

ሻቡዓይ ዓመት
ንሕሉፍ ዝለዓለ ክብሪ እናሃብና ንትስፍው መጻኢ ንርኢ!
ኣብ`ዚ ንልኡላውነት ኤርትራ ብኣሉታ ዝፈታትን ዘሎ ህሞት፡ ኩሎም ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ንዝተቓለስሉ ዕላማ ከውሕሱ ሓላፍነቶም ከም`ቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዕዙዝ ምዃኑ ነስምረሉ።
ንናጽነት ኤርትራ ኩውን ንምግባር ዝተገበረ ጻዕርን ክቡር መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝለዓለ ክብሪ ሂብና፡ ንትስፍው መጻኢ ኣብ ምውሓስ`ውን እቲ ጾር ጌና ኣይወረደን ኣሎ።
ህዝብና፡ ድሕሪ`ቲ ነዊሕ፡ ናይ ኣሽሓት ደቁ መስዋእትን መቑሰልትን፡ ማእለያ ዘይብሉ ንዋታዊ ክሳራ ዚኸፈለሉ ሓርነታዊ ውግእ፡ ካብ ዚነበሮ ዓበይቲ ትጽቢታት፡ ሓደ፡ እፎይታ ሰላማዊ ሂወት ከስተማቕር`ዩ። ንነጻነትናን ልዕላውነትናን ብዘካየድናዮ ጅግንነታዊ ቃልስታትን ዝኸፈልናዮ ሰፍ ዘይብል መስዋእትን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ዝለበስናዮ ክብሪ ተቐንጢጡ፡ ሎሚ ኣዚና ኣብ ዚተነዓቕናሉን ዚተጸላእናሉን ኩነታት፡ ሻቡዓይ ዳግመ-ርክባዊ ገዳይም ተ.ሓ.ኤ ይጋባእ ምህላዉ፡ ታሪኻዊ ዕዘት ክህልዎ`ዩ።