መኣዲ ትምህርታዊ ወግዒ

መተባብዒ ሽልማት ገንዘብ By Negusse Haile (መንስዓይ)

ናይ 60ታትን 70ታትን ስነ ጥበባውያን ኤርትራ ኣብ ታሪኽ ስነ ጥበብ ሃገርና ብዝለዓለ ኣድናቖት ክዝከር ዝነብር ኣበርክቶ ከም ዝገበርና’ኳ ዘየካትዕ ሓቂ ኢዩ ። እዚ ግን ሕዝቢ ዘይፈልጦ ዘየስተውዓለሉን ድኽመት ኣይነበረናን ማለት ኣየስምዕን ። ከመይ እቲ ዝሓለፍናዮ ሕይወት ብዙሕ ውረድ ደይብ እውን ዝነበሮ ደኣ’ምበር ከምቲ ንብዙሓት ሰባት ዝመስሎም ፣ ዕንባባ እተነስነሶ ምርድዳእን ሓልዮት ሓድሕድን ዝመልኦ ፣ ምቁር ጒዕዞ ጥራሕ ኣይነበረን ። ብካልእ ኣዘራርባ ፣ እተፈላለየ ጸገማት እውን ነይርዎ ኢዩ ። ነዚ ጒዕዞ ሕይወት እዚ ብሓቀኛ መልክዑ ንምግላጽ እምበኣር ብዛዕባቲ ዝነበረ ብልጫታት (ዓወታት) ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባቲ ዘጋጥም ዝነበረ ድኽመታት እውን ክዛረብ ኣገዳሲ ኰይኑ ይስምዓኒ ። ንሎሚ ንኣብነት ካብቲ ኣብ 60ታትን ኣብ 70ታትን ዳርጋ ኲላቶም ስነ ጥበባውያን ሃገርና ዘርኣይዎ ድኽመታት ብዛዕባ’ቲ ገና ክሳብ ሎሚ ቅኑዕ ፍታሕ ዘይረኸበ ኰይኑ ዝስምዓኒ ጒዳይ መተባብዒ ሽልማት ገንዘብ ከዘንትወልኩም ኢየ ።

ማሕበራት ትያትርን ጒጅለታት ሙዚቃን ሃገርና ንዘቕርብኦ መድባት ፣ ብዝለዓለ ደረጃ ዝደኽሙሉ ሙዚቀኛታት ኢዮም እንተበልኩ ካብ መንገዲ ሓቂ ዝወጻእኩ ኣይመስለንን ። ኣብ ጊዜ ምርኢት መተባብዒ ገንዘብ ዝሽለሙ ግዳ ድምጻውያን ጥራሕ ኢዮም ። ሕማቕ ባህሊ !!! ካብ ሕጂ ንደሓር ንክእረም ግዳ ለበዋይ ኣቕርብ ። ነዚ ባህሊ እዚ ንምእራም ልዑል ተራ ንክጻወታ ከኣ ብቀዳምነት ንመራኸቢ ብዙሓን ኣዘኻኽር ። ከም ግቡእ እቲ ዝርከብ መተባብዒ ሽልማት ገንዘብ ንኣባላት እታ ማሕበር ወይ ጒጅለ ብማዕርነት ክምቀል ኢዩ ነይሩዎ ። ብተግባር ግን (ኣነ ከም ዝፈልጦ) ኮምኡ ኣይነበረን ። እንታይ ደኣ ነፍስወከፍ ድምጻዊ ከም ናቱ ናይ ውልቁ ጸጋ ኢዩ ዝፈልጦ ። ኣነ ኣብ ማሕበር ትያትር ኣስመራ (ማ.ት.ኣ.) ዋና ጸሓፊ ፣ ኣብ ጒጅለ መርሓባን ከዋኽብቲ መርሓባን ከኣ ሓላፊ ኰይነ እሰርሓሉ ኣብ ዝነበርኩ እዋን ፣ እዚ ገንዘብ እዚ ናይ ሓባር ከም ዝኸውን ንምግባር ብዙሕ ኢየ ጽዒረ ። ዋላ ሓደ ደጋፊ ድምጻዊ ብምስኣን ግዳ ከዓውቶ ኣይከኣልኩን ። ይኹን እምበር ፣ ኣገዳሲ ኰይኑ ስለ ዝስምዓኒ ኣብ ጒጅለ ከዋኽብቲ መርሓባ ነፍስሄር መም. ሰለሙን ገብረ እግዚኣብሔርን ኣቶ ይትባረኽ ገብረ ትንሳኤን ናይዚ ናይ ማዕርነታዊ ረብሓ ሓሳብ ደገፍቲ ምንባሮም እገልጽ ። ኣብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ.) ሃገራዊት ክፍሊ ምንቕቓሕ ትያትርን ሙዚቃን ግዳ ብሽልማት መልክዕ ዝኣቱ ገንዘብ ናይ ጒጅለ ማለት ናይ ውድብ ደኣ’ምበር ናይ ድምጻዊ ኣታዊ ይኸውን ኣይነበረን ። ብናተይ ኣረዳድኣ ፣ ቅኑዕ ኣገባብ እምበኣር እዚ ኢዩ ። ክቡራን ኣንበብቲ ፣ ንስኻትኩምከ እንታይ ርእይቶ ትህቡ ?

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ 70ታት ከዋኽብቲ መርሓባ ብዝብል ስም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዓቢ ኣድናቆት ዘትረፈ ዕዮታት ኣቕሪብና ። ኣብዚ ጊዜ’ዚ ፊሊፕስ ካምፓኒ ካብ መደብና 12 ደርፍታት መሪጻ 6 ዲስኮ ንምግባር ሓቲታ ። ኣነ ከም ሓላፊ ጒጅለ መጠን ነቶም ድምጻውያን ኮምኡ ንምግባር ተወኪሰዮም ። ነፍስወከፎም ግዳ ፣ „ኣነ ንኣይ ንበይነይ ደኣ’ምበር ኣታዊኡ ንጒጅለ ዝኸውን ዲስኮ ክገብር ፍቓደኛ ኣይኮንኩን“ እትብል መልሲ ሂቡኒ ። ከምዚ ከኣ ንጠለብ ፊሊፕስ ካምፓኒ ብጒጅለ ይኹን ብውልቂ ከይተጠቐምናሉ ተረፍና ። ነዚ ዝመሳሰል  ዘምለጠና ካልእ ዕድላት እውን ነይሩ ። ድምጻውያንና ካብ መደባት ጒጅለና ወጻኢ ብእተፈላለየ መልኽዓት ንዝመጽእ ማዕርነታዊ ረብሓ ክሰማምዑ ዘይምኽኣሎም እምበኣር ብጣዕሚ የሕዝን!!!

ነዚ ሓቂ እዚ ብምግላጽ ንገለ መሳርሕተይ ነበር ድምጻውያን ፣ ቅሬታ ይስምዖም ይኸውን ። ኣነ ግዳ ነዚ „ንኣይ ጥራሕ ይጥዓመኒ“ ዝብል ኣሉታዊ ስምዒት እውን ክዛረበሉ መሪጸ ። ምኽንያቱ ከኣ ንሱ’ውን$ ንከይደግሞ ነዚ ሓዲሽ ወለዶንምጥንቃቕ ኢዩ።ኣብ መደምደምታ$ጽሕፍተይ፣ነቶም$ቅኑዕ ሕልና ዘሎኩም ዜጋታት ፣ ንኣበሃህላይ በዚ ገሊጸዮ ዘሎኹ መንፈስ ክትርድኡለይ እላበወኩም ። ድምጻውያን ሃገርና ብድሕሪ ሕጂ ብግጥሙ ይኹን ብዜማኡ ብቑዕ ደርፍታትን መዛሙርን ንምቕራብ ምእንቲ ክኽእሉ እምበኣር ፣ ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ንሽልማት ገንዘብ ብማዕርነት ከም ዝማቐልዎ$ ንኽገብሩ ኣዘኻኽር ።

