ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT-HIDRI

 

ብግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ኣብ ከተማ ኡስተርሱንድ ሃገረ ሽወደን

ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ።

 

ብዕለት 27/08/2016 ካብ ሰዓት 12:00 ክሳብ ሰዓት 16:00 ኣብ ኡስተርሱንድ እትበሃል ከተማ ካብ ስቶክሆልም  ኣስታት  520 ኪ’ሜተር ሪሒቓ እትርከብ ከተማ ኣገዳሲ ህዝባዊ ሰሚናር ከም ዝተኻየደ  ካብ’ቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ የነጽር።

እቲ ህዝባዊ  ሰሚናር፡ ሃገራዊ ጉዳያት ኣልዒሉ ካብ ዝዘተየሎም አርእስትታት፡ ሃለዋት ውድብ ግሃዳኤ-ሕድሪ ብፍላይ፡ ምንቕስቓሳት ደንበ ተቓውሞ ድማ ብሓፈሻ ዘሎ ህሉው ኵነታት ብዝርዝር ምግላጹ ካብቲ ኦታ ዝመጸና ዜና ይሕብር።

 

እዚ ኣገዳሲ ሰሚናር 95% መንእሰያት ዘኤንገደ ኮይኑ ብናይ ኤውሮጳ ናይ ውደባን ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ሓላፊ ብ/ፍስሓጽዮን ገብረ (ወዲ ገብረ) ዝተመርሔ እዩ ኔሩ።

 

እዞም መንእሰያት ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ውሑድ ዓመታት ነቲ ኣስካሕካሒ ዝኾነ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራውያን ህይወት ዝበልዔ ሰሃራን ባሕርን ሰጊሮም ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ተዓቝቦም ዝነብሩ፡ መጻኢት ኤርትራ ካብኣቶም  እንታይ ከም ትጽበ ዝርድኡ፡ ግን ከኣ ነቲ ብጽሒቶም ከም ዜጋታት፡ በየናይ ይበጽሕዎ መሰላልን ንቕሓትን ዘድልዮም ምዃኑ ሰሚናር ይመርሕ ምስ ዝነበረ ብ/ፍስሃጽዮን ገብረ ብግሉጽ ናይ እንካን ሃባን ተረድኦታት ሰፊኑ ምንባሩን፡ ናይ ሰሚናር ተኻፈልቲ ውን አዝዮም ምሱጣት ምንባሮምን ወሃብ ቃል አስሚሩሉ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

31 / ነሓሰ / 2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ- ሕድሪ ዞና ኤውሮጳ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *