ንጥፈታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ _ ሕድሪ (ግሃድኤ-ሕድሪ)
ኣብ ኣውስትራልያ
ግሃድኤ-ሕድሪ ህዝብናን ሃገርናን ካብ’ዚ ገባቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ ንምድሓን ንኣብ ኩሉ ክፍለ-ዓለማት ዝርከቡ ኤርትራውያን ዜጋታት ሃገራዊ ግቡኣቶም ብዝበለጸ ደረጃን ብዝለዓለ ሞራልን ወንን ኣቓልቦ ንኽግበረሉን ብዝተወደበ መልክዑ ድማ ዝንበብ፡ ዝቚጸር፡ ከምኡ’ውን ዝርአ፡ ውጽኢት ዘለዎ ዕቱብ ተግባራዊ ዕዮታት ንኽገብሩ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምግባር ይነጣጠፍከም ዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

መቐጸልታ ናይ’ዚ ህዝባዊ ምልዕዓል’ዚ ኣብ ከተማ ሞልቦርን (ኣውስትራልያ) ኣከያዲት ሽማግለ ጨንፈር ግሃድኤ-ሕድሪ ብመሪሕነት ኣቦ-መንበር ናይ ዞባ ኣውስትራልያ ስራሓታ ብንጥፈት ከተሰላስል መታን መደብ ናይ ስራሓት ከም ዘውጽአት ካብ’ቲ ቦታ ዝመጽኣና ዜና ሓቢሩ ኣሎ።ኣብ ካልኦት ከተማታት ኣውስትራልያ ዝርከባ ጨናር ድማ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ከካይዳ ምዃነን እቲ ወሃብ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ ኣሎ።
ብካልእ ወገን ድማ እቲ ወኪል ዜና ግሃድኤ-ሕድሪ ወሲኹ ከም ዝሓበሮ እቲ ንጥፈታት ህዝቢ ኤርትራ ክልዓዓልን ክጠራነፍን ምትብባዕን ምልዕዓልን ጥራሕ ዘይኰነስንህዝብን ሃገርን ዝወርድ ዘሎ ናይ ጸልማት ደበንገረ ዘንጸላሉ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ጉዕዞ፡ንፈተውትን ተደናገጽትን ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ትካላት ንጉዳይና ዝግባኣ ጠመተ ገይሮም ሓገዛቶም ንኸበርክቱ ወፈራ ንምክያድ መደብ ወጺኡ ኣሎ።
ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት
ግሃድኤ-ሕድሪ
02-08-2017