ህዝቢ ኤርትራ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ዓገብ ምባል ዝጀመረሉ፡ ካብ በረኻ ኣትዩ ክነሱ ንበረኸኛ ባህሪኡ
ከንጸባርቕ ካብ ዝጀመረ ግዜ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ፡፡ ነዚ ንምርግጋጽ ናይ ግዜ ሰውራ ከይጠመትና ካብ ጽባሕ
መሬታዊ ናጽነት ኤርትራ ንድሓር ምስ እንዕዘብ ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት
ኩናማ ኤርትራ ምዕዛብ ኣኻልን ህያው ምስክርን ኢዩ፡፡
ውድብ ደምሓኩኤ እምበኣር ብኩሉ መዳያዊ ዓቕሚ ንህግደፍ ክገጥሞ ካብ ዝጅምር እንሆ ዕስራን ሓደን
ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡ ነዚ ዕለት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ደምሓኩኤ ንምዝካር ኣብ ከባቢታት ግንባር
ደቡባዊ ምዕራብ ኤርትራ ላዕለዎት መራሕቲ ውድባትን ዕዱማትን ደገፍቲ ቃልሲ ዲምሓኩኤን ኣብ
ዝተረኸብሉ ማዝያ 04 / 04 / 2016 ተዘኪሩ ምውዓሉ ካብ እቲ ቦታ ጽንብል ወኪል ግሃድኤ-ሕድሪ
ብጸብጻቡ መሰረት ሓቢሩ፡፡
ኣብ እቲ ጽንብል ንውድብና ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ወኪሉ ብጻይ ኣሕመዲን ዘይኑ (ወዲ
ዘይኑ) ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ንቃልሲ ወጽዓ ኢዩ ዝወልዶ፡ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኩናማ ኤርትራ
ከኣ ፍትሒ ከንግስ ወጽዕኡ ኣለልዩ ዝተመስረተ ውድብ እዩ፡፡ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ ከኣ ነዚ ሓርነት ኣብ
ህዝቡ ከልብስ ዝቓለስ ዘሎ ሓይሊ ቅልጡፍ ዓወት ንምነየሉ፡፡ ኪኖ ምምናይ ብሓባር ኮይና ነቲ እንኮ ጸረ
ኩሉ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ገባቲ ስርዓት ገጢምና ክንስዕሮ መትከላዊ
ፖለቲካዊ ፕሮግራምና ዘነጽሮ እምነት ውድብና ምዃኑ ብምንጻር፡ ኣብ እተካይድዎ ቃልሲ ኣብ ጎድኒ እዚ
ወጽዕኡ ዘለለየ ቃልሲ ህዝቢ ኣሎና ብምባል መደርኡ ኣስሚዑ፡፡
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!!
ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ
ማዝያ 05 / 2016