ግሃድኤ – ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን ብ6 ነሓሰ 2016 ጨንፈራዊ ኣኼባኦም ኣሰላሲሎም።
ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ጨንፈር ጀርመን ብ6 ነሓሰ 2016 ጨንፈራዊ ኣኼባኦም ኣሰላሲሎም። ኣባላት ጨንፈር ንዝቐረበሎም ኩነታት ውድብን ኣተሃላልዋ ደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋሞም ነቲ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ዝወሰዶ ስጉምቲ ኣወንታዊ መፍትሒ ምዃኑ ተቐቢሎሞ። ከምኡውን ብጻይ በርሀ ተኽልዝጊ ወኪል አሰናዳኢ ጉባኤ ኣብ ኤውሮጳ ሒዝዎ ዝቐረበ ጸብጻብ ሓደ ብሓደ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ንጉባኤ ዝምልከት ጨንፈር ጀርመን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ኣድላይ ዘበለ ምድላዋት ክሰርሑ ምዃኖም ብዕግበት ተቐቢሎሞ።

ብተወሳኺ መንእሰይ ተካኢ ወሎዶ ከም ምዃኑ መጠን ኣብ መንጎ ነባር ኣመራረሓ ደምበ ተቓውሞን ተካኢ ወሎደ ዘሎ ጋግ ክዕበስ እንተኾይኑን ፍጹም መሰረታዊ ለውጢ ክረጋገጽን ነዚ ዘሎ መስርሕ ደምበ ተቓውሞ ተረካቢ ሕድሪ ብጭርሖ ተነጊሩ ዝሕለፍ ጥራይ ዘይኮነስ ብግብሪ ሓይሊ መንእሰይ ክርከቦ ኣለዎ ዝብል ንጹር መርገጽ ነይሩዎ። ብፍላይ ድማ ነቲ ዝጽበየና ዘሎ ጉባኤ ውድብና ማለት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ተሳትፎ ሓይሊ መንእሰይ ኣብ ምትካእ ንዝህልዎ ባይታ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ኣኼባ ኣባላት ጨንፈር ጽኑዕ መትከላዊ እምነቶም ምዃኑ ኣንቢሮሙሉ። ነዚ ክውን ንምግባር ድማ ኣኼባ ጨንፈር ጀርመን ዋላኳ ኣብ ድሮ ጉባኤ እንተሃሎና ብመሰረት ህጹጽን ውሳኔ ኣኼባ ባይቶን ተግባራዊ ንምግባር ንስራሕ እተመዛዛ ኣብያተ ቤት ጽሕፈታት መንእሰያት ንምኩስጓስ ዝከኣለን ንምግባር ኣብዚ ዞናና (ማለት ዞና ኤውሮጳ) ዝከኣል ዘበለ ጎስጓስ ክግበር ተማሕጺኖም። ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ኣብ ሃገረ ጀርመን ዘሎ ምዕብልናታት ውድብ ድሕሪ ምግምጋም ንዘሎ ሕጽረታት ንምእራምን ዘሎ እወንታዊ ምዕብልናታት ብፍላይ ብጉጅለ ሽቱትጋርትን ከባቢኡን ዝዕመም ዘሎ ውድባዊ ስረሓት፡ ከም ኡ ውን ምስ ኣባላት ስምረት መንእሰያት ዘሎ ምቅርራባትን ናይ ሓባር ስረሓትን ኣብነታዊ ብምዃኑ ብዕምቀት ድሕሪ ምርኣይ ኣሞጊሱን ክድፈኣሉ ክምዝግባእ አስሚሩሉን።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!! ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
10. 08. 2016 ግሃድኤ-ሕድሪ ክፍሊ ዜናን ባህልን ኤውሮጳ