ህዝቢ ዓድቐይሕ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ብቓልዕ ደጋጊሙ ይምክት ዝሓለፈ ዓርቢ 30 / መስከረም / 2016
ንህዝቢ ከተማ ዓድቐይሕ ኣኼባ ክገብሩሉን መምርሒ ከውሩዱሉን ዝተላእኩ ካድራት ስርዓት ህግደፍን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብህዝቢ ከተማ ዓድቐይሕ ተቓዉሞ ኣጌዋኒፉዎም፡፡ ህዝቢ ነባሪ ከተማ ዓድቐይሕ ብመሰረት ናብ ኣኼባ ክሳተፍ ዝተኣዘዞ ካብ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ንግሆ ጀሚሩ ኣብ ኣዳራሽ ባህታ ሓጎስ ዝበሃል መኣከቢ ኣዳራሽ ምስተረኽበ፡ ብኡ-ንብኡ ሓደ ብቕያር ናይ ኣሕመዲን ዝበሃል ንህዝቢ ዓድቐይሕን ከባቢኡን ሓላፊ ሰልፊ ህግደፍ ኮይኑ ዝመጸ ሓድሽ መራሕን፡ ካልኦት ክልተ ኣዘዝቲ ሰራዊታትን’ዮም ነቲ ኣኼባ ክመርሕዎ በቦትኦም ሒዞም፡፡ መራሕቲ ኣኼባ እቲ ክግዕሩሉ ዝወዓሉ ብፍላይ ዋንነት መሬት፡ መን ኢዩ ግብሪ ክኸፍልን ከይከፍልን ዝግብኦ፡ ስግረዶብን ኩብለላ መንእሰያትን ዝብል መዛረቢ ዛዕባተቶም ኣብ ዝገለጹሉ፡ ህዝቢ ብነድሪ መሬት ብዘይሰብ ይተርፍ ኣሎ፡ ዝተሰርሑ ኣባይቲ’ውን ከይተረፉ ተመንዮም ዘስርሕዎ ዋናታቶም ገዲፎምዎም ይኸዱ ብምህላዎም ብዛዕባ ኣየናይ መሬት ኢዩ ዝዝዘረብ ዘሎ፡ ስግረ-ዶብ እውን እንተኾነ ንነዊሕ ዓመታት ብናህሪ ይቕጽል ብምህላዉ መን ክሕተት መን’ከ’ዩ ክሓትት ዝኽእል፡ ብምባል ህዝቢ ከምዝተመላለሶምን ብፍላይ ከኣ ነቲ ካብ 60 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድምኦምን ኣባላት ምክልኻልን ግብረ መንግስቲ ኣይክኸፍሉን ኢዮም ዝብል ኣላጋጭ መግለጺ፡ ህዝቢ ብግዲኡ ብተደጋጋምን ብኣንጸርጽሮትን ትሕቲ ስሳ ዓመት እሞ ከኣ ሰራዊት ዘይኮነ ደኣ ከበይ ተረኺቡ ኢዩ ግብሪ ክኸፍል፡ ዝብል ሕቶታት ብምልዓል፡ እምበኣር በዚ ኣገላልጻኹም ንስኻትኩም’ውን ልኡዃት መንግስቲ ብምዃንኩም እዚ መንግስቲ ነዚ ህዝቢ ዝፈልጦ መሲሉና እምበር ኣይፈልጦን እዩ ዘሎ ክብሉ ተገምጢሎም ክሓትዎም ምስጀመሩ፡ ኣብ እቲ ኣዳራሽ ናይ ዘይምርድዳእን በብኣፍካ ምምልላስን ስለ ዘኸተለ ኣኼባ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ብዘይ መዕጸዊ ኣገባብ ምብታኑ ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ካብእቲ ቦታ ገሊጾም፡፡
ምንጭታት እዚ ሓበሬታ ወሲኾም ኣብ ዘብርህዎ እቶም በቲ ዘርፈደ ዝርዓዱ መኮነናት ስርዓት ህግደፍ ከይደንጎዩ ግፋ ክካየድ ኣብ እታ ከተማ ብምእዛዞም፡ ካብ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ኣባትርን ኣጽዋርን ዝዓጠቑ ወተሃደራት ናብ ብምልእታ እታ ከተማ ብምልኣኽ ገዛ-ገዛ እንዳኣተዉን ፈቐዶ ጎደናታት ትሙስሙስ እንዳበሉን ኣብ መንቀሳቐሲ ከይተገደሱ ክገፉ ብምጅማሮም፡ ህዝቢ ከተማ ዓድቐይ’ውን ኣንጻር እቲ እግሪ-እግሩ ዝሰዓበ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ብምልዓል ልዑል ተቓዉሙኡ ክገልጽ ከምዘምሰየ ካብ እቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር፡፡ ወሃብቲ ሓበሬታ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ብዕቱብ ተኸታቲሎም ከምዝሓበሩዎ፡ እቶም ገዛ-ገዛ እንዳኣተዉን ኣብ ጎደናታት ንዘጓነፍዎምን ንምግፋፍ ካብ ሰዓት ክልተ ኣቢሎም ዝተንቀሳቐሱ ወተሃደራት እቲ ስርዓት፡ ካብ እቶም መንቀሳቐሲ ዝሓትዎም ኣምሲሎም ሕለፍ ብዝብል ትእዛዝ ከውርዱሎም ዝተዓዘቡ ዜጋታት፣ ናበይ፡ እምቢ፡ ዝብሉ ግብረመልስታት ምስመጽኦም ከም ኣመሎም ብበትሪ ብምህራምን ብምዕማር ብረትን ክኣትዉዎም ምስጀመሩ፡ ካብ ሽማግለታትን ቆልዓሰበይትን ከይተረፈ ዘለፋታትን ምሕንሓንን ክወርዶም ኣብ ዝጀመረሉ እቶም ንግፋ ዝተላእኩ ወተሃደራት ኣብ ድንግርግርን ፍርህን ብምእታዎም ካብ እቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ዝበዝሑ ገዲፎሞም ፋሕ ከም ዝበሉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡ ኩሉ ህዝቢ ከም ዝዝክሮ ህዝቢ ከተማ ዓድቐይሕ፡ ቅድሚ ዓመት እውን እንተኮነ ነቶም ንዝተሃንጸ ገዛውቲ ንኸፍርሱ ተኣዚዞም ኣብ ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ኣባይቲ ናይ እታ ከተማ ኣብምዕናው ተጸሚዶም ንዝነበሩ ኣባላት እቲ ገባቲ ስርዓት፡ ተቓዉሙኡ ንምግላጽ ብደናጉላ ስለ ዝኣተዎም ክርሳዕ ዘይክእል ደሙ ዘፍሰሰሉ ዋጋ ከም ዝኸፈለ ናይ ታሪኽ ምስክር እዩ፡፡ ብጀካ እዚ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ኣብ ሰምሃርን ኣብ ገማግም ምብራቓዊ ኣጻድፍ አከለጉዛይን ንኣንሰቲ ሓዳር ደቂ ኣንስትዮ ከይተረፈ ብምግፋፉን፡ ንኸጻሪ ኢሉ ብምሕያሩን ቀንዲ ዓንዲ ማእከል ሕብረተ-ሰብ ዝኾነት ኣደ ዝሰኣና ስድራቤታት ምህላወን ይፍለጥ፡፡ እዚ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ንዜጋታትና ንሓንቲ ለይቲ’ውን ትኹን እፎይ ኢሎም ንኸይሓድሩ ወትሩ ዝተፈላለዩ ናይ ኣይትቕሰን ዝዓይነቱ ኣተሓሕዛ ዝሕዞም ምዃኑ ዘርኢ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
03 / ጥቅምቲ / 2016 ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ
