ከሰላ፣ ኣብ ሓደ መስጊድ ብኻራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን፣ ከተማ ከሰላ፣ መንነቱ ዘይተነጸረ ሰብ ብሰሉስ 27 መጋቢት፣ ኣብ መስጊድ ብዝፈጸሞ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት ከምዝቐተለ ንፖሊስ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ከሰላ ያሒ ሱለይማን ብዝሃቦ ጸብጻብ፣ ካራ ዝሓዘ ሰብ ናብቲ መስጊድ ብምእታው፣ ኣብ ጸሎት ንዝነበሩ ሰባት ክሰምዕዎ ዓው ኢሉ ከምዝጨደረ ይጠቅስ። እንተኾነ ዝሰምዖ ሰብ ስለዝሰኣነ፣ ኣብ ቅድሚኡ […]