ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ፣ ብወዲ ባሻይ!! ጀርመን

ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ፣ ብወዲ ባሻይ!! ጀርመን
ዋላኳ ኣብቲ ናይ ሓፈሻዊ ፍሽለት ደምበ ተቓውሞ እጃማ ትስከም ውድብ ትኹን እምበር ውሻጠኻ ከይፈተሽካ ብዛዕባ ምድሪቤት ጎረበት ምዝራብ ቁቡል ኣይውሰድን ኣይወስዶን፣ ብስነ ሕልናውን ሞራል ኣይህብን። ስለዚ ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ ክበሃል ከሎ ካብ ውሻጠኻ ምንቃል ቀዳምነት ምሃብ እዩ ዝምረጽ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ እምበኣር ኣብዚ ሕጽር ሕጽር ዝበለ እሞ ንትዕዝብቲ ክሕግዝ ክጸሓፍ ተደልዩ ዘሎ ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪን ኣመራረሓኡ ነበር፣ ከምኡውን ውጽኢታቱ ዝስእል እዩ ክከውን።
እነሆ እምበኣር!!
ብምኽንያት ጉባኤ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ካብ ጨንፈር ጀርመን ተወኪለ ጉባኤ ንምስታፍ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ናብ ኢትዮጵያ ገይሸ ነይረ፣ ድሕሪ ጉባኤ 2014 ዓዲግራት ብኣመራረሓ ኣይተ ዑቕባዝጊ ድቡስ ውድብ ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኣፍ ሞት ክሰሃግ ድሕሪ ምጽናሕ እንኮ መዋጽኢ ጉባኤ ስለዝኾነ ውድብና ንምድሓን ብዝብል፣ ከምቲ ጉቡእ ብምውህሃድ ኣሰናዳኢት ጉባኤ ጨናፍር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ካብ ሙሉእ ዓለም ዕላውያን ወከልተን ልኢኸን ነይረን እየን፣ ምስቲ ዝሰረተ ጸገም ውድብ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ! 1ይ/ ሕዳር 01/2016 ኣኼባ ባይቶ ክሰላሰል፣ 2ይ/ ሕዳር 16/2016 ተወከልቲ ጉባኤን ኣባላት ባይቶ ነበርን ዘካተተ ሰሚናር ክግበር፣ 3ይ/ ሓዳር 26/2016 ድማ ጠቕላላ ጉባኤ ክካየድ ዕላዊ መደብ ውድብ ቆጸራታት ተታሕዘ። በዚ መደባት እዚ እዩ ድማ ኩሉ ተወካሊ ጉባኤ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸተተ። እቲ ዘገርም ቆጸራታት ጉባኤ ሰሚናራትን ከምዚ ተጠቒሱ ዘሎ ክንሱ ምኽትል ሰክረተርያ ባይቶ ነበር ኣይተ ማሕሙድ ዕላጅ ሕዳር 25/2016 እዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወረደ። እቲ ውዲት ክበርህ እምበኣር ሓደ በለለይ ካብዚ ይጅምር። “ጎይተኣ ዝኣመነት ክልብስ ላም ክትሕረድ ንሩባ ትወርድ” ከምዝበሃል ሽግር ውድብ ንምፍታሕ ዳምዳም ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ምኽትል ሰክረተርያ ባይቶ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ኣይተ ማሕሙድ ዕላጅ ካብ ቆጸራ ጉባኤ ሓደ ወርሒ ድሒሩ መጺኡ ውድብ በቲኑ ተመልሰ። ብዛዕባ እዚ ኣካልዚ ድሒሩ ዝትንተን ኮይኑ ንሎሚ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ታሪክ ውድብ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ጸሊም ታሪኽ ኣመዝጊቡ ምህላዉ ጠቒሰ ምሕላፍ መሪጸ ኣለኹ።
ሓጺራትኒ ኣንተበልኩስ ተደቢራ ትስዕስዕ! ከምዝበሃል፣ ኣብ ርእሲ`ቲ ውድብ ንኽልተ ዓመት ምሕማሱ ኣብ ባይታ ዝጸንሓና ድማ ካልእ ድራማ ነበረ። እቲ ድራማ ንወታደራዊ ክንፊ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪን ውሑዳት ጃንዳ ካብ ኣባላት ባይቶ ነበርን ዘማእከለ ድራማ እዩ። እምበኣር ንሎሚ ኣብዚ ደው ከብሎሞ ብፍላይ ኣብቲ ወታደራዊ ክንፍን ውሑዳት ጃንዳ ካብ ኣባላት ባይቶ ነበርን ከመይነትን ዝምልከት ኣብ ዝስዕብ ጥቕሲ ክንበብ እዩ።
ወዲ ባሻይ!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *