ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓቢሩ

ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኤርትራ ሃናጺ ዝርርብ ንምክያድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና ሓቢሩ። ንሱ ረቡዕ ንጉሆ ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድሌት ንስኒት ምስ ኤርትራ ሓድሽ ነገር ከም ዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፤ ነዚ ህዝባዊ ሕርያ “ንልዕሊ ክልተ ወለዶታት ዝደኸምናሉ ዕላማ ስለ ዝኾነ ብንጥፈት እንጸምደሉ ቀዳምነት ኢዩ” ኢሉ። “ስለዚ ከኣ ወጻኢ […]