ኩሉ መስርሕ ለውጢ ግን ኣወንታዊ’ዩ ማለት ኣይኮነን። ዝውስኖ ድማ ባዕሉ ወዲ-ሰብ’ዩ። ናብ ፖለቲካዊ ኩነታትና ምስ እንምለስ ንረኽቦ ሓቂ’ውን ንሱ’ዩ። ብፍላይ ገለ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንቃለስ ኣለና ዝብሉ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ብሓሳብን ብተግባርን ተኸባቢሮምን ተወሃሂዶምን ኣብ ክንዲ ምስራሕ፡ ካብኡ ውጽእ ብዝበለ መንገዲ ክኸዱ እንክትርኢ፡ ካን ኮይኑና መድሓኒት ከም ዝተግብረልና ኣብ ዕኒይኒይ ክነብር ትብል። ኣብ መስርሕ ተጋድሎና ተኣማሚንካን ተደጋጊፍካ ኣብ ዝተሰርሓሉ ኣጋጣሚታት ኣወንታዊ ውጽኢት ክምዝገብ ተራእዩ’ዩ። ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ዝበኾረሉ ኣብ ጸቢብ ሕሳባት ጥሒልካ ሓደ ነቲ ካልእ ንምጽላም ኣብ ዝውፈረሉ ዝርከብ ውጽኢት ኣሉታዊ ምዃኑ’ውን ክንዕዘብ ጸኒሕና።
እቲ ጉዳይ ኤርትራውያን ካብ ጌጋና ኣብ ምምሃር ርኡይ ጸገም ዘለና ኮይኑ ይረኣየኒ። ብፍላይ ሎሚ እቲ ዝካየድ ቃልሲ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ስደትን ብወሳኒ መልክዑ ከኣ ኣብ ከተማታትን ብምዃኑ፡ ገለ ውድባት ልዕሊ’ቲ ተወዲብናሉ ዝብልዎ ፖለቲካዊ ዕላማ ገለ ዝገዝኦም ባህርያት ዘማዕበሉ ይመስሉ። ክንደይ ግዜን ከቢድ ቃልስን ዝተኻየደሉ ብሓባር ዘቃልስ ዘዐውት ናይ ቃልሲ ሜላታት ወይ ግንባራት ተመስሪቱ እናሃለወ ንዕኡ ኣብ ክንዲምእራምን ምምዕባልን፡ ወይ ብዝሓየለ ኣዋዳድባን ኣሳራርሓን ክስጉም ኣብ ክንዲ ምግባር ናይ ትሕዝቶ ለውጢ ዘይብሉ ሓድሽ ውደባ ክነገብር ኢና፡ ተኣምር ከነምጽእ ኢና፡ በዓል እከለ ግን ዋጋ የብሎምን እናበለካ ምጉስጓስን፡ ንካልኦት ምንእኣስን ብነግ ፈረግ ነብሶም ከላልዩ ክዕዘብ እንከለኹ ኣዝዩ ይገርመኒ።
ሓደ ካብ’ቲ ዝገርመኒ ድማ፡ እንታይ’ዩ እቲ ሓዲሽ ለውጢ ኢለ ክርኢ ክፍትን እንከለኹ ብዘያካ ኣብ ተሞክሮን ታሪኽን እንተዘይኮይኑ ሓዲሽ ናይ ኣራኣእያ ይኹን ናይ መትከላትን ኣታሓሳስባታት ኣዋዳድባን ብዙሕ ዝድህሰስ ለውጢ ኣይራኣኹን፡፡ ኣንቱም ኣሕዋት መንገዲ ዓወት ደኣ እቲ ዝነበረ ናይ ሓባር ግንባራት ብምሕያልን ምስ’ቶም ዝበዝሑ ዝጸንሐ ዝምድናታትካ ብምምሕያሽን ምጥንኻር ዶ ኣይመሐሸን? ኢለ ‘ውን ኣብ ቃልሲ ምስ ዝግደሱ ሰባት ተዛራሪበ፡፡ ብምፍልላይ እንታይ ሓይሊ ትረኽቡ? ህዝቢ’ኸ ከመይ ተስፋ ይገብር ምስ እትብሎም ዝህብዎ መልሲ ብዙሕ ዘዕግብ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ዕድመ ስርዓት ኢሳያስ ዘናውሕ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እዚ ዘይብሱል፡ ኣካይዳታት ይመስለኒ። ህዝቢ’ኮ ዘይሰምሩ ኣብ ዝሓዝዎ ተጠናኺሮም ዘይወጹ’ምበር፡ ዘይበታተኑ፡ ኣብ ክንዲ ዝውሑዱ ዘይበዝሑ ኣይኮነን ዝብል ዘሎ። ውድባት ክንዲ ዝተበተና’ዩ ናይ ቃልሲ ኒያቱ ዝመውት ዝብተን ዘሎ።
እቲ ፍታሕ ወግሐ-ጸብሐ ሓድሽ ውድብን ግንባርን ምግባር ዘይኮነ፡ እንተኽኢልካ ወይ ብቁዕ’የ ትብል እንተኾይንካ ነቲ ዘይበቅዐ እትብሎ ዝማሓዘወካ ኣካልካ በቃልሲ ክበቅዕ ክትገብሮ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጣየሰ ግንባር ምዕራይን ምጉልባትን፡ ኣብ መቖሚያታቱ ኣብ ተግባር ኣወዓዕላኡን ኣመራርሓኡን ጎደሎታት እንተለዎ ከኣ ተረዳዲእካ ምምሕያሽ ምሓሸ እብል፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ዝሓሸ ከይሓዝካ ናተይ ጻዕዳ ናይ እከለ ጸሊም ምባልሲ ኣይልቦናን። ኣይመንገዲ ዓወትን። ንቕድሚት ዘሰጉም ዘይኮነስ ምስናይ ከቢድ ክሳራታቱ ንድሕሪት ዝመልስ’ዩ። ምኽንያቱ’ሲ ሓድሽ ዘይብሉ ተሓዲስና ኣለና ዝብል ወፍሪ፡ ከም’ቲ “ደራሆስ በምዑት ደቃ ትጻወት” ዝበሃል ምስላ’ዩ ዘዝኻኽርኒ። ብርግጽ እዚ ባህሊ’ዚ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ እናሽዕ መልኩዑ እናቅያይረ ዝኽሰት ዘይሓጋዚ ተሞክሮ’ዚ ካብኡ መሊእና ክንገላግል ዘይምኽኣልና ምዃኑ ይርድእኒ’ዩ። መመሊሱ ዝደጋግም ዘሎ ከኣ፡ ብግዝያዊ ጸቢብ ረብሓታት ዓዊርካ ተፋላሊኻ ዝኽየድ ጉዕዞ ቃልሲ ከም ኣማራጺ እናውስድካ መቃነዪ ምግባርን ከም ቅኑዕ ሜላ ቃልሲ ጌይርካ ምርኣይን ልሙድ ምዃኑ ዕትብቱ ዘይምብታኽ መጻኢ ዕድል ህዝብና ቀልጢፉ ፍታሕ ከይርክብ ዘዳናጒ ኮይኑ’ዩ ዝረኣየኒ።
ስቓይ ህዝብና ከብቅዕ፡ ምፍልላይ የብቅዕ*
ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና
ካብ ነጋሲ በራኺ ,ኣባነጋ-
ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደግሓኤ ለካቲት /0123ዝተወስደ፡ 43ሚያዝያ 5012