ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI 2ይን ናይ መወዳእታ ክፋል

Father

እዚ ዕላል ምስ ፋዘር!!! ክቡራት ተኸታተልቲ እዛ ቃለ መሕትት ምስ ፋዘር ብምኽንያት ስራሕን ቴክኒካዊ ጸገማትን ንልዕሊ 2 ሰሙን ተደናጉያ ትዝርጋሕ ምህላዋ ይቕረታ እንዳሓተትኩ፡ ንገለ ነጥብታት ናይ ቀዳማይ ክፋል ብምዝኽኻር እንሀት እታ 2ይቲ ክፋል ይዝርግሓ፡፡ ፠ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዕረፍቲ ዝህብ ብዘይ ምዃኑ ብዛዕባ ዕርፍቲ ሓሲበ ኣይፈልጥን፡፡ ፠ ኣብ እንገብሮ ዘለና ቃልሲ ካብ ካልኦት ውድባት ተፈሊና ብኣዝዩ ዝጸፈፈን ዝሓሸን መገዲ ንጎዓዝ ኣሎና ኢለ ክጀሃር ኣይደልን፡፡ ፠ ከም መንእሰይ ኤርትራ ጌሩ ኣብ ዓለም ሙሉእ ዝተወጸዐ ምንእሰይ ዘሎ ከይኑ ኣይስመዓንን ኢዩ፡ ውድባት ኤርትራ ከኣ ነዚ ሳላ ሕመቕ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስደት ዝነብር ዘሎ መንእሰይ ወለዶና ዛጊት ብጎቦ ዓይንን ኢየን ዝርእየኦ ዘለዋ፡ እዚ ምዃን ተሪፉ ግን ውድባት ኤርትራ መንእሰይ ናይ ምሕቋፍ ባህሪን ልምድን ከጥርያ ኣለወን፡፡ ፠ ቅድሙ ድሑሩ ዘለናዮን ዝነበርናዮን ታሪኽና ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመግዛእቲ እሺ ኢሉ ተንበርኪኹ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡

ሰናይ ንባብ ናብ ካልኣይ ክፋል ከስግረኩም ክቡራት ኣንበብቲ

ፋዘር ብየማናይ ወገን እዚ ስእሊ 1ይ ዘሎ ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ፖለቲካውያን ይኹና ሃገራውያን ሲቪክ ማሕራት ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ከተማታት ተመስሪተን ይንቃሳቀሳ ኔረን ብኡ መጠን ከኣ ዋጋ እቲ ቃልሲ መስዋእቲ ይኽፈሎ ምንባሩ ብሩህ ኢዩ፡፡ ሎሚ’ውን እንተኾነ እቲ መግዛእቲ መልክዑ ደኣ ቀይሩ እምበር ከምኡ እዩ ዘሎ፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ግን ካብ ስደት ነቂሉ ኢዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ፡ ነዚ ሓሊፉ ናብ ውሽጢ ሊሒኹ ክኣቱʼውን ኣይከኣለንʼሞ ነዚ ሕጽረት ብኸመይ ክምላእ ኣለዎ ትብለና?

 

ፋዘር፦ ሓቂ ኢዩ እዚ ህዝቢ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ክሰጋገር ድሕሪ ምጽናሕ ነብሱ ኪኢሉ ወናኒ ናጽነቱን ሓርነቱን ንኽኸውን ዝገበሮ ቃልስን ዝኸፈሎ መስዋእትንʼውን ብሽም ናጽነት ሽሙ ቀይሩ ኣብ ከቢድ ኩሉ መዳያዊ ሕሰምን ውርደትን ኣእቲይዎ ምህላዉ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝፈልጦ ኢዩ፡፡ ከም እዚ ኢሉ እንከሎ ግን ዛጊት ኣብ ውሽጢ ሃገር ሙሉእ ስርርዕ ዝተገብረሉ ቃልሲ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና እንተ ደኣ ሃሊዩ ከኣ ብኣዝዩ ዉሱንን ጭልምልም ዝብል ምንቅስቓስን ኢዩ ክኸውን ዝኽእል ምኽንያቱ፡ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ስድራቤታቱ ከይተረፈ ብምእታው ሕድሕዱ ከምዘይተኣማመን ጌሩ ከፋፊሉ ሒዝዎ ብምህላዉ’ሞ እቲ ህዝቢ ከኣ ነዚ ስለዝፈልጥ ተኣማሚኑ ኣብ ጉዳዩ ክዝቲ ኣይከኣለን ዘሎ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ሓያል ናይ ምጽንጻን መኣዱ ኣእቲይዋ ብምህላዉ ኢዩ፤ ካልእ እቲ ሕሱም ኣተሓሕዛ ሓሳብካ ብምግላጽ፡ ይኹን ሕቶ ብምቕራብ ዝስዕብ ጨካን ኣተሓሕዛ ቤት ማእሰርትን መግረፍትን፡ ንህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገር ውዳቤታቱ ንኸየሐይል ዓቢ ዕንቅፋት ኮይኑዎ ይርከብ፡፡ ምስ ናይ ግዜ ሰውራ ዝተሓሓዝ ሃለዋት ኣይኮነን ዘሎ እቲ ኣተሃላልዋ፡ ኣብ እዋን ሰውራ ፈዳይን እንዳኣሰጋገርና ይኹን ሓበሬታታት እንዳተቓባበልና ኣብ ሓደጋ ንኣቱ ኔርና ኢና፡ ንባዕሉ እቲ ናይሽዑ ግዜ ኣተሓሕዛʼውን በብመድረኻቱ ዝተፈላለየʼዩ ኔሩ፤ ማለተይ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ ዝነበረ ኣተሓሕዛ በዚ ጉዳይን ኣብ ግዜ ደርግን ኣዝዩ ዝተፈለየʼዩ ኔሩ፡ ኣብ ርእሲኡ እቲ ሃዋህው ኣንጻር ባዕዳውን ገዛእቲ ዝግበር ገድሊ ስለ ዝነበረ ንድሕነት እቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቑ ተቓለስቲ ምስ ዓበይቲ ሰበስልጣናት ምሕዝነት ብምፍጣር ብቓልዕ ብዙሓት ደቂ ሃገር ይዋፈርዎ ኔሮም እዮም፤ በዚ ኣገባብ ከኣ ገሊኦም ጉቦ ሂቦም መገዲ ዘሳልጡ፡ ገሊኦም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ጸኒሖም ብዕርክነት ዝማልዱ፡ ገሊኦም ዓበይቲ ዓዲ ብምዃን ንይገብር እዩ ዝበልዎ ረኺቦም፡ እንታይ ኣፍሊጥዎ ኣጋግየሞ እምበር እንዳበሉ በቲ ሓደ ከኣ ኣብ እዋን ስልጣንካ ሰብ ብእሱር እንተማሰነ እንታይ ትረክብ የግዳስ ኣይትድገም ኢልካ ብምምዓድ እንተመሓርካ ፈታዊ ተብዝሕ ሰላምʼውን ትነብር እንዳበሉ ማዕዳ ኣምሲሎም ዘጠንቅቑ እንዳተሳተፍዎ እቲ ቃልሲ ፍርኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ የርኢ ኔሩ፡ ካልእ ብዘይምግናን ኩሉ ሓፋሽ ዝዋስኣሉ ቃልሲ ብምንባሩ መገዲ ዓወታቱ ንጹር ኔሩ፤ ህግደፍ ግን እዘን ኣገባበት ይፈልጠን ብምኹዋኑ ነቲ ፈሪሃ እዝጊሄር ምሕዳር እኩዋ ከይተረፈ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ኣወዒልዎ ኢዩ፡፡

እዚ ክብል ከለኹ ግን ዘይርጡብ ኣተሃላልዋ ውድባትʼውን ዛጊት ናብ ውሽጢ ገጹ ከም ዘይጥምት ኮይኑ ኣሎ፡፡ ግን ከኣ ዋላ እኳ ክሳብ ሕጂ ኣይኹን እምበር ክኾነሉ ዘይክእል መገዲ ግን የለን፡ እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎስ ነብሲ ወከፍ ናይ ቃልሲ ውድባት ይኹና ምንቅስቓሳት ኣብ ውሽጣዊ ኩነታተን ተሓላሊኸን ደው ኢለን ምህላወን ኢዩ፤ ብውሽጣዊ ኩነታተን ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ኣብ ዝበጽሓሉ ግን ግድን እቲ መደብ ቃልሰን ናብ ውሽጢ ጎቲቱ ከእትወን ኢዩ፡፡ ስለዚ እዚ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ናብ ውሽጢ ኣትዩ ዝረአ ስራሕ ንኽሰርሕ፡ መጀመርታ ዘለዎ ሕድ-ሕድ ብሉጽ ጎድንታቱ ከወሃህድ ኣለዎ፤ ዘለዎ ሕጽረታት ከኣ ብግቡእ ክግምግምን ክዝትየሉን ኣለዎ፡ ሕድ-ሕዱ ናይ ምቅርራብ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ፡ ካብኡ ንጹህ ናይ ምቅርራብ ደረጅኡ ናብ ብሉጽ ስራሕ ንምስራሕ ከብጽሖ ዘይክእለሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እዩ፤ ብኡ መሰረት እምበኣር እቲ ኣብ ውሽጢ ዘተኣማምን ናይ ቃልሲ መንቀሳቐሲ ባይታ ክፈጥርን ናብ ዓወት ከብጽሖ ይኽልን ዝብል ሪኢቶʼዩ ዘሎኒ፡ ካብ’ዚ ሓሊፉ ተሪፉ ግን እዚ ብተናጸል ክኸይድ ዝጸንሐ ቃልሲ ቅልጡፍ ዓወት ከምጽእ ኣይክእልን ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዘይምትእምማንን ንዝመጽእ ለውጢ ናይ ዘይምቕባል መንፈስ ዝሳዕረሮ ህልኽን ከኸትል’ውን ይኽእል ኢዩ፡፡

ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ጠንቂ ምኽንያት ስደትና ከም ህዝቢ ዝተረደኣናን ዝፈለጥናዮን ኮይኑʼዶ ይስምዓካ ዋላስ ገና ዘይተረደኣና ኣባላት ሕብረተ-ሰብ ኣለና ትብል?

ፋዘር፦ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ከም ህዝቢ ጠንቂ ስደትና ኣጸቢቑ ተረዲኡናን ፈረቓን ኣሎ በሃላይ ኢየ፡፡ እዚ ክብለካ ነቲ ስደትና ምኽኒትን ጓልመገድን ዘብዝሕሉ ግን ኣለዉ፡፡ ገለ ክኣ ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም ብምስዳዶምን ካብ ኣብ ስደት ዝነብሩ ዜጋታት ዝተወልዱ ብምዃኖምን ከም እቲ ዘድሊ ጌሩ ዘይክርድኦም ይኽእል ወይ ውን ጠቕላላ ዘይፈልጡ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡፡ እዚ ግን ብሕብረተ-ሰብ ደረጃ ክትጽብጽቦ ከለኻ ብኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ ስለ ዝንበብ ብዙሕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ብዙሕ ሰብ ኣሎ ዘይተረድኦ ኢልካ ትሻቕለሉ ኣይኮነን፡፡ ኣብ እዚ ሎሚ ግዜ ዘጽቀጠ እንምበር ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይኹ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ወጽዓ ከም ዘለዎ ዘይተረደኦ የለን ኢለካ ክዝረብ የድፍር ኢዩ፡፡ ወጽዕኡ ፈሊጡ ይስደድ ኣሎ፡ ክንዲ ዝኾነ እዩ ክኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብግልጺ ብዝሒ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን ብፍላይ መንእሰያት እንዳሰሰኑ ብምምጻእ ንወጽዐኦም ዝዝትዩሉ ብማሕበራት፤ ብምንቅስቓሳትን ብውድባትን እንዳተጠርነፉ ዝኸዱ ዘለዉ፡፡

ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ኣብ 6 ዓበይቲ መዕቆቢ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ 70‚000- 100‚000 ዜጋታትና ተዓቑቦም ምህላዎም ይግለጽ ኢዩ፤ እዚ ብጀካ እቶም ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ኢትዮጵያ ተበታቲኖም ዝነብሩ ዘለዉን ብኡ መጠን ከኣ ኣብ ዓለም ሙሉእ ተዘርዮም ዘለዉን ምዃኖም ኢዩ፡ ዳርጋ ብሙሉኡ ከኣ ብኢሰ-ብኣዊ ኣተሓሕዛ ህግደፍ ዝበርገገ ኢዩ፡፡ ነዚ ከም እዚ ዝበለ ሞራላዊ ማህሰይቲ ዝወረዶ ህዝቢ ብኸመይ ደረጃ ኢዩ፣ ናብ ውንኡ መሊስካ ንመሰሉ ክቃለስ ከም ዝግብኦ ንምትሕስሳብ ክሕገዝ ዘለዎ ትብል?

ፋዘር፦ ነዚ ስደትና ስም ሲኢናሉ ኢና ይመስለኒ ስደት ንብሎ ዘለና ከም ሓደ ኩነታት ናብራ ንምትህድዳእ ዝግበር ተራ ምስዳድ፡ ናይ ናብራ ስደት ቀደም’ውን ካብ ውሽጢ ሃገርና ከይወጻእና በረኸት ሃገርና ንዓና እኹል ብምዃኑ፡ ወለድና ኣብ ደጋ ክራማት ዊሒዱ ርቕቕ ክብሎም ከሎ እቶት ቀውዒ ናብ ወይ-ናደጋ ወይ ቆላ፡ እቶም ሰብ ቆላ ወይ ወይና-ደጋ ክራማት ርቕቕ ክበሎም ከሎ ከኣ ናብ ዝሓሸ ዝበልዎ ካብ ናብ ቦታታት እንዳ ተሰጋገሩ ኣብ ሕሰሞም እንዳተረዳድኡን እንዳተ ተሓናገሩን ይሰግሩዎ ኔሮም እዮም፡፡ እቲ ኣዝዩ ርሑቕ ዝበሃል ስደት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝግበር ስደት ኢዩ ዝነበረ፡ እዚ ውን ብዙሕ ሻቕሎት፡ ብዙሕ ምንፍፋቕን ይረኣዮ ኔሩ፡፡ ከም እዚ ናይ ሎሚ ብዝወጻእካዮ ሽታ ማይ ትኾነሉ ስደት ኣይነበረን፡ ብዉሑዱ ኣብ ዓመት-ዓመት ዓድኻ ዘየርግጽ ስደት ህዝቢ ኤርትራ ብታሪኹ ተሰዲዱ ኣይፈልጥን ኢዩ፡፡ እዚ ናይሎሚ ስደት ግን ካብ ክሊ ሕሰም ግዝኣት ህግደፍ የውጽኣኒ እምበር ናብ ዝኾነ ይኹን እንዳተባህለ ህዝብኻን ሃገርካን ጠንጢንካ ምውጻእ ከይኣክል፡ እንከላይ ብናይ ሞራልን ብናይ ሕልናን ምስዳድ ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ ሳዕቤኑ ኣዝዩ መሪር ክኸውን ኢዩ፡፡ ነዚ በብዝኸድካዮ ተበታቲንካ ናይምትራፍ ሳዕቤን ንምክልኻልን ከም እቲ ዝበልካዮ ነዚ ብሞራልን ብሕልናን እውን ተሰዲዱ ዝርከብ ህዝቢ፣ ዓድኻ’ዩ-ዓድኻ ነዛ መወዳድርቲ ኣልቦ ክብርቲ ሂወት ናይ ትፈትዎም ስድራኻ፡ ኣሕዋትካ፡ ኣዕሩኽካን መተዓብይትኻን ዝተበጀዉላ ክብረትካ ዝኾነት ሃገርካ ገዲፍካ ኣይትግደፋ፡ ንሳ ብዘይብኣኻ ንስኻ ብዘይብኣኣ ክብረት የሎን እሞ ተቓሊስካ ክብርኻ ምለስ ክንብሎን ኣብ ዝኣተዉዎ ቦታ ስደት እንዳኣተና ብመስመር ቃልስና ክንረኽቦም፡ ኣብልዕሊ ዝተሰደደ ሕብረተሰብና ርህራሄ፤ ፍቕሪ፤ ሓልዮት፤ ብምርኣይ ኣዚና ክንጽግዖምን ናይ ስደት ስቓዮም ተኻፈልቲ ክንከውንን ምስ እንኽእል ባዕሉ እቲ ዝተሰደደ ሕብረተሰብና ተስፋ ብምግባር ክለግበናን ክቐርበናን ምዃኑ ብሩህ ኢዩ፡፡ ስለ’ዚ ብፍላይ ነዚ ኣብ ፈቐድኡ ክፍለ-ዓለማት ተበታቲኑ ዘሎ መንእሰይ ወለዶና፡ እቶም መንቋሕቋሕታ ዘለዎም ገዳይም ተቓለስቲ ኣዝዮም ክለግብዎን ሞራል ክህብዎን ምስዝኽእሉ፣ መንእሰያዊ ወለዶና ተባዕ ስጉምቲ ብምውሳድ ንጸረ- ወጽዕኡ ብግልጺ ክቃለስ ዘይክእለሉ ምኽንት የለን በሃላይ ኢየ፡፡

ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ብዙሕ ሰብ ናብ ቃልሲ ክጽንበር ምስእንሓቶ ንረኽቦ መልሲ፡ ምተቓለስና እንታይ እሞ ውድባት ኤርትራ ንሓድ-ሕደን ምስምማዕ ተሪፉወን ከም ኣሜባ እንዳተራብሓ ሓንቲ ዝነበረት ክልተ እንዳኾና ይኸዳ ምስ መን ኮይና ክንቃለስ፡ ዝብል መልሲ ብተደጋጋሚ ንረክብ፡ ኣብ እዚ ከም ኣብነት ዝጠቕስዎ ግሃድኤ ብሓድነት ዝቖመ ውድብ፡ መጀመርታ ገለ ካብ እቶም ብሓድነት ዘቖሙዎ ውድባት ሲሒቦም (ተፈልዮም) ድሓር ንባዕሉ እቲ ግሃድኤ ዝበሃል ንነዊሕ ከይሰጎመ ኣብ ክልተ ኮይኑ፡ በዚ ከኣ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝብን ደገፍቲ’ቲ ውድብን ተስፋ ቆሪጾም እዮም ይብሉኻ፡፡ ቀጺሉ’ውን ኣብ መንጎ ግሃድኤን መደፍኤን ዝተኻየደ ሓድነታዊ ጉባኤ ከም እቲ ዝድለ ብዘይ ምስጓሙ ንብዙሓት ኣባላትን ደገፍትን እዘን ክልተ ውድባት ደም ኣንቢዑ ኢዩ፡፡ ምስ እዚ ኣተሓሒዘ ክሓተካ ዝደልዮ እምበኣር፡ ሎሚ’ኸ ግሃድኤ-ሕድሪ እዚ ጸገም እዚ ከየጋጥሞ ዘሰክፍ ኮይኑ’ዶ ይስምዓካ?

ፋዘር፦ እዚ ዝበልካዮ ኣብ እዋኑ ኣጉዋኒፉ ዝነበረ ሓቂ ኢዩ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ ንኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላተን ኣብ ከክንዲ እተን ውድባት ዝተመቐልኦ ነቲ ሓይሊ ሰብ ገሚዕዎ ኢዩ፡፡ እቲ ብሓደ ኢድ ተቓሊሱ ከፍሪ ዝነበሮ ሓይሊ ቃልሲ ተኸፋፊሉ፡ ኮታ ፈጺሙ ንረብሓ ቃልሲ ዘይውዕል ምፍልላይን ምኽፍፋልን ከጓንፍ ጸኒሑ ኢዩ፡፡ እዚ ከኣ ልቢ ኢልና እንተኣስተውዒልናሉ ንዝረኣዩ ሽግራት ኣብ እዋኑ ክትፈትሖም ዘይምኽኣል፡ ኣነ’ዶ ኣነ’ባ ዝብሉ ናይ ስልጣን ቁርቅስ ዘምጽእዎም ሽግራት፡ ብሪኢቶ ምሃብን ሓሳባት ምፍሳስን ዘይምክእኣል፡ ናይ መቓልስቲ ባህሪ ዘይኮኑ ምትእምማን ምስኣንን ብግብሪ ንመትከላት ቃልሲ ክትሰርሓሎም ዘይምኽኣልን ዘምጽእዎም ጸገማት እዮም ዝነበሩ፡፡ ሎሚ ማለት ኣብ ውድብ ግሃድኤ-ሕድሪ ግን እዞም ጸገማት ኣብ ዝቀላቐልሉ ንምእላዮም ርኡይ ጸዕሪ ኢዩ ዝግበር፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሓሸ ሜላ ኣቀላልሳ ኢና ንጥቀም ዘሎና፡ ክዕንቅፈና ዝኽእል ውሽጣዊ ተርእዮታት ምስዝቀላቐል ኣብ ግዝይኡ ንምርኣይን መዕለቢ ንምግባርን’ውን ኮፍ ኢልና ብግልጺ ብምዝታይ ንፈትሖም ኢና፡፡ በዚ መሰረት ናይ ምፍንጫል ሓደጋ ይኹን ብሓባር ንኽትሰርሕ ዝኽልክል ጸገማት ኣብ እዚ ውድብ ደጊሙ ኣይክርአን ኢዩ፡፡ እኳደኣ እቶም ዝሓለፉ ጸገማት ምኽንያት መፈላለዪ ክኾኑ ዝኽሉ ከም ዘይነበሩ ኢና ነስምረሎም፡፡ ካብኦም ዝተማሃርናዮ ግን ዓቢ ኢዩ፡፡

ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ እዚ ኣብ ዕድመ ሽምግልና ዝርከብ ተቓላሳይ ፋዘር፡ ንግዜ ንእስነቱ ብምንፋቕ፣ ዓሕ መንእሰይ እንተዝህሉስ እዚ ምገበርኩ፡ ሽማግለ ብምዃነይ እዚኣ ንምትግባር ኣጸጊማትኒ ኢሉ ዘስተንትነሉ ግዜ ኣሎ’ዶ?

ፋዘር፦ ዝተፈላለየ ናይ ዕድመ ደረጃ እንቋዕ ሃለወ ንኹሎም እቶም ብልጫታትን ክብርታትን ዕድመ ምእንቲ ክንጥዕሞም ( ስሓቕ ) ናይ ኣምላኽ ጸጋ ኢዩ ተፈጥሮኣዊ ትዕድልቲ፡ ኣነ ነዚ ትዕድልቲ’ዚ በቒዐ ኣለኹ፡ ሓቂ እዩ ካብ ምምስራት ሓራካ ጀሚረ እኳ ኣብ ቃልሲ እንተሃለኹ ብኹሉ እቲ ዝሰገርኩዎ ናይ ቃልሲ ሂወት፡ ዕጉብ ኢየ፡፡ ኣብ ኩሉ ናይ ቃልሲ ግዜይ እቲ ዝኽእሎ እንዳኣወፈኹ ኢየ መጺኤ፡ ቃልሲ እውን ተማላሊእካ ኢዩ፡ ካብ እቲ ሓደ ዝተርፍ ኣነ ይምልኦ ካባይ ዝተርፍ እቲ ሓደ መቓልስተይ ይምልኦ፡፡ ቃልሲ በብዓቕምኻ ብምብርካት ኢዩ ዝምዘን እኩብ ድምር ጻዕሪ ከኣ የዐውቶ፡፡ ደጊም ከኣ ብፉሉይ እቲ ብመንእሰይ ላዕሊ-ታሕቲ እንዳተባህለን እንባን ኩርባን እንዳተነጠረን ዝዕመም ስራሕ ደቅና እንዳ ተጸንበርዎን እንዳ ኣሐየልዎን ይመጹ ስለ ዘለዉ፡ ብዙሕ ዘሰክፍ የብለይን፡፡ ምናልባት እዚ ቃልሲ ብዘይ ተረካብን ኣረካብን ኣብ ሓዲግ ተሪፉ ኔሩ እንተዝኸውን እዚ ዝበልካዮ ስሚዒት ምሃለወ ይመስለኒ ሕጂ ግን ድሓን ዝኾነ ምውርራስ ናይ ቃልሲ ይርአ ኣሎ ኢለ ስለ ዝኣምን ስክፍታይ ይኹን ሻቕሎት የብለይን፡፡

ተጋ/ሰራዊት ሕድሪ፦ ፋዘር ስለ’ቲ ምቕልሉን ግልጽን ዝኾነ ኣቀራርባኻ፡ ስለ እቲ ዝሃብካና ምዕዶ፡ ምትብባዕ፡ ፍናንን ምክፋል ተመኩሮኻ ኣብ ናይ ቃልሲ ዕድመኻን ብስም ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብፍላይ ብስም ሰራዊት ሕድሪ የቐንየልና እብለካ፡፡

ፋዘር፦ ኣነ ውን የቐንየለይ በዚ መስመር ሓሳበይ ከካፍል ይኹን ሪኢቶይ ክህብ ስለ ዝተወከስካኒ፡፡

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!!

ነሓሰ 14/ 2016

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *