
ክሳብ’ዚ ቀረባ ጊዜ ኣነ’ውን ርእይቶይ ንምሃብን ርእይቶ ካልኦት ንምስማዕን ብኢንተርኔት ንዝወሃብ ኣስተምህሮታትን ብራድዮ ንዝፍኖ ጽሑፋትን ኣብ ፓልቶክ ንዝካየድ ክትዓትን ካብ ዝከታተሉ ግዱሳት ኤርትራውያን ሓደ ኢየ ጸኒሔ ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ግዳ ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኮነ ፣ ኣብ ውልቃዊ መጥቃዕቲ ወይ ኣብ ነፍሰ ምክልኻል ዘተኰረ ፣ ብዙሕ ጽሑፋት ወይ መደረታት ስለ ዘጋጥም ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ሸውሃተይ እናጐደለ ክከይድ ይርከብ ። እዚ ክብል እንከሎኹ ግን፣ ሓደ ሰብ ካብ ሓቂ ብዝረሓቐ ምክንያት ፣ ብንጽል ወይ ብጒጅለ ክብረቱ ክትንከፍ እንከሎ ዝእመን መርትዖ ብዘለዎ ኣዘራርባ ንነፍሱ ኣይከላኸል ማለተይ ከምዘይኮነ ከብርህ እፈቱ ። ከመይ ሓደ ሰብ ካብ ሓቂ ብዝረሓቐ ምክንያት ፣ ብቃል ይኹን ብተግባር ክብረቱ ምስ ዝትንከፍ ፣ ዝእመን መርትዖ ብዘለዏ ኣዘራርባ መልሲ ክህብ ንነፍሱ ክከላኽል ግቡእ ኢዩ ። እዚ ምክልኻል እዚ ግን ብናይ ሓሶትን ፈጠራን ዋልታ ብምጥቃም ክኸውን የብሉን ። ብዝተረፈ ፣ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ገሊኣቶም መደርቲ ድሕረ ባይታኦም ብምግላጽ ገሊኣቶም ግን መንነቶም ሓቢኦም ንሰውራ ዘማርር ኮምኡ’ውን ንስዉኣት ዘናሹ መደረ ዘስምዑ ባእታታት እውን የጋጥሙ ኣለዉ ። ከም ኣበሃህላኦም ብመርገጽን ብሕልናን ኣካላት ደለይቲ ፍትሒ እዮም ። ኣብ ዝህቡዎ መግለጺታት ግዳ ፣ ምስ ውርዝና ዝምድና ዘይብሉ ጸርፍታትን ዘለፋታትን የዘውትሩ ። ብጸርፍን ዘለፋን እተላዕጠጠ ርእይቶ ግዳ ኲራን ጽልእን ደኣ’ምበር ምርድዳእን ምክብባርን ከምጽእ ዘይባህርያዊ ኢዩ። እወ፣ ነዚ ኣበሃህላታት እዚ ነቀፌታኦም ዘቕረቡን መኣረምታ ንክግበረሉ ለበዋኦም ዝለገሱን ባእታታት ውሑዳት ኣይኮኑን ። ትጽቢቶም ከምቲ ዝድለ እኹል ተሰማዕነትን ተቐባልነትን ዝረኸበ ግዳ ኣይመስለንን ። ኣብ ናይ ሓባር ረቛሒ ዘይብሉ እምንቶታት እናሓንበስና ደኣ’ሞ ደሞክራሲ ኣብ መንጎናን መንግ እቶም ብብሔራዊ መንነቶም ፣ ብሃይማኖቶም እምንቶኦም ፣ ብኣውራጃዊ ምትእኽኻቦም ፣ ብፖሊቲካዊ ኣረኣእያኦም ኣካልና ዘይኮኑ ደቂ ሃገር ከመይ ኢላ ኢያ ኣብ ሃገርና ክትነግስ ?
