መኣዲ ትምህርታዊ ወግዒ ኣመጻጽኣ „ኮምብሽታቶ“ ኣትብል ስም By Negusse Haile (መንስዓይ)

ክቡራን ኣሕዋትን ኣሓትን ተኽታተልቲ ጽሑፋተይ ፣ ደሃይዶ ኣጥፊኤ? ከምቲ ሓውና ተስፋይ ባይረ ሓደ ጊዜ ዝበሎ ፣ ኮምፒዩተረይ „ዒጭ ሓንፈፍኩ !“ ስለ ዝበለት ደኣ ተደናጒየ እምበር ምሳኻትኩም ከዋግዓሉ ኣዳሊየዮ ዘሎኹ ኣብቲ ገና ዘይተሰማማዕናሉ ዘሎና ጒዳይ ፖሊቲካ ዘይኮነስ፣ ኣብቲ ንነፍስወከፍ ኤርትራዊ ብማዕርነት ዘገድስ ጒዳይ መኣረምታ ልምዳዊ ኣበሃህላታት እተመርኰሰ ዛዕባታትስ ብዙሕ ኢዩ። ሓንቲ ካብኡ ንኣብነት እዛ ሎሚ ዘቕርበልኩም ዘሎኹ ኢያ ።

ኣነ፣ ኣጋጣሚ „ኮምብሽታቶ“ ኣትዝከረሉ ወግዒ ምስ ዝለዓል ፣ ኣቲ ቅኑዕ ታሪኻዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቘጢበ ኣይፈልጥን ። ከምዚ ንኽገብር ዝደፋፍኣኒ ምኽንያት ከኣ ፣ ነዛ ስም እዚኣ ብዝምልከት ትኽክለኛ ታሪኻዊ መግለጺ ዝህብ ኤርትራዊ ዜጋ ብቀዳምነት ከኣ ደራሲ ኣጋጢሙኒ ስለ ዘይፈልጥ ኢዩ ።

„ኮምብሽታቶ“ ብኣረዳድኣን ኣበሃህላን ደቂ ኣስመራ (Asmarini) እቲ እታ ካቶሊኻዊት ቤተ ክርስትያን ካተድራለ እትርከበሉ ዝጸበቐን ዝጸረየን ኤርትራውያን እንሕበነሉ ናይ ከተማ ኣስመራ ማእከላይ ቦታ ኢዩ ። ኣብ ገሊኡ ኢጣልያውያን ዝደረስዎ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ ከም ዘሎ ፣ ቀደም ራእሲ ኣሉላ እቲ ኣዚዩ ጐራሕ ትግራዋይ መስፍን ፣ ንሃጸይ ዮሓንስ ትግራዋይ ንጉስ ኢትዮጵያ ወኪሉ ንከበሳ ኤርትራ ከመሓድር ፣ ንመታሕት ኤርትራ ከኣ ክወርር እንከሎ ፣ ንናይ መገባኣያኡ ቴንዳ ኣብቲ ደሓር ብጥልያን ኮሚሳርያቶ ሓማሴን ተባሂሉ እተጸውዔ ኣብ ፊት ካተድራለ ብድሕሪ ኣምባሳዶር ሆቴል ዝርከብ ኣከባቢ ተኪሉዋ ነበረ ። ጥልያን ንዕኡ ተኪኦም ኣብ ከበሳ ብዝደየቡ እውን ነቲ ቴንዳ ራእሲ ኣሉላ ተተኪላትሉ ዝነበረት ኣከባቢ ናይ ምምሕዳሮም መደበር ገበርዎ ። ብምኽንያት ጸጥታዊ ዋሕስነት ከኣ ብትሪኮላታ ሓጸርዎ ። „ካምፖ ቺንታቶ (campo Cintato) ኢሎም ድማ ሰመይዎ ። እዛ ስም እዚኣ ካብ ቋንቋ ጥልያን ናብ ቋንቋ ትግርኛ ምስ እትትርጐም „እተሓጽረ መዓስከር“ ማለት ኢያ ። ኣኣበሓጎታትና ግዳ ቋንቋ ጥልያን ካብ ዘይምምኻል እተላዕለ ወይ ዘይምምላኽ እተላዕለ „ኮምብሽታቶ“ ኢሎም ጸውዑዋ ። ከምዚ ዝኣመሰለ ካብቲ ቀንዲ (Autentical) ስም ወይ ቃል ተጠምዚዙ ስም ወይ ቃል ትግርኛ መሲሉ እተኣታተወ ኣስማትን ቃላትን ጥልያን ከኣ ብዙሕ ኢዩ ።

ነዛ „ኮምብሽታቶ“ እትብል ስም ብዝመልከት ንኣብነት ብገለ ኤርትራውያን ደረስቲ ዝቐረበ እተፈላለየ መግለጺ ኣንቢበ ኣሎኹ ። እዚ ከኣ ነፍስወከፍ ደራሲ ንዓኡ በብዝመስሎ ዝሃቦ ግዳ ትኽክል ዘይኮነ ሓበሬታ ኢዩ ። ካብ ሎሚ ንደሓር ግን ነፍስወከፍ ኤርትራዊ እቲ ሓቀኛ መንቀሊ ናይዛ ስም እዚኣ ፣ እዚ ኣነ ሎሚ በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ዝህቦ ዘሎኹ ኢጣልያውያን ባዕላቶም ብጽሑፍን ብቃልን ዝሃቡዎ መግለጺ ምዃኑ ክፈልጥ ተስፋ እገብር ።

ብዝተረፈ ፣ ኣነ ሎሚ ንታሪኽ ኣመጻጽኣ ናይዛ „ኮምብሽታቶ“ እትብል ስም ዘቕርብ ዘሎኹ ፣ ቅኑዕ ታሪኽ ንምፍላጥ ደኣ’ም’በር ካብ ሎሚ ንደሓር ነዛ ከም ልምዲ ሓበሻ „ኮምብሽታቶ“ እትብል ቃል ገዲፍና ከም ልምዲ ጥልያን „ካምፖ ቺንታቶ“ ንበል ማለተይ ከምዘይኮንኩ ብትሕትና ኣብርህ ። ኣብ መደምደምታ ጽሕፍተይ ፣ ኣቲ ምስ ወብሳይት መስከረም ብናይ ሓውና የማነ (ናዝ) ኣቕራብነት ጀሚረዮ$ ዝነበርኩ$ ናይ$ ቃለ$ መጠይቕ$ መደብ$ ከምቲ ንስኻትኩም እተላቦኹምኒ ንኽቕጽሎ እሞ$ ብኡ$ ምኽንያት$ እውን$ ክንራኸብ$ ተስፋ ከም ዘሎኒ እሕብረኩም ።

መሰል ደራሲ ብሕጊ እተሓለወ ኢዩ !!!

Togoruba.org

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *