ኤልሳ ጭሩምን ሃና ጴጥሮን ፊት ንፊት ተራኺበን ምስ የማነ ገብረኣብ ማንኪ ኣብ ባይቶ ሰባዊ መሰላት 2016

“ንሃና ጴጥሮስ፡ ካባኺ ኣነ ይሓልየላ” – የማነ ገብርኣብ ኣብ ሰነ 2016፡ ምስ የማነ ገብርኣብ፡ ኣማኻሪ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ንመጀመርያ ጊዜ ብኣካል ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መስላት ፊት ንፊት ንራኸብ። ኣነን ሃና ጴጥሮስ ስለሞንን ኢና ኔርና። ሃንደበት ስለተጋጠምና፡ ምስረኣየና፡ ኢዱ ዘርጊሑ ሰላም ኢልና። ሽዑ፡ ናባይ እንዳጠመተን ኢዱ እንዳወጣወጠን እስኺ ትገብርዮ ኩሉ ንፈልጦ ኢና በለኒ። […]

ኣብ ሂዩስተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ተቀማጦ ኤርትረኣውያን ብዛዕባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝነበረ ናይ ማዕበል ያኣክል ሰሚናር ዘትዮም።

ኣብ ሂዩስተን  ኣኼባ ብዕለት 6/15/2019 ተኻይዱ፡ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ብዛዕባ  ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተኻየደ ሲምፓዝዮም 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ ኣቡወንበር ተ ስፋሂወት ኪዳነ  ጸብጻብ ቀሪቡ። ኩሎም ተሳተፍቲ  ኣኼባ  ሕቶን ሪኢቶን ብምቅራብ ንዝመጽእ ግዝየ ብኸመይ ንዳሎ፡ ኣብዚ ዝሐለፈ ህዝባዊ ኣኼባ ሽሕ ግዝየ እኳ ጉድለታት ይሃልወና ኩሉ ግዝየ ንዓና መምሃሪ ዳኣምበር ንመትከልና ዝዕንቅፍ ኣይኮነን ኢሎም ።ቃልስና […]

ዕሮ ኤርትራ፡ ወ/ሮ ጉዐይ። ብደብረ ሳልሳይን መወዳእታን ክፋል ማሕዘ ል፡ ቅድመይ ተደፋእ!!

http://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2019/0806DD9-04AT.pdfhttp://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2019/1306DD9-02AT.pdfhttp://www.togoruba.org/togoruba1964/mainTogorubamap/mainMap/headingMap/2019/1506DD9-04AT.pdf

ሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ፣ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ኣሲሮም Dictator Isseyas arrested 5 priest from Debre bizen Radio Erena: 13 June 2019

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሎሚ ሓሙስ 13 ሰነ፣ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ሓሙሽተ መነኩሳት ደብረ-ቢዘን ከምዝኣሰሩ ተሓቢሩ። እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ መነኩሳት፣ ኣባ ማርቆስ ገብረኪዳን፣ ኣባ ክብርኣብ ተኪኤ፣ ኣባ ኪዳነ ማርያም ተኸስተ፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ዘሚካኤል፣ ኣባ ገብረትንሳኤ ተወልደመድህን ምዃኖም ኣባ ሰመረ ካብ እስራኤል ንሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም። ኣባ ክብራብ ተኪኤ ኣቐዲሞም’ውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ […]

ኤርትራ፡ መንግስቲ ብኣፍሪቃውያን ጸሓፍትን ጋዜጠኛታትን ንዝተጽሓፈ ደብዳበ ምላሽ ሂቡ

  መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብፍሉጣት ኣፍሪቃውያን ዝተጻሕፈ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ፓለቲካዊ ለውጥታት ከተታኣታቱ፡ ዝጽውዕ ቅሉዕ ደብዳበ “ግዚኡን ኣገባቡን ዘይሓለወ’ዩ” ክብል ምላሽ ሂቡ። ኣብዚ ሰሙን፡ 103 ጸለውቲ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት፣ ምፍታሕ ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ለውጢ ክትገብር ዝጠልብ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ጽሒፎም […]

30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ ኤርትራ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ደብዳቤ ጽሒፈን 12 06 2019 Radio Erena: 12 June 2019

30 ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ናብ ባይቶ ጸብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ደብዳቤ ጽሒፈን። እተን ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ትካላት ኣብቲ ብ11 ሰነ ዝጸሓፈኦ ደብዳቤ፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼብኡ፣ ብዛዕባ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምቁጽጻርን መጽናዕትን ክካየድን ጸብጻባት ብስሩዕ ክቐርብን ክቕጽሎ ሓቲተን። ድሕሪ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ርክብ፣ […]