ብተወሳኺ ፣ ደረጃኡ’ኳ ዝፈላለ እንተኾነ ፣ ንኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምናን ተዋህዶን ካቶሊክን ከኒሻን ኮምኡ’ውን ንጀበርቲ ኤርትራን ንተጋሩ ብሓበራን ብፍላይ ከኣ ንሕዝቢ ዓጋመ ዘቈናጽብ ዘረባታት እውን ብጻዕቅን ብድፍረትን ክዝውተር ይስማዕ ። እዚ ግን ብርግጽ መሊስካ መረሓሓቒ ፣ መጻልኢ ፣ መቀያየሚ ደኣ’ምበር መቀራረብን ጠቓምን ኣይኾነን ። ስለዚ ብቀዳምነት ኤርትራውያን ብፍላይ ንሕዝቢ ትግራይን ዓጋመን ብዝምልከት ፣ ብፍኑው ስምዒት ንናይ ምንእኣስ ልምዲ እንተንቚጠበሉ ዝሓሸ ነይሩ ። ተጋሩን ዓጋመን ብወገኖም እውን ነቲ ዘጋጥም ንኣሉታዊ ስምዒት ዘራስን ኣዘራርባ ሓንሳብን ንሓዋሩን „ወጊድ !!!“ እንተዝብልዎ ብዙሕ ጽቡቕ ነይሩ ። መጥዓመሎም ከኣ ! ኣነ ንኣብነት ኣብ ጒዕዞ ሕይወተይ ንተጋሩ ብሓበራ ይኹን ንዓጋመ ብፍላይ ብዘስተናዕቕ ኣዘራርባ ተጠቒመ ኣይፈልጥን ። ናይዚ ኣበሃህላ እዚ ምስክረይ ከኣ እቶም ምሳይ ናይ ቀረባ እሞ ከኣ ናይ ነዊሕ ዓመታት ርኽክብ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮ ተጋሩ ኢዮም ። እወ ፣ ምፍላጡ ንሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘገድስ ፣ ዘሎኒ እወንታውን ኣሉታውን ትሕዝቶ ዘለዎ ዛንታታት ብዙሕ ኢዩ ። ጥዕናን ጊዜን ኲነታትን እንተደኣ ኣፍቂዱለይ ኣብ መጻኢ ከዘንትወልኩም ኢየ ። ምናልባት ብወገንኩ ንኣይ ከተቕርቡለይ እትደልዩዎ ዓይነት ሕቶ እንተሎኩም ከኣ ንኣኹም ብዝጥዕመኩም ኣገባብ ንክትሰዱለይ ኣዘኻኽረኩም ። ብዝተረፈ ፣ ኣብዚ ከስምረለን ዝደሊ መኣረምታ ዘድልየን ክልተ ነገራት ኣለዋ ። ንሳተን ከኣ ፣
ህ/ ብናይ ዕድመ ብስለትን ብናይ ኣዘራርባ ክኦለትን
ለ/ ብናይ ዕድመ ንእስነትን ብናይ ኣዘራርባ ድፍረትን
ተጋኒነን ዝቐርባ መደረ ኢየን ።
ዝኽርታተይ ከም ዘረጋግጾ ፣ ዋላ’ኳ ብተዛማዲ ዓቕመይ ትሑት እንተኾነ ፣ ሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ንኽከባበር ብእተፈላለየ መንገዲ ከዘኻኽር ጸኒሔ ። ኣብ ሜዳ ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ. ሓ. ኤ.) ኣብ ዝነበርኩሉ ጊዜ ብፍላይ ከኣ ኣብ መጨረሽታ 70ታት ማለት ኣብቲ ሻዕቢያ ምስ ወያኔ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ድሕሪ ምፍርራም ኣብ ልዕሊ ተ.ሓ.ኤ. ውግእ ሓድሕድ ዝወልዓሉ ጊዜ ፣ ኣነ በታ ሓደ ካብ ሓለፍታ ዝነበርኩ ሃገራዊት ክፍሊ ምንቕቓሕ ትያትርን ሙዚቃን (ሃ.ክ.ም.ት.ሙ.) ኣቢለ ፣ ሓንቲ ብክብርቲ ተጋዳሊት ነበር ወይ/ሮ ጸሃይቱ በራኺ ምስ ሙዚቀኛታትን ድምጻውያንን ተ.ሓ.ኤ. ብምትሕብባር ተቕርባ ዝነበረት „ወያኔ ናይ ትግራይ“ ብእትብል ኣርእስቲ እተደርሰት ተፈታዊት ግጥሚ ኣቕሪበ ነይረ ። ትሕዝቶኣ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ ።
ወያኔ ናይ ትግራይ
ውድብ ውጹዕ ሕዝቢ ፣ ወያኔ ናይ ትግራይ ፣
ንሕናን ንስኹምን ፣ ንሰማማዕ ጥራይ ፣
እንካብ ገሊኣቶም ፣ ሓደ ክልተ ዓሻ ፣
ብዝወጽእ ጸርፊ ፣ ወይ ሕማቕ ምልሻ ፣
ነውሪ’ዩ ክንገብር ፣ ጽልኢ ናይ ሓፈሻ ፣
ውድብ ውጹዕ ሕዝቢ ፣ . . .
ሕዝቢ ንክረክብ ፣ ናቱ ድልየት ባህጊ ፣
ንግዱድ ሰራዊት ፣ መሳርሒ ደርጊ ፣
ዕድል ኣይንሃቦ ፣ ከሪሙ ክሓጊ ፣
ውድብ ውጹዕ ሕዝቢ ፣ . . .
ዶባት ከይወሰነት ፣ ከይፈለየት ቀለም ፣
ንሓርነት ውጹዕ ፣ ሕዝብታት ናይ ዓለም ፣
ተቃላሲት ኢያ ፣ ኤርትራና ለምለም ፣
ውድብ ውጹዕ ሕዝቢ ፣ . . .
ሃገርና ኤርትራ ፣ ኲላ ብምልእታ ፣
ነጻ ከይትኸውን ፣ ንዝጻረር ባእታ ፣
ልቢ ንኽገብር ፣ ነቕርብ ምሕጽንታ ፣
ኲልና ከም እንኣምነሉ ፣ ብዓይነቱን ብዓቐኑን ደኣ ይፈላለ ኢዩ እምበር ፣ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብተ.ሓ.ኤ. ይኹን ብሕ.ግ. ጌጋታት ኣይተገብረን ክበሃል ኣይከኣልን ። በዚ ጌጋታት እዚ ብሕጊ ክሕተቱን ክንቀፉን ዝግብኦም ግዳ ብሓፈሻኡ እቶም ብዘይ ግቡእ ክስን ግሁድ ፍርድን ዘይሓላፍነታዊ ትእዛዛት የመሓላልፉ ነይሮም ዝበሃሉ ኣባላት መሪሕነታት ኢዮም ። እምበር ደረጃ ሓላፍነቶም ብዘየገድስ ፣ እቶም ነጻነት ንምምጻእ ብቅንዕናን ተወፋይነትን እተቃለሱ ማለት እቶም ትእዛዝ ዝፈጸሙ ስዉኣትን ህሉዋትን ዜጋታትስ ብናተይ ተረድኦ ብዝኾነ መልክዕ ክንቀፉን ክምረሩን ኣይግባእን ። ስለዚ ሰውራ ኤርትራ ሽፍትነት’ዩ ነይሩ ። ተጋደልቲ ከኣ ገበነኛታት ኢዮም ነይሮም ምባል ዓገብ !!!
ብዝተረፈ ፣ እዛ
ሀ) ብፖሊቲካዊ”ቃልሲ” ኣበው”፣
ለ) ካብ /01/”ክሳብ”/50/”ዓ77ም7ፈ7″ብእተካየደ ብታዊ ተጋድሎ ፣
ሐ)ብናይ”ኣሽሓት”ደቂ”ተባዕትዮን”ደቂ”ኣንስትዮን”መስዋእትነትን ስንክልናን ፣ መ) ብምዝንባል መነባብሮ ተቐማጦ”ገጠርን”ከተማን”፣”
ረ) ብስደት ናይ ዓበይትን መንእሰያትን ቘልዑን”፣
ሰ) ብተሳትፎ”ደቂ”ተባዕትዮን”ደቂ” ኣንስትዮን”ኣብ”ቃልሲ”፣
ወዘተ . . . ዝመጸት ልኡላውነት ሃገር ንዘልኣለም ተሓልያን ክቢራን ትንበር !!!
ብተወሳኺ ፣ እወንታዊ ጸጋታት ዝመልኦ ሓዲሽ ዓመተ ግእዝ ይግበረልና !!!
ኣብ ቀጻሊ ጽሑፋተይ የራኽበና !!!
ተ ፈ ጸ መ