ኣብ ቀረባ፣ ብዛዕባ ብወኪል ሃ/ድሕነት፣ ኣብ ጽንብል 24 ግንቦት፣ ቦምባ ከፈንጅር ንፍሉይ ስርሒት ዝተልኣኸ፣ ሳዲግ ዝተብሃለ ኣባል ብሄር ኩናማን ዘሕዝን ፍጻሚኡን፣ ከምኡ ‘ውን ህልው ኩነታት ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ዝምልከት፣ ዝርዝር ሓበሬታ ክፍንወልኩም’የ።
ክሳብ ሽዑ፣ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ፣ ብትእዛዝ ፕረሲደንት፣ ካብ ናይ ሜ/ጀ ተኽላይ ሃብተስሉስ ኮምፑዩተር፣ ብፍሉይ ስርሒት ካብ ዝተወሰዱ ገለ ሰነዳት የቕርበልኩም። ምሳይ ካብ ዝርከቡ፣ ኣብቲ እዋን ካብ ዝተወሰዱ ሰነዳት በቢእዋኑ ንምቕራብ ክፍትን’የ። (በዚ ኣጋጣሚ ናይ ሳድግ ስእሊ ክትረኽቡ ትኽእሉ ብጾትን ስድራቤቱን ክትሰዱለይ እላበወኩም።)



