ኣብ ከናዳ ዝርከቡ ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪ ሓዱሽ ስርርዕ ይገብሩ

Serawit-Hidri
ኣባላት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ነበርቲ ከናዳ፡ ህዝብን ሃገርን ምድሓን ልዕሊ ኩሉ ዝብል መሪሕ ስነ-ሓሳብ ምርኩስ ብምግባር፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ሓዱሽ ስርርዕ ጌሮም፡፡ እዞም ኣብ ከናዳ ዝርከቡ ተቓለስቲ እቲ ሓዱሽ ስርርዕ ዘድለዮም ምኽንያት ክገልጹ ከለዉ፡ ንዝሓለፍዎ ኣካይዳ ስርርዕ ብጉቡእ ድሕሪ ምምዛን እሞ ነቲ ዝነበረ ተኸቲሎም ነዚ ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ክጭበጥ ዘለዎ ናይ ቃልሲ ኣበርክቶ ክዓትርዎ ከምዘይክእሉ ብምግምጋሞም ምዃኖም ኣነጺሮም፡፡
እዞም ብሓዱሽ መንፈስ ሃገራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ብመሪሕነት ክዋስኡ ተበጊሶም ዘለዉ ብጾት፡ ቃልሲ ብጥርናፈ ይድልድል፡ ዓወት ብኡ መጠን ይቃላጠፍ፡ ውዳበ ሓይሊ ኢዩ፡ ዝብል ጉጂለ ይኹን ውልቀ ተቓላሲ ክጽንበሮም ዝዕድሙ ዘለዉ ተቓለቲ፡ ኣብ እዚ መርገጺ ዝኣምኑ ዜጋታት ብፍላይ መንእሰያት ነዚ ዘሎ ስርርዕ ኣወዳድባ ክጽንበርዎን፡ ኣበርክትኦም ከሐይልሉን ብምዕዳም ጸዋዒቶም የቕርቡ፡፡
ኣባላትን ኣመራርሓን ግሃድኤ-ሕድሪ ካናዳ፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ተወሳኺ መልእኽቲ ነቲ ብመንእሰያትን ገዳይም ተጋደልትን እንዳ ተቐለሰ ክብርቲ ሂወቱ ዝውፊ ዘሎ ሰራዊት ሕድሪ ዘድልዮ ናይቃልሲ ጠለባት ንምምላእ ግቡእ ናይ ተቓለስቲ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ደላይፍትሒ ብኣበርክትኡ ንሰራዊት ሕድሪ ኣለናልካ ክብሎ ብናይ ቃልሲ መንፈስ ጸዋዒትና ነቕርብ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ቤት ጽሕፈትዜናን ባህልን ግሃድኤ-ሕድሪ
ማዝያ 05/ 2016
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድሪ
حيدرى – جبهة الإنقاذ الوطني الإرترية

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *