ብኽልተ ማሓዙት ውድባትዝቀረብ መግለጺ ! ግንባር ሃገራዊ ድሕነትኤርትራ – ሕድሪን- ስምረት ምንቅስቃስ ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገርን::

እዚ ጠለብ ህዝብን ጠለብ መሰረታትን ናይ ክልቲኡ ውድባት ጠለብ :መሪሕነታት‘ውን ስለ ዝኾነ : ንኻላኣይ ግዚኡ ጂ‘ውን ከምቲ ዝሓለፊ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ : ብፍላይ ከኣ እተን ጥቡቅ ዝምድና ዘለወን (6) ውድባትን: ልፍንታዊ ግንባር (4) ውድባትን ተዋሃሂዱ ንምቅላስ ክሳብ ክንደይ ጻዕሪ ይሓትት ከምዝኾነ ትዝንግዕዎ ኣይንብልን::

ሰለ ዝኾነ ደማ ኣብዚ ሎሚ ተኣኪብና ዘሎና ኩሉ ዳላይ ፍትሒ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ከፊትካ ምምይያጥ እቲ ኣንኮ መፍቲሒ ሰለ ዝኾነ ንገለ ስዓታት ንመድረኽ ክንገድፎ ኢና:: ኩላትና ከም ንፈልጦ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ መበል 25. ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ንጽነት ኣናበለ ሰርዓት ህግደፍ ክግዕር ከም ዝቀነየ ንማንም ስውር ኣይኮነን:: ግን ህዝቢ ኤርትራ 25. ዓመታት ብባርነት ይሕልፎዩ ዘሎ :: ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ቀያሕትን ጸለምትን ጀጋኑ ደቁ ዋጋ ከፊሉ ክንሱ: ብገዛእ ሃገሩ ኣደዳ ሞትን: ስደትን: ዘስካሕክሕ ስቃይን :ማእሰርትን: ኣደራዕ መግረፍቲ: እናወረዶ ከሎ: እዚ ጠላም ጃንዳ ህግደፍ : ንሓፋሽ ህዝብና ከዳናግር ብሽም 25. ዓመት ብርራዊ ኢየበልዩ ናጽነት ኣናበለ ዝሽቅጥ ከም ዘሎ ንኹሉ ቡሩህ እዩ ::

እንበኣርከስ እዚ ናይ 25. ዓመት ናጽነት ዝባሃል ዘሎ ናይ ጎቦን: ጠረርን: ሜዳን: ባሕርን: ድኣ እንበር ናይ ህዝብን መሰልን: ናይ ክብረት ሓርነትን: ህዝቢ ኤርትራ ዘይምኻኑ ንኹሉትና ከም ጻሓይ ቀትሪ ብሩህ ምኻኑ መርትዖ ዘድልዮ ኣይመስለናን: እሞ እዚ እንተኾይኑ እቲ ሓቂ: ነየናይ ድኣ እዩ: እዚ ኩሉ ፈኸራን ጃህራን: ጭደራን: ኣዒንቲ ህዝብና ከዕውር ኣእምሮ ሰብ ክደፍን ዝደሊ ዘሎ:: ህዝቢ ኤርትራ ከፊኡዎ ከም ዘሎ : ኣብነት ናተይ ዝብሎ ህዝቢ ዝባኑ ዝቀልዔ ባርነት ምኻኑ ባዕላቶም ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ::

እሞ ከምኡ ኣንተኾይኑ ድኣ: ንምንታይ እዚ ኹሉ ዘድለየ ፣ ዝብል የዋህ ሓታታይ ኣይሳንን ይኸውን: እምበኣርከስ እዚ ኹሉ ዝግበር ዘሎ: ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርክብ ህዝብና በቶም ኮራኹሩ ኣገዲዱ ከም ዘሰልፎም ኹላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ:: እዚ ክግበር ዝቀነየ ጓይላን ዳንከራን ንመን እዩ:: ዝብል ጉሩህ ሰብ ኣይሳኣንን: መልሱ ድማ: ነቶም ሕልና ዘይብሎም ጸገም ህዝቦም ዘይራኣዮም: ጠላማት ኮራኹር ግህደፍ ኮይኑ: ከምኡ‘ውን ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ የዋህ ህዝብና:በታ እንኮ ትቪ-ኤረ ብተዳጋጋሚ ኣናቃለሔ ንምትላል:: ኩሉ ኣብ ስደት ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ጎድኑ ከም ዘሎ ከምስል ዝግበር ዳንኬራ ምኻኑ እዩ:: ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝብና ዓመት መጸት ዓመት „ኪዳነ ምሕረት ከምታ ዘምጻክዮም ግዳ ዘይትመልስዮም“ እንዳበለ እዩ ዝጽሊ:: ህዝባዊ ግንባር ሓቂፉ ወይ ኣብ ማእከል ህዝባዊ ግንባር ተጸፍዩ ዝመጸት መብረሲ ህዝቢ ኤርትራ : ናይ ጥፋት ሃዋርያት ዝኾነ ህግደፍ እዚ ሎሚ ዝፍጽሞ ዘሎ ምብራስ ንኡስ ወለዶ ኤርትራ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኮነን:: እንታይ ድኣ ብቑል ካብ ትብል ጀጋኑና እናጽነተት ዝመጸ ስርዓት እዩ::ኢዚ ኻኣ ንኢሳያስ ንስልጣኑ ባይታ ንኸንጽፍ ሓጊዝዎ:: እዞም ኩሎም ንጹሃት ዜጋታት ክንዲ ጽፍሪ ትኹን ጌጋ ዘይብሎም :እታ ሓንቲ ኣብ ዓለም ዝውንንዋ ሂወቶም ንህዝቦም ምእንቲ ሃገሮምን ከወፍይዋ ደለይቲ ፍትሒ ቁሩባት ዝኾኑ: ኣብ ጎዳጉድ ምሕበኦም ከይኣክል: ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋደልቲ ብካራን ብጎዞሞን ሓሪዶም ቆሪጾሞምንዩ: እዚ ማለት ከምቲ ቀደም ንሰምዖ ዝነበርና ወይ ምስላ ቀዳሞት ዝብሎ „ ዝወዓለ ይንገርካ ዝሰምዔ ካኣ ይምከርካ„ ከምዝባሃል: እዞም ኩሎም ኣብኡ ዝነበሩ ሎሚ ምስክርነቶም ንህዝቢ ይህቡ ኣለው: እኹል መርትዖ እዩውን ::

ሰለዚ ኣሕዋት ኩላትና ንደጋግማን ንደርፋን ሓንቲ አላ: ኑሱ ኸኣ ውድባት በዚሔን: ከም ጨቓዊት ተጫጪሔን: ወ ዘተ…..እናበልና ንሕጭጭን : ንደርፍን ኢና: ሓቂ እዩ: ግን እዘን ውድባት ፈቲና ጸሊእና ናትና እየን:: ክንገብሮ ዘሎና ብኸመይ ነጽብበን ብኸመይ ብሓንሳብ ክሰርሓ ክንገብር ክንክእል ኣሎና: እንተዘይኮይኑ ንሓደ ኣይቀርቦ: ንሓደ ኣይርሕቆ: ስለዚ ኣነ መን እየ ምስመንከ ተውዲበ እንታይ ከ ንሃገረይን ንህዝበይን ኣበርኪተ: ኢልና ንሕተት ንነብስና:: ከምቲ ሓደ ፊሎዘፈር ዝበሎ „ ነዛ ዓለምና ዝበደልዋ እቶም ዲክታቶራት ጥራይ ዘይኮኑ: እንታይ ድኣ „ እቶም እንታይ ገደሰኒ ምስ´ዚ የለኹ ምስቲ የሎኹን (ማለት ላንጋላንጋ) እዚኦም እዮም እቶም ሓደጋኛታት ይብል:: እዚ ጹሑፍ እዚ ብትኽክል ንዓና ንኤርትራውያን እያ ተንጻባርቅ:: ስለዚ ኦ መንእሰይ ኤርትራ ሃየ ሓላፍነትካ ጉቡእካ ፈሊጥካ ኣኣብ ዝመስለካ ዘዕግበካ ኣለሊኻ ተውደብ::

ሓደ ሓያል ንኩላትና ዝጥርንፈና ዓድና ዝእትወና ክንገብር ንበላሓሓት ኩሉ ኣብ ኢድና እዩ::

ዝኽርን ሞጎስን ንስዋኣትና ፍቅርን ሰላምን የውርደልና!!!

ጽን ኢልኩም ዝ ሰማዕኩምኒ የመስግን የቀንየለይ ሽቱትጋርት 04.06.2106 ጀርመን

Gereger.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *