እዛ ኣርእስቲ ይኹን ካብ እዚ ቀጺለ ምስኩነታትና እንዳኣዛመድኩ ከቕርቦ ወሲነ ዘለኹ ጹሕፍ ካብ ወፍሪ
ድሕነት እትብል መጽሓፍ ብኣታኽልቲ ሓጎስ ዝተጻሕፈት ዝረኸብኩዎ ኢዩ ካብ መጽሓፍ ሓንቲ ዓለም
ናይ መምህር ኣማኑኤል ሳህለ’ውን ፈይ ከብለላ መደብ ኣለኒ
ንቐጽል በሉብኣፍደገ
ዝኽኣለ ይጉየ ክጎዪ ዘይክእል ይሳለ ዝተሸኽለ ይተኣለ
(ካብ መጽሓፍ ወፍሪ ድሕነት ብኣታኽልቲ ሓጎስ)
እቲ ዝነበረ ኣካይዳ ቃልሲ ተገምጊሙ ከድምዕ ከም ዘይክእል ተኣመነሉ ውድብ ከኣ ሓድሽ ጭርሖ
ንቃልሲ ኣነሃሂሩ ክዕወት ተደልየ በዚ ከኣ ዝኽኣለ ይጉየ ክጎዪ ዘይክእል ይሳለ ዝተሸኽለ ይተኣለ
ዝብል ጭርሖ ኣልዓለ እንተኾነ ነዚ እውን ካልእ ዕንቅፋት ተረኺብዎ ገለ ካብ እቲ ቃልሲ ለመም
እንዳበለ ክኸይድ ረብሓ ዝነበሮም ገሊኦም ካኣ ነባራት ኣብ ቃልሲ ስለዝነበሩ ብነባርነቶም ንዝሓዝዎ ቦታ
ቃልሲ ከይስእኑ ብምሕሳብ ገሊኦም ምሁራት ኢና ብምባል ናይ ምሁር ኣካል ቦታ ክትሓዘሎምን ዋጋ
ክኽፈሎም ካብ እቲ ቃልሲ ዝጽበዩን ነበሩ እዚ ዘስዓበሎም ጭንቀት ነቲ ሓድሽ ጭርሖ ምቕባል
ኣበይዎ እቲ ቃልሲ ክዕወት እንተኾይኑ ግን ነቶም እዚ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እውን ከየትረፈ (ገደፈ)
ኣእሚኑ ክጎዓዝ ኔርዎ ምኽንያቱ ነቲ ዝድለ ዘሎ ዓወት ንምዕታር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣበርክቶ ናይ
ነብሲ–ወከፍ ተቓላሳይ ኣቕሊልካ ስለ ዘይርአ በዚ መሰረት ምስ ኩሎም ዘተ ተኻየደ ዳርጋ ንኹሎም
ከኣ በቲ ቕኑዕ ሓድሽ ኣወዳድባ ክህሉ ዝኽእል ኣሳልጦ ኣእሚኑ ናብ መስርዕ ቃልሲ መለሶም ነቶም
ዉሑዳት ኣብ ረብሐኦም ጥራሕ ኣተኲሮም ንምርድዳእ ዝቐረቡ እሞ ክኣምኑ ዘይደለዩ ግን፣ ጠንጢንዎም
ተጓዕዘ በዚ ከኣ እቲ ቃልሲ ኣስተርህዩ ጉዕዙኡ ብናህሪ ቀጸለ
እዚ ጽሑፍ ንዓይ መሲጡኒ፤ እንተኾነ ግን ከም እዚ ዝበለ ተበግሶ ዝቦኾሮ ቃልስና ብጻዕርና ዘይኮነስ ግዜ
ብዝምልሶ ዘሎ ኣካይዳ ናብ ካልኣይ መድረኹ ክሰጋገር ዝተረፎ ስለ ዘይብሉ ኢዩ ይመስለኒ ኣዝዩ
እንዳተረረ ይኸይድ ኣሎ ህዝቢ ብወገኑ ነዚ ደቁ ዝወፍየሉ ዘሎ ቃልሲ ሙሉእ ብሙሉእ ከስተብህለሉን
ናይ ኢዱ ናይ እግሩ ነጊፉ ከስንቖን ክስዕቦን ጀሚሩ ኣሎ ብፍላይ ኣብ ምሃብ ሓበሬታን ሓርነቱ
ንኸረጋግጽ ዝገብሮ ዘሎ ላዕሊ ታሕትን ዝምስገን ኢዩ
ዘስተብህል ሕልና እንተደኣ ተሰኲዕልና ሃልዩ እዚ ናይ ሎሚ ቅነ ኪኖ ምምዛን ተግባራቱ ካልእ ናይ ቃል
ምስክር ዘየድልዮ፣ ኣብ ሙሉእ ሃገር ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ህያው ምስክሩ ኢዩ እንተ ኾነ ነቲ
ህዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሳት ቆብ ኣቢሉ ናብ ዘጎልብት ረብሓ ሓርነት ከውዕሎ ዝኽእል ውድባዊ
መስመር ብርእዮ ተቐቢጹ እንሀ እቲ ምንታይ ውድባትና ሕድ-ሕደንስ ይትረፍ ኣብ ውሽጠን እዃ
ዘይሰማምዓ ምዃነን ካብ ትዕዝብተይ ከካፍል ትብዓት ኣለኒ ሕሉፍ ሓሊፍወን ለውጢ ኣብ ኣካይዳ
ንእዋናዊ ናህሪ ከወስኽ ዝኽእል ጭርሖ ምስ ዝሰምዓ ቀርና ከም ዝተሃርመት ላም ጽንግሊል ይስርሓ
መንእሰይ ወለዶና’ውን እንተኾነ ተሓታትነቱ ብምኽኒት ሕመቕ ውድባት ክሽፍን
ልዕሊ ጉጭ ስሒትካያ
ትሕቲ ጉጭ ስሒትካያ
ክብል ናብ እቶም ናይ ምቅላስ መሰሎም ከይተረፈ ኣይግበኣኩምን ኢዩ ክብሎም
ዝቀራረብ ገዳይም ወይ ሽማግለታት ተቓለስቲ ኣድሂቡ ኢዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ በዚ መሰረት ካብ ናብ
ህግደፍናብኣቶምኣተኲሩዝገብሮምውንጃልይበዝሕ