ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

Image result for ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT logo image

ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

 

 

 

 

 

ሓበረታ ካብ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ _ ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ) ከም ዘመልክቶ፣ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገርና ናብ ቅኑዕ መገዲ ዘመልክት ስራሕ የልቦን። ጽሓይ ዝሃረሞን ኩሉ ዝፈልጦን ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ መሪሕነት ጭፍራ ህግደፍ ንኤርትራ ናብ ገደል ይመርሓ ከም ዘበሎ ብሩህ ዝዀነ ጉዳይ እዩ።

መሰረታዊ ጠንቂ ኩሉ መልክዓት ጸገም ህዝብና ጸረ-ረብሓ ህዝቢ ዝዀነ ፖሊሲ ጉጅለ ህግደፍ ንህዝብና መሪርዎ ኣሎ። ገለ ብቀረባን ብደቂቕን ዝከታተሉ ዜጋታት ከም ዝእምትዎ፣ ንዓማጺ ተግባራት ጭፍራ ህግደፍ ዝቃወም ናይ ፍሕትሕት ስራሓት ምልክት ዝህብ፣ ህዝብና ናይ ኣድማ ምግባር ንጥፈታት ይርአ ከም ዘሎ ምንጭታት ይሕብሩ ኣለዉ። ናይ ህዝብና ናይ ምረት መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ሰንበል ከተማ ኣስመራ ክልተ ኣውቶቡሳት ብዘይተፈልጡ ሰባት ብዳርባ እምኒ ቬትሮታት እተን ኣውቶብሳት ከም ዝሰበሩ ይሕበር ኣሎ። እቲ ሕጋዊ ስልጣን ይኹን መሰል ዘይብሉ ጉጅለ ህግደፍ ቬትሮታት እተን ክልተ ኣውቶቡሳት ዝሰበሩ መን ምዃኖም ከየጻረዩ፣ ታክስታት ይኹና ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ንኸይንቀሳቀሳን ንኸይሰርሓን ዝእግድ መምርሒ ካብ’ቲ ጭፍራ ወጺኡ። ከም ውጽኢቱ ድማ እቲ ኣብ ሰምበል ዝቕመጥ ኣካል ህዝብና ናይ ተቋውሞኡ ምልክታት ክህብ ተራእዩ ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ጭፍራ ህግደፍ እንታይ ስጉምቲ ይወስድ ንዝብል ሕቶ መልሱ፣ በቲ ቅንጣብ ተጻዋርነት ዘይብሉ ጭፍራ ህግደፍ ክወሃብ ዝኽእል መልስታት ፍሉጥ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ጭፍራ ህግደፍ ናይ ሂወት ምጥፋእ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ተፈሊጡ ኣሎ። ትካላት ሕቡራት ሃገራት ብመጽናዕቲ ካብ ዘረጋገጽዎም ሓደ ሰብኣዊ መሰላት ህዝብና ዝግህስ ተግባራት ጭፍራ ህግደፍ ብተኩስካ-ቅተል ዝብል ፖሊሲ ይምራሕ ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ቀጺሉ ዝመጽኣና ሓበረታ ከም ዘመልክቶ ብመሰረት ተኩስካ-ቅተል ዝምራሕ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዓሰርተ-ሰለስተ (13) ሰባት ንስርዓት ህግደፍ ጠንጢኖም ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ክፍትኑ ከለዉ  ብሓለዋ ዶብ ስለያ ምክልኻል ብተዂሲ ገሊኦም ክቕተሉ ከለዉ ዝተረፉ ድማ ተታሒዞም ኣብ ዓላ ተኣሲሮም ኣለዉ።

ቀንዲ መሳርሒ መራሕቲ ጭፍራ ህግደፍ ንውልቀሰባት ይኹኑ ህዝቢ ብሓፈሽኡ ከይሰምር ክፈላለ ከም ዘለዎ ለይቲ ምስ መዓልቲ ከም ዝሰርሕ ይፍለጥ። እቲ ምፍልላይ ከኣ ወላ ንኣባላቱ ከይሰምሩን ዝተፈልየ ሓሳባት ንኸይጥርዩን ዝዓለመ እዩ። ስለ ዝዀነ እቲ ገባርን ሓዳግን መራሒ ጭፍራ ህግደፍ ፈላላዪ` ዝዀነ መምርሒ ኣውሪዱ። እቲ መምርሒ ድማ ብዛዕባ ወተሃደራዊ መዓርግ ዝምልከት እዩ። እዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ጊንዳዕ ናይ ሰራዊት መራሕትን ናይ ገለ ሚኒስትሪታት ሓለፍትን ዝተገበረ ኣኼባ ሓደ ካብ’ቶም ብዙሓት ዘየሰማምዑ ነጥብታት ምንባሩ ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ መዓርግ ዝምልከት ጉዳይ ርሱን ክትዕ ዝነበሮን ዘየሰማምዕን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ብሓጺሩ እቶም ዝለዓሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ነዚ መምርሒ’ዚ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትዮሞ ይርከቡ።

ጭፍራ ህግደፍ ናይ ጥፍኣት ጐደና መሪጹ ንህዝብና የጥፍእ ከም ዘሎ ንርእዮ ዘለና ጐደና እዩ። ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ህዝብና ኣትዩ ክዘርግ መዓልታዊ ሞይኡ ኰይኑ ኣሎ። ምልክት ናይ ተቋውሞ ዘርኣየ ውጽኢቱ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ብሓፈሽኡ ህዝብና ብፍላይ ድማ መንእሰያትና ናይ መጻኢ ዕድሎም ስለ ዝጸልመቶም ካብ ዝፈትዉዎም ህዝቦምን ሃገሮም ተፈልዮም ክስደዱ ንዝሃቀኑ ድማ ብተኩስካ-ቅተል ፖሊሲ ይምራሕ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ዘለዉ ከኣ ንሃገር ዝጠቅም ሓሳባት መታን፡ ጭፍራ ህግደፍ ከየጥርዩ ኩሉ ግዜ ክፈላልዮም ይውዕል ኣሎ። ኩሉ ስራሓት እቲ ጉጅለ ብከመይ ኣብ ስልጣን ይነብር እምበር ክንዲ ፍረ-ኣድሪ ትኹን ንህዝብና ዝጠቅም ሓሳባት ከንቅል ብቕዓት የብሉን።

ስለ’ዚ ተቛውሞና ክሓስብሉ ዘለዎም ጉዳይ እዩ። ካብ’ዚ ንላዕሊ ሃገርና እንታይ ከጋጥማ ኣለዎ ኩልና ተበራቢርና ብሓባር ክንሰርሕ?

ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!

ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት

ግሃድኤ-ሕድሪ 23-08-2017

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *