ERITREAN NATIONAL SALVATION FRONT – HIDRI

ንኡስ ጨንፈር ግሃድኤ-ሕድሪ ሆላንድ ኣኺብኡ ዛዚሙ

ንኡስ ጨንፈር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ሆላንድ ብዕለት 07. 08. 2016 ኣብ ከተማ ሮተርዳም ኣኼብኡ ከምዘካየደ ካብቲ ከተማ ዝተላእከልና ርጡብ ሓበሬታ የነጽር። ንኡስ ጨንፈር ሆላንድ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሆላንድ ዝነብሩ ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ፡ ነበርቲ አባላት ውድብን ሓደስትን ዝተኻፈልዎ ሰፊሕ ኣኼባ ምንባሩ ውሃብ ቃል ወሲኹ ይሕብር።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ዝብል መሪሕ ስነ-ሓሳብ ምርኩስ ብምግባር፡ በዚ ብውልቀ መላኪ ኢሳያስ ዝምራሕ ጉጅለ ንህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ምዓት ክንናገፍ እንትኮይኑ እንኮ ምርጫ ዘሎ ተወዲብካ በቲ ንሱ ክሰምዖ ዝኽእል ቋንቋ ምስ ትገጥሞ እዩ ንዝብል አምር ተቐኒቱ ንምዕዋቱ ብዝከኣሎ ኣበርክቶኡ ከደንፍዕ ቃል ይኣቱ፡ ወሲኹ፡ ነቲ ብመንእሰያትን ገዳይም ተጋደልትን ዝቆመ፡ ክብርቲ ሂወቱ ዝወፊ ዘሎ ሰራዊት ሕድሪ ዘድልዮ ናይ ቃልሲ ጠለባት ንምምላእ ዝከኣሎ ከበርክት ቅሩብ ምኳኑ፡ ከም ኡ ውን ኣብ እዚ መርገጺ ዝኣምኑ ዜጋታት ብፍላይ መንእሰያት ነዚ ዘሎ ስርርዕ ኣወዳድባ ክጽንበርዎን፡ ኣበርክትኦም ከሐይልሉን ጸዋዒቱ ብምቅራብ ንንኡስ ጨንፈሩ ዝመርሕዎ ኣካላት ምስ ተጠባበቅቶም ብምምራጽ አዝዩ ምውህሃድ ብዝዓሰሎ ኣኼባ ምስልሳሉ ወኪል ክፍሊ ዜና ግሃድኤ ሕድሪ ካብቲ ቦታ የረጋግጽ።

 

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!

08.08.2016 ግሃድኤ-ሕድሪ ክፍሊ ዜናን ባህልን ኤውሮጳ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *