ መንጻፍ ቃልሲ ኣቐሚጠን ሓለፋ እዚ ዝመበገሲኡ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
(march 8) ኣብ በብሃገሩ ክሳብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኣበዓዕላ ማርች 8 ብዝምልከት
ብሓላፍነት ወሲዱ ንምብዓሉ ኣብ 8 መጋቢት ዝወሰነሉ እዋን 1975 ዓ/ ም ኣብ መጨረሽታ ሰንበት
ናይ ወርሒ ለካቲት ይበዓል ከም ዝነበረ ይገልጽ እዚ ተጠቂመሉ ዘለኹ መወከሲ ንኣብነት ኣብ ሩስያ
ንመጀመርታ ግዜ ንዓለም ለኻዊ ምብዓል መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 1913 ይኹን ኣብ 1914
ክብዓል ከሎ ኣብ መጨረሽታ ሰንበት ናይ ወርሒ ለካቲት ከም ዝነበረን ብሰንኪ ኣብ እቲ እዋን አቲ
ዝካየድ ዝነበረ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከም ናይ ሰላም ማሕበር መጠን ኣንጻር እቲ ዝካየድ ዝነበረ
ውግእ ድምጸን ኣስሚዐን ኢየን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ውን እንተኾነ ንውግእ ዝኹንን
ንንጥፈታት ምትሕግጋዝ ዝጽውዕ ድምጸን ዘስመዓሉ መዓልታት ካብ መጨረሽታ መዓልቲ ሰንበት ናይ
ወርሒ ለካቲት ክሳብ መጋቢት 8 (march 8) ምንባሩ ይሕብር ዘይ ከም እዚ ሎሚ ንሕና
ኤርትራውን ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኮይና ሰለማዊ ሰልፊ ብምስራዕ ኣብ ጎደናታት ዓደማትና ተሰሪዕና
what do you wont !!!!!! freedom, when!!!!!!! Now እንብሎ ዘለና ደቂ ሩስያ ኣብ
ውሽጢ ዓደን ኮይነን ንኣበዓዕላ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዝሰረዐኦ መደበን መሰረት
ብ 1917 ኣብ ሩስያ ነቲ ሕሱም ስንብራት ድኽነት ስንብራት ዝኽትምና ስንብራት ምፍልላይ ኣብ
ዓለም ሙሉእ ዝገደፈ ውግእ ቀዳማይ ዓለም ንምኹናኑ ዘድልየና!!! ባኒን (እንጀራን) ሰላምን ኢዩ
እንዳበላ የድመጻ ኔረን
እሞ ኸደኣ ብፍላይ ብፍላይ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፤ ነዚ ዒፍ ኢሉና ዘሎ ሳዕሳዒት
ብምኽንያታት ሴርክን ዘድልና ዘሎ ዝተኣሰራ ሓርበኛታት ምፍታሕ ኢዩ ዘድልየና ዘሎ ጻማ
ሰማእታት ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ራህዋ፤ ሰላም ምዕባለ ሓርነት ሓድነት ኢዩ ዝብል ጭርሖ መኣስ
ኢኽን ከተስምዓና ወረ መኣስ ኢኽን ከምእተን ተበዓት ደቂ ኣንስትዮ ስጉምቲ ቃልሲ ንመሰለን
ተሲአንስ ሕጂ ኣብ መላእ ዓለም ዝዝከር ናይ ንመሰልካ ደው ምባል ኣብነት ኣርኤናናስ ካብ ዝኽሪ
’ዝሓልፍ ቁምነገር ሲኢና ንዘለና ወገናትክን ኣብነት ክትኮናና እትብገስኦ ንምዃኑ ኸ እቲ ልዕሊ 30%
ኣብ ሰውራና ብፉሉይ ከኣ 25% ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ከም ዝነበረ ተሳታፍነት ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና
’ትዝክርኦ ዶ? ’ኣብ እዚ ዕለት ትዝክረአን ዶ? ’ንበዓል ምሬም ንበዓል ኣስቴር ትዝክረአን ዶ? ነተን
ናይ መጀመርታ ብትብዓት ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተጸንበራ ኣዴታትክ ጅምዓ ዑመር ራሕማ ሳልሕ
’ትዝክረአን ዶ? ›››› ›››››››› ንጀጋኑ ሰማእታት ብዓል ኣለም መስፍን ዛህራ ዓሊ ደሃብ ትዝክራ
›››››› ›››››››››› ትዝክራ ትዝክራ ዶ ክሳብ ጨፈቕፈቕ ኢልክን ብርሃጽ ክዳውንትኽን ክሳብ ዝጽሞቕ
ትስዕስዓ እቲ እትስዕስዓሉ ጎይላ ዝዓይነቱ ኸ ንምዃኑ ንቃልሲ ዘተባብዕ ዶኾን ይኸውን በላ
ይግበረልና
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
መጋቢት 07 /2016
ሓውኽን ተጋዳላይ ሰራዊት ሕድሪ ሰንሰሎማይ