ብዝተረፈ ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ተሓጋጊዝካ ብምስራሕ ሓቢርካ ናይ ምጥቃም ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝኽተሉ ብቑዓት ድምጻውያንን$ ሙዚቀኛታትን  መሃዝቲ ዜማን ምስ ዝረክብ ፣ ኣነ’ውን ምስኣታቶም ተረዳዲኤ ብዝተሓተ ኣብ ዓመት ሓደ ጊዜ ሓንቲ ውድባዊ ዘይኮነስ ሃገራዊ ወይ ማሕበራዊ ትሕዝቶ ዘለዋ ብመዝሙር ወይ ብደርፊ መልክዕ እትቐርብ ዓይነታዊት ግጥሚ ከበርክት ፍቓደኛ ምዃነይ$እሕብር$። ንምዃኑ ፣ክቡር ኣንባቢ ክብርቲ ኣንባቢት፣ምስ ግጥምታተይ ሌላዶ ኣሎኩም ? እምበኣርከስ ፣ ካብተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክድረፋን ክዝመራን ዝጸንሓን ዘለዋን ዓይነታውያን ግጥምታተይ ፣ ንምፍላጥ ዝኣክል ናይ ገሊኣተን ኣዝማች$ (ተደጋጋሚ – Ritomello ኣቕርበልኩም ።

1. ኣስላማይ ክስታናይ ፣ ወዲ ቈላደጋ፣

ንምኽሪ ጸላኢ ፣ ኣይትሃቦ ዋጋ ፣

ኣይትሃቦ ዋጋ ፣ ከይትኾንዕዳጋ፣

2. ንወገኖም ኲሉ ዝጭቊኑ፣

ዝደኽሙ’ውን ጥቕሞም ንምርባሕ፣

ኣይትደልን ኢያ ፣ ኤርትራ ናይ ጽባሕ ፣

3.  እንካብ 61 ፣ ካብ ባሕቲ መስከረም ፣

ሰውራና ኣዊጃ ፣ ጸላኢ ክህረም ፣

4. ኲሉ ዝረኤኻ ፣ ዓቢ እምባ ገደም ፣

ንገረና ግዳ ፣ ዛንታና ናይ ቀደም ፣

5. ሩት ፣ ሩት ጓል ስግር ሩባ ፣

ገዛና ኣቲኺ$፣$ብከንደይ ዓጀባ፣

6. ብሰንኪ ድኽነት ፣ ሰኣን ገንዘብ ሕሱም፣

ይዋእ ዘይፈተነ ፣ ጣዕሚ ናይ ጉርጉሱም ፣

7. ውጹዕ ሰራሕተኛ ፣ ኣነ’የ ኰስትሪ ፣

ኲሉ ጐደናታት$፣ከተማ$ዘጽሪ፣

8. ነዛ ተፈታዊት ፣ ሃገረይ ኤርትራ ፣

ክቃለሰላ’የ ፣ ንክትከውን ሓራ ፣

9. እላ ኬራ$ብዙሕ፣$ዓድና$ኤሪትራ፣

ሸዓብና ኣብ ሰላም ፣ ኖሱ ግልንበራ፣

ግኒሙት ዲባቱ ፣ ወግንሓርራ ፣

ኤሪትራ ፣ ደርጊ ኢነብራ !!!

ጽሕፍተይ ኣብ ምድምዳም ፣ ብዛዕባ ግጥምታተይ ብዝርዝር ይኹን ብሓባር ዘሎኩም ርእይቶ ክትህቡኒ ለበዋይ ኣቕርበልኩም ።

መሰል ደራሲ ብሕጊ እተሓለወ ኢዩ

ተፈጸመ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *