
ባይቶ? ናይ መን? ብመን ዝተመረቐ ባይቶ?
ምስ ዝብኢ እናተዋጋእና?… ውኻርያ ከይተዘንግዓና ንጠንቀቅ ዝበሎ ቻይናዊ ማኦ-ተሶንግ ምስ እዛ ዘመሓላልፋ ዘለኹ መልእኽቲ ክዝክራ ዘደረኸኒ፡ ኩነታትና ብዓለመለኻዊ ኣፍልጦ ኣብ ዝተጨማለቐ ሕስመት ከምዘሎ ንማንም ኩዉል ኣይኮነን እሞ፡ ናብዚ ዘብጽሓናኸ እንታይ ኢልና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ክንመራመረሉ ግቡእን ቅጡዕን መልሲ ክንህበሉ ናይ ግድን እዩ።
ህ.ግ.ደ.ፍ. ሞይቱ ኢዩ… ቀብሩ ዝጽበ ሙዃኑ ኸኣ ዝዝንግዖ ወይ ዝጠራጠር ኣሎ ክብል ኣይደፍርን፡
እንታይ ድኣ?
እቲ ከም ህሉው ገይሩ ዘዋስእ ዘሎ ብዘይ ቃልዓለም ክንገር ዘለዎ ጎተተ.. ሃውተተ ደምበ ተቓውሞ ምዃኑ ክእመን ዘለዎ ኾይኑ.. እቲ ኣብ ጎተተ.. ሃውተተ ዘእትዎ ዘሎ ንህ.ግ.ደ.ፍሲ ንቃወሞ ብኸመይከ ንዓልዎ ዝብል ሕቶ ኣብ ክንዲ ምምላሽ ክሳዕ ሕጂ ዝተራእየ… ብኸመይ ንትከኦ… ኮረሻኡ ንውጠሖ ዝብል ዕንክሊሎ ሕልሚ ስለ ዝጎብለለ ኾይኑ ክሳዕ ብስርዓት ኢትዮጵያ ተዓሊዉ ኣብ ቦታኡ ዝሓኹሩ ሓለምቲ ከይተረፈ ከምዘለዉ ሎሚ እናበረሄ ከይዱ እሞ… እቶም ሓለምቲ፡ ጽባሕከ? ንናይ መን ረብሓ ኣርወይቲ?
እስኪ ድሕር ኢልና መዝገብ ታሪኽ ንገንጽል?
ወታሃደራዊ ረጽሚ ገድልና ኣብ ዓለም ካብቲ ዝነወሔ ዕድመ ምድማይ ዘሕለፈ ሙዃኑ ኩልና ንፈልጦ እሞ ስለምንታይን እንታይ ስለ ዘጓነፎን ተወኪስና ክንሓትት ክንተሓታተት መልሲ ክንህብ ይግባእ።
ኤርትራ ሃገርና!!
ከም ሃገር ንኸይትህልው ዝተጻዕረ ጻዕርታት ብዙሕ እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኤርትራ ሃገር ዘስረተ ዘመስረተ ህዝቢ ብጥምረት ተወሃሂዱ ተኣናጊዱ ዝነብር ህዝቢ ስለ ዝነበረ ንእቶም ፈላሊኻ ግዛእ! ርገጽ ዝዓለሙ ንዓላማታቶም ዕንቅፋት ስለ ዝፈጥረሎም ነቲ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ ሓደ ባህጊ ቅሳነት ዘጠቓለለ ርጥበት ብኣሎ ዝበሃል ርኹስ መሳርያታት መኪቶም እዮም።
ንኣብነት፡
ኣብ ምሕንጻጽን ምንጻፍን ሃገር ህዝቢ ኤርትራ ዝወዓለ ከም ሓያለ መንግስቲ ኮይኑ መግዛእቱ ዘትከለ… ኢምባራጦሪያ ጣልያን ንእቲ ዝተመባጸዖ ምዕባለ ኣወጊኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝጀመሮ ፈተነ ብታሪኽ ዝዝከር… ቫበነ! ባህታ… ባህታ ሰገነይቲ .. ኣቢሉ ንኣውያቱ ዘስመዖ ጽፍዒት ክድፈር ካብ ጀመርኩ? ዓላማይ ተዓንቀፍኩ! ኮይኑዎ ዕስክርና ብምምሃዝ ኣብ ዝደለዮ ወፈራ ዘዋፈሮም ኣቦታት ንሶም ምስ ወፈሩ… ጽርግያ ክሰርሑዶ? ዓዲ ክሕልዉ.. ከብቲ ከጓስዩ ብዝብል ምስምሳት ካብ ስግረዶብ ኣራርዩ ናብ መሬት ኤርትራ ብምትእትታው ንእተን ሰባኡተን ናብ ወፍሪ ውግእ ከይዶም ዝተሰውኡ እሞ ዝሓየማ ኣብ ዳግማይ ሓዳር ብንምእታው ንምትሕንፋጽ ዝዓለመ ሙዃኑ ይዝከር።
ትሕት ኢለ ክሕብረኩም ኢየ ድኣ እምበር እዚ ዓላማ እዚ ስምን ኣገባብን ለዊጡ ኣብ ዘበነ በዓል ሃይለ ስላሴ ንሕና እውን ዘርከብናሉ ኩነት ኣሎ።
ዋናታት እዚ ሎሚ ብኣመሪካ ዝፍለጥ ብረድ ኢንዲያንስ ዝዝከሩ ብኸመይ ጠፊኦም ሎሚ ኣብ ፍቖዶ በዓትታት ተሓቢኦም? ኢልና ኣብ ንሓትተሉ፡ እቶም ወረርቲ ካብ ብዙሕ ዓለማት ዝኣተዉ ብምትሕንፋጽ ይኹን ብምፍርራይ ነቶም ጽሩያት ረድ ኢንዲያንስ ስለ ዝዓብለልዎም ክሳዕ እዞም ሎሚ ብ ኣፍሮ ኣመሪካን (ጸለምቲ ኣመሪካውያን) ካብ ኣፍሪቃ ብሰንሰለት ኣሲሮም ኣብቲ ዝተወረረ መሬት (ሎሚ ኣመሪካ) ከም ኣገልገልቲ በራዩ ገይሮም ሃገር ዘተሃነጽዎም ቀስ ብቐስ እቶም ወለዶታቶም መምጻኢኦም ተፈጥሮኣዊ ባህሊ ልምዶም ምርሳዕ ጥራሕ ዘይኮነ ተሰሪዙ ኣብ ኣእምሮታቶም ከምዘይሰፍር ገይሮሞም እነሆ ሎሚ ኣብ ክንዲ ብኣፍሪቃውነቶም…ብዝተለገሰሎም ኣመሪካውነት ተሓቢኖም ዝነብሩ ጥራይ ዘይኮነ… እቶም ገዛእቶም ብዘዋፈርዎም ክሳዕ ንመስዋእቲ ከም ዝውፈዩ ኣብቂዖሞም ኣለዉ።
እቶም ቀዳሞት ሰብ መሬት ረድ ኢንዲያንስከ? ኣበይ ኣለዉ?እንታይ ድሃዮም?
ክቡራትን ክቡራንን
ነዚ ሎል ኢለ ጠቒሰዮ ዘለኹ ገለጻ ጀሚረ ድኣ እምበር ኣብ ክሳዕ ዘሎናዮ እዋን ክመላልሰኩም ስለ ዝኾንኩ ኣብ እትስዕብ ክፋል ክሳዕ ንራኸብ
ሰናይ ቅነ
ይቕጽል