ዳግመ-ርክብ ገዳይም ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ

ሻቡዓይ ዓመት ንሕሉፍ ዝለዓለ ክብሪ እናሃብና ንትስፍው መጻኢ ንርኢ! ኣብ`ዚ ንልኡላውነት ኤርትራ ብኣሉታ ዝፈታትን ዘሎ ህሞት፡ ኩሎም ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ንዝተቓለስሉ ዕላማ ከውሕሱ ሓላፍነቶም ከም`ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዕዙዝ ምዃኑ ነስምረሉ። ንናጽነት ኤርትራ ኩውን ንምግባር ዝተገበረ ጻዕርን ክቡር መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝለዓለ ክብሪ ሂብና፡ ንትስፍው መጻኢ ኣብ ምውሓስ`ውን እቲ ጾር ጌና ኣይወረደን ኣሎ። ህዝብና፡ ድሕሪ`ቲ ነዊሕ፡ […]

ዳግማይ ካዕበታዊ ርክባት ትጋድሎ ሐርነት ኤርትራ

ንኹሉ ጠቐማጦ ኣብ ካሊፎርነያ ብፍላይ ካኣ በይ ኤርያ ናይ ለብዝበን ምግባእ ካዕበታዊ ርክባት ትሓኤ ህዝብና ሓድነቱ እና ኣራጋገጸን ብሓደ ድምጺ ይኣክል ኣብ ትሕቲ ዝብለሉ ዘሎ እዋን ናይ ለብዘበን ምግባእና ዝያዳ ነቲ ጽኑዕን ነቕ ዘይብል እምነትና ክንቃለሰሉ ዝጸናሕና ዝያዳ ሞራል ይህበና። በይ ኤርያ ነቶም ካብ ሩሕቕ ዝመጹ ኣጋይሽና ተዓጠቕቲ ውራይ ኴና ነቲ ሰፊሕን ሙዕሩግን ኣዳራሽ ብጻዕሪ […]

ኣስመራ፣ ቤት ትምህርቲ እንዳማርያም ንምህጋር ብመንግስቲ ንዝተወስደ ስጉምቲ ዝተቓወመ ዳይረክተር ተኣሲሩ

መንግስቲ፣ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታውያን ትካላት ንዝመሓደራ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህጋር፣ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ፣ ዝተቓወመ ዳይረክተር ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም መምህር ምሕረትኣብ ከምዝተኣሰረ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም። ብኮሚተ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ተመሪጹ፣ ዳይረክተር እታ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ መምህር ምሕረትኣብ፣ ብ19 ሚያዝያ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኣስረ ዝረጋገጽ ዘሎ፣ ድሕሪ’ቲ መንግስቲ፣ ነታ ብህዝቢ ዝተመርጸት ናይ እንዳማርያም ኮሚተ […]

ኤርትራዊያን ነበርቲ ስያትልን ከባቢኣን፥ ብሓባር መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ሃገርና ንምብዓል ንጽውዕ።

ንኹሉ ኣብ ሓድነትን ፍቕርን፥ ስኒትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምን ኤርትራዊን ፈታዊ ህዝቢ ኤርትራን ክሳተፍ ንዕድም።  

መስመር ኦምሓጀር – ሑመራ ተዓጽዩ: ኣብ ጋሽ ባርካ ጽዑቕ ተፍትሽን ግፋን ይካየድ

ንኤርትራን ኢትዮጵያን ከራኽብ ተኸፊቱ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር ሑመራ ብወገን ኤርትራ ከምዝተዓጽወ ተሓቢሩ። ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝተጀመረ ርክብ፣ ንንግዳዊ ልውውጥን ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስን ክፉት ኮይኑ ዝጸንሐ መስመር ኦምሓጀር- ሑመራ፣ ካብ ዝሓለፈ ክልተ ወርሒ ኣትሒዙ፣ ንኢትዮጵያውያን ነጋዶ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራውያን ተኸልኪሉ’ዩ ኔሩ። ካብ 18 ሚያዝያ እትሒዙ ድማ፣ ካብ ኢትዮጵያ ንዝኣትዋ ይኹና ካብ ኤርትራ ንዝወጻ ናይ ንግዲ መካይን ዕጹው […]