እዚ ጽሑፍ ብሳክቲዝም ናይ ጥፍኣት ስነ ሓሳብ ዝተጻሕፈን ዝተዘርገሓን ካብብቲ ብዙሕ ስዉር ሚስጢራት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኢዩ።by,Micheal Embaye

 

 

ነዚ ሓቀኛን ሚስጢራውን ጽሑፍ ናብ ኩሉ ክበጽሕን ህዝቢ ክፈልጦን ሼር ምግባር ሓላፍነት ኩልና ኢዩ።

ሳክቲዝም ንቕትለት ሳምሶም ወዲ ቀሽን ፍቕረን ከመይ ከመይ ነበረ ኣብ ቀረባ ግዜ ነቲ ሓደገኛ ሚስጢር ናብ ህዝቢ ክዝርግሖ ምኻኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ጽሑፍ ብሳክቲዝም ናይ ጥፍኣት ስነ ሓሳብ ዝተጻሕፈን ዝተዘርገሓን ካብብቲ ብዙሕ ስዉር ሚስጢራት ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኢዩ።

ብሳክትዚም

ብደም ዝዓፍተወ ቤት…
ካልኣይ ክፋል

ሰብ ሸናሒት ኣእዳው

ሎሚ ኣብ ካልኣይ ክፋል ጽሑፈይ ነቶም ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ዘስደምም ግፍዕታት ዝፍጽሙ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝምልከት ክቕጽል፡፡ ‘ዞም ኣባላት ከም መንካዕ ብጸላም ዝንቀሳቐሱ ካብ መላእ ሃገር ደሃዮም ኣጥፊኦም፡ ሓቒቖም፡ ተሰዊሮም…ንዝበሃሉ ኩሎም ዜጋታትና ዘጥፍኡ፡ ናይ ጸልማት ኪኢላታት ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት’ዮም፡፡ ብኢሳይያስ ዝተውሃቦም መጸዊዒ ፍለይቲ ጉጅለ ምክትታል (Special Surveillance team) ዝብል ኮይኑ ብብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ከኣ ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን እዩ፡፡ ብቐሊል ኣገላልጻ ዝኾነ ኤርትራዊ “ኣቦይ፡ ሓወይ፡ ዓርከይ…ብለይቲ ተወሲዱ፡ ካብ ዝወፈሮ ተጨዊዩ፡ ደሃዩ ኣጥፊኡ” እንተደኣ ኢሉ እዚ ጉዳይ ብዘይ ጥርጥር በዞም መንካዓት ዝተገብረ ውዲት’ዩ፡፡ ብተወሳኺ ማስኬራ ተወዲኡ፡ ናብ ዘይፈልጦ ገዛ ተወሲዱ፡ ከቢድ መርመራ ዝካየደሉ ዜጋ በዞም መንካዓት ዝፍጸም’ዩ፡፡ ዝኾነ ዜጋ ሰሌዳ ብዘይብለን መካይን ካብ ማእከል ዓድታት ተጨውዩ ደሃዩ ዘጥፍአ ቤተሰብ እንተደኣሃሊዩዎ እቲ ፍጻመ በዞም ሎሚ መንነቶም ዝቐልዖም ኣባለት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ዝተፈጸመ’ዩ፡፡

ኢሳይያስ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ካብቶም ብደቂቕ ዝኣልሞም ተንኮላት ሓደ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ውዳበ ካልእ ስውር ውዳበ ምፍጣር’ዩ፡፡ ንመብዛሕትና ዜጋታት ዲሒሩ ዝተገሃደ፡ ህላወ ስውር ሰልፊ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ኣብ እንዳ 72 ከኣ ከም በዓል ጴጥሮስ ሰሎሞን ዝኣመሰሉ መራሕቲ ዘይፈልጥዎም ብቀጥታ ዝእዝዞም ስውራት ኣባላት፡ ጉጅለታት ዓፈናን ቅንጸላን ኔሮምዎ፡፡ ብትእዛዝ ኢሳይያስ፡ ምኽንያት እንዳተደለየ በዞም ኣባላት ዓፈናን ቅንጸላን ኣብ ወጻእን ኣብ ሜዳን ዝጠፍኡ ዜጋታት ታሪኽ ክጸባጸቦም’ዩ፡፡ ብርግጽ ኩሉ ዝውሰድ ስጉምታት “ዘይምኹኑይ” ኔሩ ንምባል ዋላ ከቢድ እንተኾነ ብተንኮላት ኢሳይያስን ሒደት ሓለፍትን ብምህዞን ጠቐነን ዝተቐንጸሉ ብዙሓት ዜጋታት ኔሮም፡፡ መብዛሕትኦም ብኢሳይያስ ተኣዚዞም ኣብ ስውር ተግባራት ዝዋስኡ ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ገሊኦም ኣብ ደገ፡ ገለኢም ደስኪሎም ብርክት ዝበሉ ከኣ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ፖሊስን ኣለው፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ቤ/ጽሕፈት ፕረሲደንትን ገለ ቤ/ጽሕፈታትን ተመዲቦም ማዕረ ንጀነረላትን ሚኒስተራትን ዘጉባዕብዑ፡ ሓንቲ ቁጽሪ ቴሌፎን ጠዊቖም ከም ድላዮም ክእዝዙ ዝኽእሉ፡ ኣባላት ኣብ ሜዳ ኣብ ትሕቲ ስውር ውዳበታት ዝነበሩ’ዮም፡፡

ድሕሪ ናጽነት ካብ ውሽጣዊ ጉዳያት ጀሚሩ ክሳብ ምቋም ወኪል ሃገራዊ ድሕነት፡ መቐጸልታ ናይ ሜዳ ክፋእ ተግባራት ዝፍጽሙ ብቐጥታ ባዕሉ ኢሳይያስ ኣዚዙ ዘዋፍሮም ኣብ ዝተፈላለየ መሓውራት መንግስትን ግንባርን ብጉልባብ ዝተመደቡ ተጸናጸንትን ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን እውን ነይሮም፡፡ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት (ድሒሩ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት) ከኣ ነዞም ስራሓውቲ ዝዓሙ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ቆይሞም፡፡

ኣብዚ ካልኣይ ክፋል ጽሑፍ፡ ንኹሎም ዘይኮነስ ነቶም ቀንዲ ኣዘዝትን ተዋሳእትን ግብረ እከይ ከላልየኩም፡፡ ፈለማ ብናይ ሓሳብ መንኮርኮር ናብ ቀንዲ መዋፈሪ ቤ/ጽ ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ክወስደኩም፡፡ ንኣብነት ኣብ ከረን ሆቴል ተራኺብና ንበል፡፡ ብኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኣቢልና ንሸነኽ ጸጋም ዘላ ጸባብ ጎደና ሓሊፍና (ግልባጥ ፎቶ ሳሕል ዘላ ጎደና መንድቕ ሚኒስትሪ ወጻእ ጉዳይ) ነታ ፍልይ ዝበለት በዓል 3 ደርቢ ብማዕጾኣ ብቀይሕ ጣውላ ዝተሰርሐት ገዛ ንጠምት፡፡ እዛ ህንጻ ቀደም ናይ ጥልያን ዝነበረት ደሓር ተሃጊራ ናይ ኮርፐረሽን ናቕፋ ዝነበረት’ያ፡፡ እቲ ቀይሕ ማዕጾ ምስ ተኸፈተ ብቀጥታ ናብ ሓደ ሆል (መኻዚኖ) ንበጽሕ፡፡ ነቲ መኻዚኖ ሓሊፍካ ሓደ ኣስካላ ብምድያብ ናብ ሸነኽ ምብራቕ ምስ ኣምራሕና ንኢድ ጸጋም ሓደ መኻዚኖ ንኢድ የማን ድማ ሓንቲ ቤ/ጽ ትረክብ፡፡ እዛ ቤ/ጽ ናይቶም ኣብ ምስዋርን ምሕቃቅን ዜጋታት ዝዋፈሩ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት’ያ፡፡ ኣብዚ እዋን ዘሎ ናይ ቀረባ ሓላፊኣ ድማ ካፒተን ሽደን መለስ ዝተብሃለ ኮይኑ፡ ኣብ ማእከላይ ቤ/ጽ ሓይልታት ፖሊስን ጸጥታን (ቻው ሆቴል) ካብ ኢሳይያስ፡ ወዲ ካሳን ስምኦንን መደባት ተቐቢሉ ነዛ ጉጅለ ዘተሓባብር ከኣ ሌ/ኮሎኔል ፍጹም የውሃንስ’ዩ፡፡

እዛ ቤ/ጽ ዝጸሮቶ ክፉእ ታሪኸ ምናልባት ኣብ መጻኢት ርህውቲ ኤርትራ ብሂወት እንተጸኒሖም ገለ ዝተረፉ ኣባላት ይምስክሩ ይኾኑ፡፡ ብዝኾነ ብቐጥታ ካብዛ ቤ/ጽ ዝዋፈሩ ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ብጀካ ኢሳይያስ፡ ወዲ ካሳን ስምኦንን ካልእ ዝኾነ ኣካል ኣይእዝዞምን፡፡ ኣብ ገለ ስርሒታት ግን ብፍላይ ኣብ ምክትታል ዝጸንሐን ጸብጻብ ዘዳለወን ሓላፊ እንዳ ጸጥታ ምስ ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ብሓባር ዝነጥፈሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኮሎኔል የማነ ኣፈወርቂን ሜጀር ካሕሳይ በየነን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት እቶም ዝምርጹ ሓለፍቲ ኣካላት’ዮም፡፡

ካብ ኩለን ኣካላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝተልኣኸ ጸብጻብ ብቐጥታ ናብ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ምስበጽሐ፡ ኢሳይያስ መምዩ ኣብ ትሕቲ ዕቱብ ምክትታል ክኣትው፡ ክህደኑ፡ ብስውር ክቕየዱን ስጉምቲ ክውሰደሎምን ዝወሰነሎም ሰባት ንጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ይወሃብ፡፡ ኢሳይያስ ንዝውስኖ ውሳነታት ብቐንዱ ዝለኣኸሉ ጸብጻባትን ሓበሬታታትን መሰረት ዝገብር ዋላ እንተኾነ ንተወሳኺ መረዳእታ ግን ብተናጸል ንእሙናት ሓለፍቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት (ብፍላይ ንስምኦን፡ ወዲ ካሳ፡ ወልደዝጊ፡ የማነ ኣፍወርቂ፡ ጋይም…) ጸዊዑ ይረኽቦም”ዩ፡፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኮ/ል ተስፋልደት ይሕወሶም”ዩ፡፡

ብሓፈሻ ኣብ መሬት ኤርትራ ብስውር ዝተወስዱ ስጉምታትን ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ናይ ዘጥፍኡ ዜጋታት ቀንዲ ኣፈጸምቲ ‘ዞም ኣባላት’ዮም፡፡ ካብ 1991 ጀሚሩ ካብ መላእ ሃገር ብምስምስ ሃይማኖታዊ ጥሩፉነት (ብፍላይ ካብ ከረን፡ ኣቑርደት፡ ናቕፋ፡ ኣስመራ፡ ጊንዳዕ፡ ባጽዕ፡ ዓድቀይሕ፡ ሰንዓፈን ዓሰብን ዝተጨውዩ)፡ ብምስምስ ተቓወምትን 5ይ መስርዕን (ብፍላይ ካብ ከባቢታት ሃይኮታ፡ ዓሊጊደር፡ ሞጎሎ፡ ግርማይካ፡ ብሓፈሻ ኣብ ዶብ ሱዳንን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዝተጨወዩ)፡ ብምስምስ ሚሊሻ ስርናይ ወይ ከኣ ወዶገባ (ብፍላይ ካብ ከባቢታት ዞባ ደቡብን ጋሽ ባርካን ዝተወሰዱ)፡ ብምስምስ ኣባላት ማሕበር “ኣንድነት” (ካብ ዞባ ማእከልን ደቡብን ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተጨወዩ)፡ ብስም ኣባላትን ጀብሃ ነበር (ከም በዓል ዘካርያስን ገብረብርሃንን)፡ ብስም ትሕቲ ሃገራዊነትን ቀቢላዊ ዝንባለታትን፡ ብስም “መንፈስን መንፈሳውያንን”: “ንወያነን ተቐናቐንቲ ጉጅለታትን ሓበሬታ ኣቐቢልኩም” ብዝብል ምስምስን ጠቐነን፡ ብስም “ውሽጣዊ ተበለጽቲ” ዝተወሰዱ ሃብታማት፡ (ከም በዓል ዘርአጋብር፡ መሓመድ ሓጎስ፡ ፍቕረ፡ በኹረን ተስፋኣለምን)፡ ብስም “ድጋፍ ንወያነ” ካብ መላእ ሃገር ተወሲዶም ደሃዮም ዘጥፍኡን ዝተረሸኑን (ንኣብነት ድሕሪ ኩነታት ኣብ ኣጻምእ ማይ ኣጣል ዝተረሸኑ ኣስታት 150 ኢትዮጵያውያን)፡ ንኣባላት ጉጅለ-15ን ተሳተፍቲ ስርሒት ፎርቶ ሓዊሱ ብሓፈሻ ብዝተፈላለዩ ዕባራ ምኽንያታት ካብ መላእ ሃገር፡ ከካብ መንበሪ ገዝኦም፡ ካብ ናይ ስራሕ መደቦምን ጎደናታትን ተጨውዮም ዝተሰወሩ ማእለያ ዘይብሎም ዜጋታት፡ መውዳእትኦም፡ ኣብ ኢድ እዛ ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን’ዩ፡፡

እዞም ኣባላት ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ መደብ ተዓዲልዎም ዝንቀሳቐሱን፡ መዋእሎም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ዓድታትን መጸናጸኒታት ተዓጢቖም ዝዋፈሩ፥ ናይ ገዛእ ርእሶም ባጀት ዝተሰላዓሎም ’ዮም፡፡ ብጀካ ማእከላይ ቤ/ጽ ኣብ ውሽጢ ኣስመራ ኣስታት 7 ዝኾና ስውር ግዝያዊ መቐየዲ ቪላታትንን ኣንደራትን ኣለዎም፡፡ ንዝተዓፈኑ ግዳያት ኣብ መወዳእታ ብኢሳይያስን ሓለፍቶምን ውሳኔ ምስተሓበሮም ነቶም ግዳያት ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት ወሲዶም፡ ከም በዓል ባህር ድምጻዊ እድሪስ መሓመድ ዓሊን ኣደም ሸልሸልን ጌሮም ብጸላም የሕቕቑ፡፡ ንውሑዳት “ሕድገት” ዝግበረሎም ገለ ግዳያት ከኣ፡ ናብ ሼላታት ማይ ስርዋ፡ ጸጸራት፡ ካርሸሊ፡ ሃበሮ (ኣብ ትሕቲ ዑስማን ያይ -ወዲያይ ዝነበረ): ኣንደር ተሰነይ፡ ምዕጥር፡ ተሃድሶ ግንባራትን ኣብ ዞባታት ኣብ ዝተደኮና ናይ እንዳ ጸጥታ ቤት ማእሰርታትን የፋነው፡፡ ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ካብ ዝመሓደራ ቤት ማእሰርታት ተሓዬሩ ብገለ “ሕድገት” ካብ ሞት ዝተረፈ ዜጋ፡ ልዕሊ ምውት ትሕቲ ህልው ኮይኑ: ብዘይተነጸረ ፍርዲ ካብ ዘሕቕቑ ቤት ማእሰርታት ሓደ ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ዝመሓደር፡ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ላዕላይ (ናይ ዘይረኣዩ) እዩ፡፡ ኣብዚ ቦታ ናይ ዘለው መብዛሕትኦም እሱራት ዝርዝር ጸብጻብ፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ምስ ሜጀር ካሕሳይ በየነ ይርከብ፡፡

ኣብ ማይ ስርዋ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ኣሃዱታት ጀነራል ፍሊጶስን ተቐዬዶም ዝርከቡ እሱራት መብዛሕትኦም ብምኽንያት ብልሽውና፡ ኮንትሮባንድ፡ ኣስገርቲ፡ ዘይሕጋዊ ዕደና፡ ቅርሰና፡ ሓወላን ሸርፍን ገለ “ጠንቆልቲ” ኮይኖም እቶም ፍሉይ ጠመተ ዝግበረሎም ግን “ናይ ፖለቲካ እሱራት” ዝብል ሰሌዳ ዝተጠቀዓሎም መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ 2 ብ 2 ሜትሮ ዝስፍሓተን ብካሻስትሮስ ኣብ ዝተሃደማ 73 ሼላታት ዝርከቡ’ዮም፡፡ ምናልባት እዞም ፍርዶም ዘይፈልጡ እሱራት፡ ካብ ቅትለት ስለ ዝተረፉ ጥራይ በቶም ጠላማት “ሕድገት” እንተተብሃለ ’ውን፡ ዳርጋ ኩሎም እቶም ብሂወት ዘለው ብሰንኪ ሕርቃንን ዘይግቡእ ኣመጋግባን ከቢድ ጸገም ጋስትራይት ዝገብሩ፡ ብቀዝሕን ዋዒን ድኻም መሓውር ዝገበሩ፡ ብሰንኪ ጸልማት ናይ ዓይኒ ጸገም ዘጓነፎም፡ ከቢድ ስነ-ኣእምራዊ ጸገም ዘለዎም’ዮም፡፡ ብኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ከካብ ዝጸንሕሉ ቦታ ተኣሪዮም ኣብ ማይ ስርዋ ምስተደርበዩ “ጥርጡራት ፖለቲካ” ዝብል ስም ስለ ዝወሃቦም ብኣባላት ተሃድሶ ማይስርዋ ዝግበረሎም ዝኾነ ዓይነት “ሕድገት” የለን፡፡ ብተወሳኺ ባዕሉ ፍሊጶስ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ንሓለፍቲ ተሃድሶታት ተወርዋሪ እዚ (ኣብ ቀረባ ድሕሪ ፍሊጶስ ሓለቓ ስታፍ ምኻኑ “ተሃድሶታት ሚኒስትሪ ምክልኻል” ተባሂሉ ’ሎ) ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ)፡ ካሕሳይ ሃይለ (ወዲ ሃይለ): ሚኪኤለ ኢሳቕ: ከምኡ’ውን ኣብ ማይስርዋ ንዘለው በዓል ተስፋንኪኤልን ዑስማንን ዝበሃሉ መራሕቲ ሓይሊ ጸዊዑ “እዞም ናይ ፖለቲካ እሱራት ብዕቱብ ሓዝዎም” እንዳበለ ይሕብሮም’ዩ፡፡
ብሓፈሻ ካብቶም ብጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ተጨውዮም፡ “ዕድል ጌሮም” ኣብ ማይስርዋ ዝተሓሩ ዜጋታት እቶም ህልዋት ዝምለከት ምስ ናይ በዓል ፍቕረን ሳምሶን (ወዲ ቀሺን) ኣሰኒየ ኣብ ቀረባ ከቕርበልኩም’የ፡፡

ቀንዲ ሓለፍቲ ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን፡

1. ሌ/ኮለኔል ፍጹም የውሃንስ (ዕድመ፡ 62 ዕለት ምስላፍ 1977 መንበሪ፡ ከባቢ ሬዲዮመሪና) ኣብ ሜዳ ኣብ ትሕቲ 06 ወዳቢ ኣካል ከተማ ኮይኑ ኣብ ዓላ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ እንዳ 72፡ ውሽጣዊ ጉዳያትን ጸጥታን ካልኦት ዝተፈላላዩ ኣካላትን ኣገልጊሉ፡፡ ንገለ ዓመታት ናይ ኮሎኔል የማነ ኣፍወርቂ ጸሓፊ ኮይኑ ሰሪሑ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ዓዳሊት ደሞዝ ምስ ዝኾነት ተጋዳሊት ተለንተ ኣስቴር ጸጋይ ሓዳር ጌሩ ቆልዑት ወሊዱ’ዩ፡፡ ሌ/ኮ ፍጹም ካብ ሜዳ ጀሚሩ ኣብ ሕቡእ ቅንጸላታትን ስርሒት ፈዳያናንን ዝሰርሐ ኮይኑ ኣብ 2007 ሓላፊ ክፍሊ ዓፈናን ስጉምትን ብምኻን ተመዚዙ፡፡

2. ካፒተን ሽደን መለስ (ዕድመ፡ 50 ዕለት ምስላፍ፡ 1980 መንበሪ ኣስመራ ኣብ ጎደና ዓወት ጥቓ ፋርማሲ ሓማሰን) ኣብ ሜዳ ከም ሌ/ኮ ፍጹም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ቅንጸላን ስርሒት ፈደያን ዝሰርሐ ኮማንዶ እዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኤምባሲ ኤርትራ ብጉልባብ “ሓለዋ” ምስ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ ተመዲቡ ኣብ ምህዳን፡ ምጭዋይን ምቕንጻል ኤርትራውያንን ኣባላት ተቐናቐንቲ ጉጅለታት (ሳግም፡ ደምሓኤ…) ካልኦት ዜጋታትን፣ ኣብ ኮንትሮባንድ፣ ሓወላን ሸርፍን፡ ከምኡ’ውን ቀንዲ ወዳቢ ብምኻን ኣብ ምጽንጻን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሪሑ፡፡ ድሕሪ ኩናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ውሽጣዊ ጸጥታ ተሳሒቡ ኣብ ትሕቲ ሌ/ኮሎኔል ግደ ፍስሃየ ኣብ ስውር ምክትታልን ምጽንጻንን ኤምባሲታትን ወጻእተኛታትን ተመዲቡ ንገለ ኣዋርሕ ኣገልጊሉ፡፡ ቀጺሉ ናብ ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ተሳሒቡ ካብቶም ቀንዲ ኣብ ምጭዋይን ምቅንጻልን ዝነጥፉ ኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ፡፡

…ይቕጽል….
ክቡራት ተኸታተልቲ!! ከምቲ ልሙድ ኣብ ናይ ባዕልኹም timeline ን ኣብ ዝተፈላለዩ Groups ን ሼር ኣብ ምግባር ሕጂ ውን ኣይንሕመቕ!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *