
ዝተጻሕፈ ኣብ ትሕቲ “ውድባዊ መግለጺ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ” ዝብል ኣርእስቲ፣ ብስም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪ ብዕለት 09-01-2017 ዝወጽአ መግለጺ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ተዘርጊሑ ርኢና። መግለጺ ዝብል ኣርእስቲ ደኣ ይወሃቦ እምበር፣ እቲ ጉዳይስ ቅኑዕ ሓበረታ ንኸይፍለጥ ነቲ ኲነታት ሓላሊኽካን ኣደናጊርካን ኣብ ደበንገረ ኣእቲኻ እቲ ሓቂ ንኸይፍለጥ ንምሽፋን ተባሂሉ ዝተኣለመ ምዃኑ ንምርድኡ ኣየጸግምን እዩ። ብተወሳኺ ንሓቂ ደበንገረ ከዲንካ ምሕላፍ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ክስታት’ውን ዝስንዝርን ልዕሊ ኩሉ ድማ ብስም ውድብና መግለጺ ምውጽኦም ዝገርም ጉዳይ ኰይኑ ረኺብናዮ።
እዚ ዝተጠቕሰ መግለጺ’ዚ ዘይነበረ ነገር ጠቒስካ ኤርትራዊ ብዛዕባ ጉዳዩ ግቡእ ፍልጠት ንኸይህልዎ ተባሂሉ ዝተማህዘ ደኣ እምበር ካብ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ውድብ ወላ ሓንቲ ነጥቢ’ውን ትኹን ተላዒላ ዝተገበረ ክትዕ ወይ ምይይጥ ኣይነበረን። ስለ ዝዀነ ብፕሮግራም ውድብ ምኽንያት ዘይምርድዳእ ዝበሃል ኣይነበረን። ካልእ ክጥቀስ ዘለዎ ነገር ከኣ ንኻልእ ደኣ ከልግብሉ ይፈትኑ እምበር ብዘይካ እዞም መግለጺ ኢሎም ዘውጽኡ ባእታታት ካልእ ካብ ውድብ ነብሱ ዘግለለ ከም ዘየሎ ግሃድኤ-ሕድሪ ክሕብር ከሎ ብምሉእ ነብሰ-ምትእምማን እዩ።
ክቡራንን ክቡራትን! ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ሓቂ ምውጽኡ ኣይተርፎን እዩ። እቲ ሓቂ ብሰፊሑን ብወግዕን ኣብ ግዜኡ ክግለጽ እዩ። ማኣከላይ ባይቶ ውድብና ኣኼብኡ ብወግዒ ዕለት 25-11-2016 ተጀሚሩ ክሳብ ዕለት 28-11-2016 ተኻይዱ። ነዚ ዘዛርብ ዘሎ ዝምልከት ክልተ ኣደስቲ ነጥብታት ተወሲኖም። እቲ ቀዳማይ ንሕገ-ህንጻ ውድብ ምፍራስ፡ መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ዘይስነ-ምግባራዊ ስራሓት ምዝውታር፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምስ ፖለቲካዊ ፕሮርጋምን መርገጽን ውድብና ብቀጥታ ዝጻረር ውድብ ምትእስሳር ከም ዘለዎም ዝተረጋገጸሎም ክልተ ኣባላት መሪሕነት ሕገ-ህንጻ ውድብ ብዝፈቕዶ መሰረት ተገምጊሙ ካብ ውድብ ናይ ምስንባት ስጉምቲ ተወሲዱ። እቲ ካልኣይን ኣገዳስን ዝተወሰደ ውሳኔ ድማ ናብ ጉባኤ ክእቶ ድልየት ስለ ዝነበረ ክሳብ ጉባኤ ሰክረታርያ ክትመርሖ፣ ነቲ ኲነታት ኣብ ግምት ብምውሳድ ምናልባት ጉባኤ ዘይግበረሉ ኲነታት እንተተፈጢሩ ከኣ ሰክረታርያ ኣኼባ ናይ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዓ ፈጻሚ ኣካል ክትመርጽ ውሳኔ ነይሩ ዩ። እዚ ከኣ ንህዝቢ ብኣዋጅ ንኣባላት ውድብ ድማ ብዘዋሪ መልእኽቲ ተዘርጊሑን ተገሊጹን እዩ።
እንተዀነ ግን ጉባኤ ክግበር ትጽቢት እንዳተገብረ ከሎ፣ እቶም ዝተሰርዑ መደባት ካብ ዓቕሚ ውድብ ወጻኢ ዝዀነ ውድዓዊ ኲነታትን ምእላይ ዘድልዮም በዓል-በታዊ ኲነታትን ኣብ’ቲ ዝተመደበሎም እዋናት ክትግበሩ ኣይከኣሉን። ስለ ዝዀነ ኣባላት ጉባኤ ነንበትኦም ክምለሱ ስለ ዝጀመሩ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራሕ ተረፉ። በዚ ምንያት’ዚ ሰክረታርያ ማኣከላይ ባይቶን ናይ ጉባኤ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ተረዳዲኦም ብከም’ዚ ዘለናዮ ኲነታት ጉባኤ ክግበር ከምዘይክእል ኣብ ሓደ መረዳእታ ተበጺሑ። ዝመጽእ ጉባኤ መኣስ ከም ዝግበር ድማ መሪሕነት ክውስኖ ምዃኑ ተገልጸ። ድሕሪ’ዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ውሳኔ ማእከላይ ባይቶ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ሰክረታርያ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዓ ኣብ ሕገ-ህንጻና ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጽ 20/ለ/2 ብምኽታል ሕጋዊ አኼባ ተኻይዱ ፈጻሚ ኣካል ተመሪጻ። እዚ እዩ እቲ ሓቂ። ዝተጠቕሱ ተኣኻኺቦም ውድብ ክንገብር ኢና እንተበሉ ንኣታቶም ዝምልከትን መሰልን ምዃኑ ግሃድኤ-ሕድሪ ጽቡቕ ገይሩ ዝርድኦ እዩ።
ክፍለጥ ዘለዎ ግን ገሊኦም ብመርገጻቶም፡ ብስነ-ምግባሮም፡ ሕገ-ህንጻ ውድብ ብምጥሓሶም ናይ ምስንባት ስጉምቲ ዝተወሰደሎም፣ ገሊኦም ብግልጺ ኣብ ተራ ኣኼባ ኣብ’ዚ ውድብ’ዚ ቃልሲ ኣይንቕጽልን ኢና ዝበሉ፣ ገሊኦም ድማ ኣብ’ዚ የለና ኣብዚ የለና ዝበሉ፣ ገሊኦም ከኣ ብወድዓውን በዓል- ቤታውን ኲነታት ጉባኤ ይመሓላለፍ ምስ ተባህለ ብኣቛራጭን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናይ ሰለስተ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈታት (ናይ ኣቦ-መንበር፡ ናይ ውደባን ወጻኢ ዝምድናታትን፡ ናይ ቊጠባ) ይወሃበና ኢሎም ንኽትዛረቦ ዘሕፍር ስራሓት ተዋፊሮም ዝነበሩ ሕጂ ኮር ተገልበጥ ዘይኰነ ክስታት ብምቕራቦም መግለጺ ኣውጺኦም ንርኢ ኣለና። ግሃድኤ-ሕድሪ ግን ንዘቕረብዎ ክስታት ኰነ ንሓቂ ደበንገረ ዝኸድንን መግለጺ ብምዃኑ ብተሪር ይነጽጎ። ውድብና ድማ ምስ ኩሉ ትካላቱን ቤት ጽሕፈታቱን ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ ግቡእ ስራሓቱ የሰላስል ከም ዘሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ክንሕብር ንፈቱ።
ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!
ዜናን ባህልን ቤት ጽሕፈት
ግሃድኤ-ሕድሪ