ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ መላእ ኩርናዕ ኤርትራ ተገፊፎም ኣብ ጋሽ-ባርካ ክዕለሙ ከም ዝጸንሑ እሞ መደብ ናይ ኣስገዳድ እዋን ዕስክርነኦም ኣብ ዓሰብ ስለ ዝኾነ ማዝያ 03 / 2016 ብ 18 በጠሓት (ክፉታት ናይ ንብረት ዓበይቲ መካይን) ተጻዒኖም ዝግዕዙ ዝነበሩ ልዕሊ 4200 ዜጋታትና ዕራርቦ ኣብ ኣስመራ ምስ በጽሑ፡ እቲ ጉዑዞ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ እኳ እንተ ነበረ፡ ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይ ኣባሻውል ምስበጽሑ ግን ካብ እተን መካይን ዘዘሊሎም ዝስወሩ መንእሰያት እንዳበርከቱ ብምምጽኦም፡ ብኡ ንቡኡ ከኣ ብተመልከተለይ ተኹሲ ስለ ተኸፍተሎም 6 መንእሰያት ሻድሸይቶም ጓል ብዓረር ህግደፍ ተቐዚፎም ምህላዎም ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ ኣብ እቲ ናብ ዝሃድሙን ንመፈራርሂ ናብ ሰማይን ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ዝቐጸለ ተኹሲ፡ መካይን ደው ከም ዝብላ ተጌሩ ዕጡቓት ገሊኦም ወሪዶም ንዝሃድሙ ክከታተሉን ክትኩሱን ገሊኦም ድማ ኣብ ዝባን እተን መካይን ብምትራፍ ነቶም ዝተረፉ ብበትሪ ክሰሃልዎም ዝተዓዘበ ህዝቢ ኣውያቱ ደርጒሑ፡ ብንጹር ተቓዉሙኡ ከስምዕ ብምጅማሩ፡ ናብ ሓደ ዝልሕም ተቓዉሞ ንኸይቅጽል ኣብ ዓቢ ስግኣት ዝወደቑ መሳሰይቲ እቲ ስርዓት፡ ንህዝቢ ማለት ነቶም እቲ ግፍዒ ኣስከንኪንዎም ስለምንታይ ዝብልዎም ዝነበሩ፡ ኣብዛሕትኡ ቆልዓ ሰበይቲ ዝተራእዮ ምንቅስቓስ፡ እቶም ዕጡቓት ብኣስገዳድ ነቲ ህዝቢ ነናብ ገዝኡ ክኣቱ ክግድድዎን ህዝቢ ብወገኑ ኣብ ህልኽ አትዩ ምንባሩ ተሓቢሩ፡፡ እዚ ከይኣክል እቶም ዝወደቑ ዜጋታት ናብ ሆስፒታል ኦረታ ክውሰዱ ስለ ዝተዓዘበ ደድሕሪ እቶም ግዳያት እኩዋ እንተ ሰዓበ፡ ሆስፒታል ኦረታ ግን ብዕጡቓት ተኸቢቡ ሕሙም ንምብጻሕ ምእታው ተኸልኪሉ ብኡ መሰረት እውን በጻሕቲ ሕሙማት ክሳብ ትማሊ ምሸት ናብ ሆስፒታል ኦረታ ከይኣትዉ ከም ዝወዓሉ ምንጭታት ግሃድኤ-ሕድሪ ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡
በቲ ዘጋጠመ ዝተሸቐለ ስርዓት ካብ እታ ምሸት 03 / ማዝያ /2016 ጀሚሩ ክሳብ ትማሊ ፍርቂ መዓልቲ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ዝተሳተፍዎ ኣብ ኣስመራ ግፋ ቀጺሉ ዊዒሉ ከይኣክል፡ ህዝቢ ነቲ ዘጓነፈ ኣድህቦ ሂቡ ምእንቲ ከይንቀሳቐሰሉን ሓበሬታ ከይለዋወጠሉን ብምሕላን ብኻልእ ዘጓነፈ ምእንቲ ክጉልብቦ ነቲ ንገለ ኣዋር ኣቋሪጽዎ ዝጸንሐ ምፍራስ ኣባይቲ ብቀሓውታ ብምጅማር ክረምቲ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ ግዜ ንህዝቢ ብዘይ መጽለሊ ንምትራፍን ኣደዳ ኣደራዕ ንምዃንን ተታሓሒዝዎ ዊዒሉ ኣሎ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ እዚ ቅንያት መዓልቲ ናጽነት ነቲ ኣዳልዪዎ ዘሎ፡ ናይ ረኣዩለይ ስምዑለይ ምስሉይ ገጽ ናጽነት ዝብድህ ተቓዉሞ ከይገጥሞ ኣብ ዓቢ ስክፍታ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ኣብ ኣስመራ ብሲብል ዝለበሱ ኣእዛን ዝኾንዎ ዕሱባት ብብዝሒ ኣዋፊሩ ምህላዉ ከይኣክል ኣሃዱታት ፍሉይ ሓይልታትን ሃገራዊ ድሕነት (እንዳ ጸጥታ) ብምምጻእ ክቆጻጸሮ ኣብ ሓያል ወጥሪ ኣሎ፡፡
ድሕነት ህዝበን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ቤት ጽሕፈትዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ
ማዝያ 05 / 2016