ቃል ሓዘን
ብጻይና ገዲም ተቓላሳይ እስማዒል ሱለማን ኣሕመዲን ኣብ መበል 62 ዕድሚኡ ብዕለት 29 ነሓሰ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ኑርንበርግ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና። ብጻይ እስማዒል ኣሕመዲን ለዋህ፡ መትከላዊ፡ ውፉይ፡ ዝተዋህቦ ዕማም ብግሉጽነት ኣብ መዕለቢኡ ዘብጽሕን፡ ናይ እንካን ሃባን ተውህቦ ዝነበሮ አዝዩ ፍቱውን ክቡርን ዝነበረ ብጻይ እዩ። አብ ኩሉ ንጥፈታት ውድብ ብሓፈሻ አብቲ ደሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰያት አብ ሃገረ ጀርመን ዝነበሮ ልሉይ
ዓስተዋጽኦ ብፈተውቱን ብጾቱን ንዘለ ኣለም ክዝከር ዝነብር ክቡር ብጻይ እዩ።

ጠቅላላ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪ ናይ ክቡር ብጻይና እስማዒል ሱለማን ኣሕመዲን ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ እቲ ኹሉ ዘይሰኣኖ ኣምላኽ ንተቓላሳይ ብጻይና እስማዒል ኣሕመዲን ኣብ መንግሰተ ሰማያዩ ክቅበሎ፡ ንክቡራት ተቓለስቲ ስድራቤቱን ብጾቱን ከኣ ጽንዓት ክህቦም እንዳተተምነና ናይዚ መሪር ሓዘን ተካፈልቲ ምኻና ንገልጽ።
ድሕንት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
04/09/ 2016
ግንባር ሃገርዊ ድሕነት ኤርትራ- ሕድሪ ዞና አውሮጳ