አጋዳሲ መጸዋዓታ ንኹሉ ህዝባዊ፥ ማሕበርዊ፥ ሰብአውን ውዳበታት ኤርትራ ኣብ ጀርመን

አጋዳሲ መጸዋዓታ ንኹሉ ህዝባዊ፥ ማሕበርዊ፥ ሰብአውን ውዳበታት ኤርትራ ኣብ ጀርመን ክቡራትን ኩቡራንን ኤርትራውያን ፈተውቲ ህዝብናን ነበርቲ ጀርመን፡አብዚ እዋን’ዚ ዓለምና ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ብ(COVID-19) ኮቪድ-19 ዝፍለጥ ትሕመስን ትሕቆንን አላ። ካሮና ቫይረስ አብ ኩሉ መዓልታዊ መነባብሮ ወድሰብ መጺኡ ንጥፈታናን ምንቅስቓስናን ክድርት አብ ቁጠባውን ማሕበራውን ኩነታትና ከቢድ ጽዕንቶ ይፈጥር ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ በቲ ቀዛፊ ባህርያቱ ንሞት ተሓጽዩና […]