ዝተመስረሔ ትምዩን ታሪኽ!!

 

 

ዳርጋ 80% ታሪኽ ሻዕብያ፡ ኣብ ባይታ ብግብሪ ዝተፈጸመ ዘይኰነስ፡ ብተልመዴን ደረስቲ ዝተቐናበረ ፈጠራ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ፡ ኣፍና ደም ክሳብ ዝወጽእ ሓቢርና’ና። እቶም ፈሊጦም ዝደቀሱ እሞ፡ ሓርማዝ ክትንቕንቘም’ውን ተስፋ ዘይብሎም ክንሰግሮም። ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ “ወለዶ ናይ ሕማመይ” ግን ተረዲእዎ-ሲ፤ ድሮ “ቡል-ሺት!” ኢሉ ዓዲ ይገድፈሎም ኣሎ።

ከም መቐጸልታ፡ ናይቲ ብዙሕ ግዜ እነቕርቦ ቀሊል ዝመስል ጭብጥታት፡ ነዛ ቀሪባ ዘላ ስእሊ ተመልከቱ። እዛ ስእሊ፡ ኣብ ገበር መጽሓፍ፡ ናይ ሓደ ‘መዲካል ዶክቶር’ ክንሱ ታሕተዎት ካድረታት ናይቲ ጥምዙሕ ውድብ ሻዕብያ ሓንጐሉ ሕርሕራይ ገይሮም ዝተጋሰስዎ ዘላ’ያ። ከምዛ ኣብዛ ገበር ዘላ ስእሊ (ቦታ) ግን ኣብ ምሉእ ዓለም ዜርካ እውን ኣብ ባይታ የላን።
ናቕፋ ልዕሊ ሰብና ንፈልጣ። መስጊዳ ሓንቲ እያ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ መሐበሪት (መወከሲት-ተዂሲ) ንኽትኰኖም ምሉእ ብምሉእ ኣየዕነዉዋን። እዛ፡ ሓንቲ መስጊድ ግን፡ ብ‘ፎቶ-ሾፕ’ – ‘ክሎን’ ገይርካ እንተ-ተመስሪሓ፡ ዋላ ምልዮን ክትከውን ትኽእል’ያ። ኣብዚ ስእሊ ድማ ብኸምኡ እያ ተራቢሓ ዘላ።

መዓስ ግን ንሳ ጥራይ!! ብኣውርኡ፤ እቲ ብድሕሪ እተን ክልተ መሳጊድ ዝርኤ ዘሎ ዝተተልተለ ድፋዕ ከናለታት እውን ኣብቲ ቦታ ዘሎ ኣይኰነን። ምናልባት ካብ ከባቢታት ፊደል ‘ፐ’፡ ግሎብ ወይ ሪጐለ ‘ክሎን’ ዝገበርዎ ይመስል። ከምኡ እንተዘይኰይኑ ግን፡ ብርግጽ ካብ ጐቦታት ‘ዩናን’ ናይ ቻይና ኣምጺኦምዎ ኣለዉ።

ኣብዛ ስእሊ፡ ኣተኲርኩም እንተ-ጠሚትኩም፡ ክልተ ጋዋኑ እውን ኣብ ሓደ ረጋሕ ይዋጠጡ ኣለዉ። እዚ እውን ወይ ካብ ግንባር ሓልሓል ዘምጽእዎ’ዩ ወይ’ውን ካብ ታባ ሃጸይነት። ኣብ ከባቢ መስጊድ ናቕፋ ግን፡ ከምዚ ዝመስል ንኣህባይ ክነብራሉ ዝምችእ ደናጉላ የለን።
እንተ-በዚ እንተ-በቲ፡ ሻዕብያ ኣብ ባይታ ንዘይወዓሎ ታሪኽ ጥራይ ኣይኰነን ብ’ፎቶ-ሾፕ’ ዝሃንጽ ዘሎ። ነታ ዘህጐጓ ኤርትራ እውን፤ ብእልፊ “ፎቶ-ሾፕ” ገይሩ ኣፍካ ማይ-ተምልእ ገይሩ የቕርባ’ሎ። በዚ ተወናዊኖም ንዝመጹ ‘ንሕና ንሱ’ ከኣ ኣድቢዩ ጸኒሑ ገፍ የብሎም። (ኣብዚኣ እኳ የኸይፈና’ዩ ሓቂ ‘ሓይሽ!)

መጻሕፍቲ ሻዕብያ ግን፡ ሓንቲ ዘይሰግርዋ ሓቂ ኣላቶም። ኣብ ነብሲ-ወከፍ መጽሓፍ፡ “ምሉእ መሰል ደራሲ ዝተሓለወ’ዩ!” ዝብል ኣለዎም። እዚ ድማ እቲ ትሕዝቶ ሓቀኛ ዘይኰነስ ድርሰት ናይቲ ጸሓፊ ምዃኑ ዘመሳኽር ጭብጢ’ዩ። እዚ ዶክቶር ቅርቅሽ እውን ከምኡ ጽሒፉ ‘ሎ። “ድርሰተይ ከይትትንክፉለይን ከይተባዝሕዎን ብሕጊ ኣውሒሰዮ ኣለኹ!” ይብል። ሰማይ ዝሃገሩስ፡ መን’ከ እዩ ነዚ ድርሰት ሽፍትነት እዚ ከባዝሕ ድቃስ ክስእን – ኢሉ ሓሲቡ!!፧

ባዕሉ እውን ከምዝብሎ፡ ንግዝይኡ ሻዕብያ ትጥቀመሉ ህይወት ጋወኑ የድሕን ነይሩ’ዩ። ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ናይቲ መጽሓፍ ግን፡ ሳልሳይ ክፍሊ ዘይበጽሑ ታሕተዎት ካድራት ናይዚ ዝሩግ ውድብ ዘስተምሃርዎ እዩ ከም ዘለዎ ኣቕሪብዎ ዘሎ። ከም ዝፈለጥ ኣብ ሻዕብያ ኩሉ መርፍእ ዝወግእን ቊስሊ ዝጅንን ‘ዶቶር’ እያ ነይራ ሳጒኡ። ካብ ከምዚኦም ዓይነት ‘ዶኳቱር-ሳሕል’ እዝን ግን . . . እኹል’ዩ – ሓቂ ይሓይሽ!!

Dessale Berekhet

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *