ናይ ቍጠባን ሰላምን ሰረት፡ ናይ ውልቀሰብ መሰል ምሕላው ስለዝኾነ፡ ብዘይ ቅድመኩነት ክኽበር ይግባእ። ኣብ ዘለናዮ ግዜ ኣዚዩ ብዙሕ ኣህዛብ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብውግእን ስደትን ይርከብ። ጠንቂ ናይዚ ኵሉ ጸበባ፡ ሽሕኳ ብዙሕ ረቛሒታት ክህሉ እንተተኻእለ፡ እቲ ዋናን፡ዓቢይ ጊደ ዘለዎ ግን፡ ብስሱዓት ርጉማት መራሕቲ፡ ስልጣኖም ንምብሓት ኢሎም፡ ኣብልዕሊ ሰባት ዝገብርዎ ዓፈና መሰል ደቂ ሰባት ኢዩ። እዘን ኵለን ምዕረባውያን ሃገራት ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራት ፡ እተን ናይ ነፍስወከፍ ሰብ መሰል ዘኽብራ፡ ናይ ምጽሓፍ ናይ ምዝራብ ናይ ምእካብ ናይ ምእማን መሰላት ዘለወን ሃገራት ኢየን። ስለዝኾነ ከኣ ዝተወጸዔን ዝጨነቖን ኵሉ ህዝቢ ዓለም ናብ መሬትን ዘማዕዱ። ኣብ ዶባተን ንምብጻሕ ከኣ ናይ ሞትን ሂወትን ሓደገኛ ጕዕዞ ዝገብር ዘሎ።
መለበብን ኣይግበርካ፡ መለበብን ኣይኽላእካ ይበሃል፡ ብዝኾነ መለክዒ እተን መሰል ውልቀ-ሰብ ዝኽበረን ደሞክራስያውያን ሃገራት፡ ዝሕሸ ሰላምን ርግኣትን ሃብትን ኣለወን። ብኣንጻሩ ከኣ ከም ክልሰ-ሓሳብ ኣብ ወረቐት ክንበብ ከሎ ፡ ከምመንግስተ ሰማያት ዝመስል፡ ኵሉ ሰብ ብማዕረ ዘድልዮ ዝረክብን፡ ብሰላም ዝነብርን፡ ዘስምዕ ብሱሳታት ገኒኑ ዝነብረ ኮሚንስት ወይ ከኣ ማሕበርነት ስርዓት ተፈንፊኑ ኢዩ። ሚልዮናት ኣህዛብ ኣጥፊእካ ዝተተኽለ ስርዓት ማሕበርነት፡ ጨቋንን ረጋጽን፡ ንስራሕ ዘየተባብዕ፡ ንመሰል ወዲሰብ ዝድህኽ ኮይኑ ተረኺቡ ኢዩ፡ ስለዝኾነ ከኣ ድሕሪ 50-60 ዓመት እቲ ስርዓት ፈሺሉ፡ እዘን ማሕበርነት ስርዓት ዝነበረን ሃገራት፡ ብዳግመ ቃልሲ ህዝበን ብተዛማዲ ደምክራሲ ብምትእትታው ህዝበን ናብ ዝሕሽ ናብራ የምርሕ ኣሎ።
እንተኾነ ግን ብዙሓት እምባገነናት፡ ምስ ስልጣን ተጣቢቖም፡ ሃገሮም ናብ ብልሽውናን ድኽነትን ደቕዲቖም፡ ንህዝቦም ፡ ኣደዳ ውግእን ሕሰምን ገሮሞ ይርከቡ። ኤሪትራ ሃገርና ድሕሪ እቲ ናይ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ፡ ብ1991 ባዕዳዊ ብምስጓጕ ዘብቀዐ ኩናት፡ ህዝቢ ብሓጎስ ውንኡ ክሳብ ዝስሕት ሳዕሲዒሉን ዓሊልሉን ኢዩ። ህዝቢ መሲልዎ ዝነበረ፡ ገድሊ ከምቲ ስሙ ዝገልጾ ፡ ዘበነ ገድሊ፡ ዘበነ ሕሰም፡ ዘበነ መስዋእቲ ኣብቂዑ፡ ዘበነ ሰላም ዘበነ ራህዋ፡ ዝተጀመረ ኢዩ መሲልዎ። እንዳሓደር ህዝብና ክግንዘቦ ዝኸኣለ ግን፡ መርሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ንስልጣኑ ደኣ’ምበር፡ ንሓልዮት ህዝቢ ከምዘይተቓለሰ ኢዩ። ስሰዕ ስልጣን ጥራይ ዘይኮነ ህዝቢ ናይ ምጽናት ኮነ ናይ ምብትታን ሜላትት ከምዝኽተል እውን ብጋህዲ ዝረኤ ዘሎ ኢዩ። ዕላምኡ ንምትግባር ከኣ እዚ እንርእዮ ዘለና ፡ህዝቢ የድክን፡ የርዕድን ኣሎ፡ ንህዝቢ ኣብ ሃዋሁ ኩናት ኣንቢሩ ሰላምን ቅሳነትን ከሊእዎ ኣሎ። ነቲ ሓድሽ ወልዶ ተካኢ ወለዶ ፡ ከይስስንን ኣብ ቁምነገር ከይበጽሕን ፡ ብትምህርቲ ኣደንቊሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩናት ጠቢሱ፡ ብጊላነት ኣልሚሱ ኣደዳ ስደት ብምግባር ሃገር ብዘይ መንእሰይ ተሪፋ ኣላ።
ኣብዚ ክንርደኦ ዘለና፡ ህግደፍን፡ ህግን ፡ (ህዝባዊ ገንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ፡ ህዝባዊ ግንባርን) ናይ ሓደ ሰልዲ 2 ገጽ ስለዝኾነ ፡ ብዛዕባ ሕዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ክዝረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ህዝባዊ ግንባር፡ ይዝረብ ከምዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን፡ እቲ ሓቂ ንሱ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ሜዳ ኤሪትራ፡ ብግዜ ገድሊ መርሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ንጹሃት ዘጋታት በላሕትን ሰብሕልና እናቀንጸለ ን 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘጽነሖ ሰይጣናዊ ልማድ ፡ ኣብ ዓዲ ምስኣተወ’ውን፡ ብዝኸፍኤ ስለዝቐጸሎ፡ ህዝብና እዚ ንርእዮ ዘለና ዘሕዝን ምብትታን ኣጓኒፍዎ ይርከብ። በዚ ምኽንያት’ዚ ከኣ ብዙሓት ሰብ ሕልና ተጋደልትን፡ ኣገልግሎት ዝነበሩን፡ንድሕሪት ተመሊሶም ናይዚ መርሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ኣብልዕሊ ንጹሃት ተቓለስቲ ዝፈጸሞ ግፍዕታት ሳላ ግዜ ዝፈጠሮ ተክኖሎጂ ብመራኸቢ ብዙሃን የቃልዕዎ ኣለዉ። ብፍላይ ናይ ገሊኦም ምስክርነት ንብዙሕ ዓመታት ድቃስ ዝኸልኦም ዓቚሮሞ ዝጸንሑ ዘተንፍስዎ ዘሎዉ ዝረኣይዎ ግፍዕታት ፡ ብወዲ ሰብ ኣእምሮ ክትሓስቦ ዘጸግም ብኣዚዩ ጨካንን ባርባራውን ኣገባብ ብዙሓት ደቂ ህዝቢ ብህዝባዊ ግንባር ከምዝተቐተሉ ኢዩ።
እዚ ኵሉ ክፍኣት ንኽፍጽሙ ዘኽኣሎም ሜላ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ምስጢራዊት ኣጽናቲት ሰልፊ ምህላው፡ ተጋዳላይ መሰሉ ከይሓትት፡ ርኢትኡ ከይህብ ፡ ንኡስ ብርጅዋ፡ ትሕቲ ሃገርነት፡ ጸቢብነት ፡ ሓሙሻይ መስርዕ፡ ዝኣመሰሉ ሓረጋት ብምዝውታር ፡ ተጋዳላይ ኣፉ ከይ ከፍት ብፍርሒ ከምዝነብር ስለ ዝገበሮ ኢዩ። ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ዝፍጸም ዘሎ’ውን ንሱ ኢዩ። ተጋዳላይ ኮነ ወተሃደር ዲሲፕሊን ከምዘድልዮ ዘይከሓድ ኢዩ። እዘን ኵለን ምዕቡላት ሃገራት እውን ብድስፒሊን ዝተሃንጸ ስራዊት ኢዩ ዘለወን፡ መሰልን ግደታን ዝበሃል ከኣ ኣሎ፡ ኣብ ኤሪትራ ግን ተጋዳላይ ይኹን ኣገልግሎት፡ እንኮላይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባርነት ኢዩ ዝነብር ዘሎ። ስለዚ ወዲ ሰብ ንባዕሉ ነጻ ከይኮነ ንኻልኦት ነጻ ከውጽእ ስለዘይኽእል፡ ካብ መጀመርያ ተጋዳላይ መሰሉ ናይ ምጥባቕ ኮነ ርኢትኡ ናይ ምግላጽ ነይርዎ እንተዝኸውን እዚ ኵሉ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ኣይምተፈጸመን፡ ነዞም በላዕቲ ሰብ ዝኾኑ መራሕቲ ሒዞም ከኣ ዓዲ ኣይመኣተዉን። ሕጂ ከኣ እንቃለስሉን ክንምስርቶ እንደሊ ስርዓት፡ ርኢቶኻ ብምሃብካ ምዩቕ እትብለላ ሃገር ክትከውን ስለዘይግባኣ፡ ንፍተዮ ንጽለኣዮ ርኢቶ ውልቀሰብ ክኽበር ኣለዎ ። ውልቀሰብ ዝሃቦ ርኢቶ ንበሃሊኡ ይምልከት፡ ሃናጺ እንተኮይኑ ትመሃረሉ፡ እንተዘይደለኻ ትገድፎ። ርኢቶ ኣይዶሎጂ ኣይኮነን ፡ ምስ ሰብ ምስተረዳዳእካ ተእምን፡ ወይ ናይ ካልኦት ሓሳብ ትቕበል ማለት ኢዩ። ስለዚ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ኣብ ጓል መገዲ ከየስግለን ከይተፍላለየን ቃልሱ ናብቲ ዋና ጽላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ከሐይል ግዜ ይጠልበና’ሎ። ንወሃብቲ ሪኢቶ ከኣ ፡ ርኢተኦም ንደለይቲ ፍትሒ ዘሕብር ፡ ዕምሪ ህግደፍ ዘሕጽር ዝዓለመ ክኸውን ብርኢቶይ እላቦ።
ዓንዲ ማእከል፡ መጻኢት ደሞክራስያዊት ኤሪትራ፡ መሰል ውልቀሰብ ዝኽበራ፡ ሓሳባትካን ሃንደበትካን ምግላጽ ብዘይ ሽቝረራ፡ መራሕትኻ ምድያብ ምውራድ ብ ቁዋማዊ ምሕደራ፡ ኤሪትር ንኽትከውን ብልሽውና ዘጥፈኤት ጻዕራም ዝኽበራ፡ ይኹን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ወፈራ፡
ፍትሒ ይንገስ፡ ስርዓት ህግደፍ ይፍረስ።
ሰላምን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤሪትራ። ዘርእማርያም ሃ. ክፍለ