56 ዓመት ኣብ መትከል ንሰላም ኣቃልሑላባ! ይነፋሕ ጥሩምባ! ኣብቲ ናይ ኤርትራውነት ታባ ጎቦታት ኣዳል፣ ጎቦታት ቶጎሩባ! ብ.ጴጥሮስ ተኽሉ (ሓላዪ) 01/09/2017

 

56 ዓመት ኣብ መትከል ንሰላም

ኣቃልሑላባ!

ይነፋሕ ጥሩምባ!

ኣብቲ

ናይ ኤርትራውነት ታባ

ጎቦታት ኣዳል፣ ጎቦታት ቶጎሩባ!

ብ.ጴጥሮስ ተኽሉ (ሓላዪ) 01/09/2017

ካብ ሃገር ኣልቦ

ክንረክብ ኣቃልቦ

ኣብ መላእ ሃገርና ቀይሕደም ዝነጠቦ

የዕጽምቲ ተኸስከሶ ጨው ርሃጽ ዝወረሮ

ናይ ሕሩያት ዜጋታትና ናይ በላሕቲ ኣእምሮ

ብሓደ መስከረም መሓመድ ኢድሪስ ዓዋተ ሰውራ ዝጀመሮ

ኮሪዕና ብሓበን ሕጂ ክንዝክሮ፡

ናይ ፈለማ ማሕታ ጥይት ዝተኮሰ

ዓወት ወይ ሞት ኢሉ ‘ተበገሰ

ኣብ ጎቦታት ኣዳል ኣብ በረኽቲ ታባ

ብረታዊ ተጋድሎ ኣብሊሑ ዝጸረባ፡

ዓዋተ! ዓዋተ! ዓዋተ! ኣንበላይ ፈረሱ

ጀማሪ ሰውራና ሓርበኛዩ ንሱ

ክብሪን ዝኽሪን ንዓኻን ንኹሎም ዝሓለፉ በጃ

ብሳላኹም ሃገር ነጻ ወጽያ ክትስለምያ ግምጃ፡

ታሪኽዶ ይርሳዕ ታሪኽ ዝመከተ

ጽሮት ኣብ ኣጻምእ፣ ሽንቲ’ወ ክስተ

ብኣሰር ከይስዕቡ ጨንገር ዝጎተተ

ኣራግጽ ሽዳ ገምጢሉ ጸላኢ ዘሀውተተ

ጀማሪ ሰውራና ዓዋተ! ዓዋተ! ዓዋተ!

ሓዊ ብሓደ መስከረም

ጎባጢ ክህረም ዓማጺ ክእረም

ዓወት ቃልስና ብደምና ሕጂውን ንሓርነትና

ዓወት ወይ ሞትዩ ጭርሖና ክሳብ ጊዜ ሞትና፡

ሃገር ክትክበር ለጊሶም ምኽሪ

ኣሰኪሞምና ሓያል ሕድሪ

ብዓል ሕልና ይሃሉ’በሪ

ስኒትዩ መድሕን ዝብል መዓዝን ሓባሪ፡

ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ተሓቲቱ ክምልስ

ንኹሉ ወዲሃገር ንልቡ ዘረስርስ፣ብሓቂ ዘሕጉስ

ምዓስዩ ነጻነት ዝመጽእ፧ ምስበልዎ

ወዲከብሳን መታሕትን ብሓደ ምስተቃለሱ በለ’ስከ ሕሰብዎ፡

ብሓድነት ደቀባት ቆላን ከበሳን ከም ሓደ ህዝቢ

ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢርና እቲ ፍቕርና ክዓቢ

ብዘይፈለያ ሃይማኖት ይኹን ወገንነት

ተቃሊሱ ዘዏወተ ሃገራዊ መንነት፡

እዋኑ ሎሚዩ ቃልሲ ኣለልዩ

ወርቂ ተሸሊማስ ህዝባ ግን ተዳልዩ

ፍትሒን ዲሞክራሲን ክትውንን ሃገርና

ብሓባር ንመክት ዘኪርና ታሪኽና።

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *