ወፍሪ ድሕነት ብሰንሰሎማይ ሰላም ኣብ ሃገር

  • እዛ ኣርእስቲ ይኹን ካብ እዚ ቀጺለ ምስኩነታትና እንዳኣዛመድኩ ከቕርቦ ወሲነ ዘለኹ ጹሕፍ ካብ ወፍሪ
    ድሕነት እትብል መጽሓፍ ብኣታኽልቲ ሓጎስ ዝተጻሕፈት ዝረኸብኩዎ ኢዩ ካብ መጽሓፍ ሓንቲ ዓለም
    ናይ መምህር ኣማኑኤል ሳህለ’ውን ፈይ ከብለላ መደብ ኣለኒ
    ንቐጽል በሉብኣፍደገ
    ዝኽኣለ ይጉየ ክጎዪ ዘይክእል ይሳለ ዝተሸኽለ ይተኣለ
    (ካብ መጽሓፍ ወፍሪ ድሕነት ብኣታኽልቲ ሓጎስ)
    እቲ ዝነበረ ኣካይዳ ቃልሲ ተገምጊሙ ከድምዕ ከም ዘይክእል ተኣመነሉ ውድብ ከኣ ሓድሽ ጭርሖ
    ንቃልሲ ኣነሃሂሩ ክዕወት ተደልየ በዚ ከኣ ዝኽኣለ ይጉየ ክጎዪ ዘይክእል ይሳለ ዝተሸኽለ ይተኣለ
    ዝብል ጭርሖ ኣልዓለ እንተኾነ ነዚ እውን ካልእ ዕንቅፋት ተረኺብዎ ገለ ካብ እቲ ቃልሲ ለመም
    እንዳበለ ክኸይድ ረብሓ ዝነበሮም ገሊኦም ካኣ ነባራት ኣብ ቃልሲ ስለዝነበሩ ብነባርነቶም ንዝሓዝዎ ቦታ
    ቃልሲ ከይስእኑ ብምሕሳብ ገሊኦም ሁራት ኢና ብምባል ናይ ምሁር ኣካል ቦታ ክትሓዘሎምን ዋጋ
    ክኽፈሎም ካብ እቲ ቃልሲ ዝጽበዩን ነበሩ እዚ ዘስዓበሎም ጭንቀት ነቲ ሓድሽ ጭርሖ ምቕባል
    ኣበይዎ እቲ ቃልሲ ክዕወት እንተኾይኑ ግን ነቶም እዚ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እውን ከየትረፈ (ገደፈ)
    ኣእሚኑ ክጎዓዝ ኔርዎ ምኽንያቱ ነቲ ዝድለ ዘሎ ዓወት ንምዕታር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ኣበርክቶ ናይ
    ብሲወከፍ ተቓላሳይ ኣቕሊልካ ስለ ዘይርአ በዚ መሰረት ምስ ኩሎም ዘተ ተኻየደ ዳርጋ ንኹሎም
    ከኣ በቲ ቕኑዕ ሓድሽ ኣወዳድባ ክህሉ ዝኽእል ኣሳልጦ ኣእሚኑ ናብ መስርዕ ቃልሲ መለሶም ነቶም
    ዉሑዳት ኣብ ረብሐኦም ጥራሕ ኣተኲሮም ንምርድዳእ ዝቐረቡ እሞ ክኣምኑ ዘይደለዩ ግን፣ ጠንጢንዎም
    ተጓዕዘ በዚ ከኣ እቲ ቃልሲ ኣስተርህዩ ጉዕዙኡ ብናህሪ ቀጸለ
    እዚ ጽሑፍ ንዓይ መሲጡኒ፤ እንተኾነ ግን ከም እዚ ዝበለ ተበግሶ ዝቦኾሮ ቃልስና ብጻዕርና ዘይኮነስ ግዜ
    ብዝምልሶ ዘሎ ኣካይዳ ናብ ካልኣይ መድረኹ ክሰጋገር ዝተረፎ ስለ ዘይብሉ ኢዩ ይመስለኒ ኣዝዩ
    እንዳተረረ ይኸይድ ኣሎ ህዝቢ ብወገኑ ነዚ ደቁ ዝወፍየሉ ዘሎ ቃልሲ ሙሉእ ብሙሉእ ከስተብህለሉን
    ናይ ኢዱ ናይ እግሩ ነጊፉ ከስንቖን ክስዕቦን ጀሚሩ ኣሎ ብፍላይ ኣብ ምሃብ ሓበሬታን ሓርነቱ
    ንኸረጋግጽ ዝገብሮ ዘሎ ላዕሊ ታሕትን ዝምስገን ኢዩ
    ዘስተብህል ሕልና እንተደኣ ተሰኲዕልና ሃልዩ እዚ ናይ ሎሚ ቅነ ኪኖ ምምዛን ተግባራቱ ካልእ ናይ ቃል
    ምስክር ዘየድልዮ፣ ኣብ ሙሉእ ሃገር ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት ህያው ምስክሩ ኢዩ እንተ ኾነ ነቲ
    ህዝቢ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓሳት ቆብ ኣቢሉ ናብ ዘጎልብት ረብሓ ሓርነት ከውዕሎ ዝኽእል ውድባዊ
    መስመር ብርእዮ ተቐቢጹ እንሀ እቲ ምንታይ ውድባትና ሕድ-ሕደንስ ይትረፍ ኣብ ውሽጠን እዃ
    ዘይሰማምዓ ምዃነን ካብ ትዕዝብተይ ከካፍል ትብዓት ኣለኒ ሕሉፍ ሓሊፍወን ለውጢ ኣብ ኣካይዳ
    ንእዋናዊ ናህሪ ከወስኽ ዝኽእል ጭርሖ ምስ ዝሰምዓ ቀርና ከም ዝተሃርመት ላም ጽንግሊል ይስርሓ
    መንእሰይ ወለዶና’ውን እንተኾነ ተሓታትነቱ ብምኽኒት ሕመቕ ውድባት ክሽፍ
    ልዕ ጉጭ ሒትካ
    ትሕቲ ጉጭ ሒትካ
    ክብል ናብ እቶም ናይ ምቅላስ መሰሎም ከይተረፈ ኣይግበኣኩምን ኢዩ ክብሎም
    ዝቀራረብ ገዳይም ወይ ሽማግለታት ተቓለስቲ ኣድሂቡ ኢዩ ዝንቀሳቐስ ዘሎ በዚ መሰረት ካብ ናብ
    ህግደፍናብኣቶምኣተኲሩዝገብሮምውንጃልይበዝሕ
  • ሕጂ (ኣብ መጽሓፍ ሓንቲ ዓለም ብመምህር ኣማኑኤል ሳህለ) ሰፊራ ካብ ዝረኸብኩዋ ቁምነገር ከካፍለኩም ” እቶም ናይ
    ለውጢ ሃወርያት ብትምህርቶም ኮነ ብኣብነታቶም ብቓልሶም ወይ በቲ ገዲፎምዎ ዝኸዱ መጻሕፍቲ ወይ
    ስርሓት ንንቕሓት ወዲ ሰብ ክብ ከብሉ ሓይሊ ኣለዎም ንሳቶም ንቓልሶም ዝጥቀሙሉ ብልሓት ፉሉይ
    ጥበብን ተወፋይነትን መስዋእትነትን ኢዩ እቲ መስዋእትነት ብግልበት፣ ብነብስኻ ምግታእ፣ ንኹሉ
    ጸገማት ብትዕግስቲ ብምብዳህን ኣብ መጠረስታ በቲ ዝኣመንካሉ ብምምዋት ዝካየድ ወይ ዝፍጸም ተግባር
    ኢዩ እምበኣርከስ ኣብ እዚኣ ምርኩስ ብምግባር ናይ ለውጢ ሃወርያ እየ ዝብል ዓቢ ይኹን ንእሽቶ
    ብዘየገድስ ዕድመ ኤርትራዊ ደላይ ለውጢ እንተ ኾነ ንለውጢ ዝኸውን ትምህርቲ ስራሕ ፍረ የፈሪ
    እንተዘየሎ ንዘድሊ ለውጢ ቅሩብ እምበር ብለውጢ ዝብርግግ ክኸውን መን ይጽበዮ ኣብ እዋና በሉ
    ዓበይቲ ተቓለስቲ መንእሰያት ተቓለስቲ ዝህብዎም ሪኢቶ ሕቶ ሓሳብ ኣብ ክንዲ ዘመሓድሩ ጓል
    መገዲ ክሕዙ ምዕዛብ መንእሰያት ተቓለስቲ ከኣ ንሽማግለታት (ጋዳይም) ታቓለስቲ ክገድፍዎ ንቃልሲ
    ዘይኮኑ ክደፋፍእዎም ዝግባእ፣ ናብ እቲ ጋዳይም ተቓለስቲ ዘጻንሕዎ ናይ ቃልሲ ባይታ ብተግባር
    ተጸንቢሮም ነቲ ቃልሲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዘመናውነት ክቕይሩን ባዕሎም ብብቕዓቶም
    ብተሳታፍነቶም ክርከብዎን ክመርሕዎን እምበር መንእሰይ ስለ ዝኾነ ጥራሕ ናይቃልሲሓላፍነት
    ደርቢይሉ ዝኸይድ ገዲም ክህሉ ከም ዘይግባእ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ ከምኡ ንኽገብሩ ዝኽልክሎም
    ሓይሊ ኣሎ ኢለውን ኣይኣምንን ኢየ ካልእ እቲ ዝኸፍአ ነቶም ኣብ ባይታ ቃልሲ ዘለዉ መዛኑ
    መንእሰያት ኣበይ እሞ ከስርሕኹም ኮይኖም ከዳኽሙኹም እምበር መራሕቲ ውድባት ብዝብል ናይ
    ቃልሲ ቀቢጸ ተስፋ ኣብክንዲ ዘርክቦም ንድሕሪት ክጎቶም ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ንረኽቦ ነገር ሓቂ ግን
    መንእሰይ ሓዱሽ ናይ ሓርነት ጭርሖ ብምልዓል ነቶም ዕንቅፍቲ ናህሩ ክኾንዎ ዝኽእሉ ዘየርባሕቲ ስነ
    ሓሳብ ቃልሲ ይኹኑ ውልቀ ሰባት ብትብዓት ኣብ ፊቶም ቀሪቡ ዝርዓም ሓሳቡ ኣፍሲሱ ንዝስዕብዎ ሒዙ
    ቃልሱ ከማእዝን ጥራሕ ኢዩዝግብኦንዘድልዮን
    ብሰንሰሎማይ ሰላም ኣብ ሃገር!!!
    ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
    ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
    11 ማዝያ / 2016

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *