ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ዝቃልዕ፡ ንለውጥን ቃልስን ድማ ዝጽውዕ በራሪ ጽሑፋት ብ11 ን 12 ጥሪ 2016 ኣብ ከተማ ኣስመራ ተበቲኑ ሓዲሩ፡ በዚ ምኽንያት ብዙሓት ዜጋታት ተኣሲሮም።

እሙናት ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ብ16 ጥሪ 2016 ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ፡ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ ብክብሪ መነባብሮን ዓፋኒ ምሕደራን ኣብ ዝተማረርሉ ወቕቲ፡ መንቀሊ ናይ’ቲ ሕሰም፡ ተሓታትን መፍትሕን ዝገልጽ ጽሑፋት ብ11 ን 12 ጥሪ 2016 ብብዝሒ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ምብታኑ፡ ንሰበ-ስልጣንን ኣባላት ጸጥታን እቲ ስርዓት ኣብ ከቢድ ስግኣት ኣእትይዎም ከም ዝርከብ ሓቢሮም።

ስምዒት ህዝቢ ብዝያዳ ገንፊሉ ከይለዓል ዝሰግኡ ሰበ ስልጣንን ኣባላት ጸጥታን ስርዓት ህግደፍ፡ መራሕቲ ናይ ከተማ ኣውቶቡስ፡ መካይን ሃብታማ ሓጺቦም ህይወቶም ዝመርሑ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ኣብ ጽሬት ጎደና ዝሰርሓ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ወገናት፡ ብዘይ ኣፍልጦኹምን ምትሕብባርኩምን ከም’ዚ ዝበለ ተግባር ኣይፍጸም ብማለት ኣሲረሞም ከም ዘለውን ኣረጋጊጾም።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቅኒያት ሰለስተ ኤርትራውያን ስነ-ጥበበኛታት

ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም።

ህግደፋዊ ተልእኾ ከዐውቱ ተልእኾ ተዋሂብዎም ካብ ኤርትራ ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝተጓዕዙ ጉጅለ ሙዚቀኛታት፡ ውሩይ ድምጻዊ ኣክሊሉ መብራህቱን ተጻዋቲ ሳክስፎን ዮሴፍ ኣሚነን፡ መደብ ፈስቲቫል ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ከተማ መልቤርን ንመንግስቲ ኣውስትራሊያ ፖለቲካዊ ዕቑባ ክህቦም ብወግዒ ሓቢሮም ከም ዘለውን ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ኣውስትራሊያ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

እቲ ብቆልስላዊ ጉዳያት ስርዓት ህግደፍ ተዳልዩ ንሰለስተ መዓልቲ ዝተኻየደ ፈስቲቫል ዝተሰምየ ዳንኪራ ብ10 ጥሪ 2016 ምስተዛዘመ ነቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰዱ ዘረጋገጹ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ ውሩይ ድምጻዊ ተመስገን ያረድ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ ሽወደን ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቱ ከም ዘሎ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ንጓል 21 ዓመት ብሓይሉ ዝተጋሰሰ ኤርትራዊ ን10 ዓመት ክእሰር ከም ዝተፈርደ ተገሊጹ

መብራህቶም ኣብርሃ ዝተባህለ ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፣ ኣብ ብሪጣንያ፣ ከተማ ሊቨርፑል፣ ኣብ ጽምዋ ቦታ ኣብ ልዕሊ ጓል ኣነስተይቲ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፈጸመ ስለ ዝተረጋገጸ ን10 ዓመታት ክእሰር ከም ዝተፈርደ፡ ንቤት ፍርዲ እታ ሃገር ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ብሪጣንያ ጸብጺበን ክትብል ረድዮ ኤረና ብ13 ጥሪ 2016 ሓቢራ።

እታ ዛጊት መንነታ ዘይተሓበረት ግዳይ፣ ድሕሪ’ቲ ዝበጽሓ ጾታዊ ዓመጽ ፍርሕን ሕፍረትን ስለዝተሰምዓ ማሕበራዊ ተነጽሎ ኣጋጢሙዋ ከምዘሎ ንቤት ፍርዲ ቃላ ከም ዝሃበት፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብወገኑ ነቲ ኩነታት ብናይ ጎደና ካሜራ ተሰንዩ ድሕሪ ዘካየዶ ምጽራይ፣ መብራህቶም ነቲ ተግባር ፈጺሙ ክሃድም ከም ዝፈተነ ብምርግጋጽ ኣብ መደምደምታ ምብጽሑን ገሊጻ።

መብራህቶም ብ19 ሓምለ 2015 ኣብ ልዕሊ እታ መንእሰይ ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምፍጻም፣ ካብ ከተማ ሊቨርፑል ሃዲሙ ኣብ ከተማ በርሚንግሃም’ዩ ክሕባእ ፈቲኑ ከም ዝነበረ፡ እንተኾነ እቲ ፍጻሜ ኣብ ማዕከን ዜና ቢቢሲ መደብ ኣተኩሮ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ኣብ ጥቅምቲ 2015 ብፖሊስ ተታሒዙ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐረበ፡ ቤት ፍርዲ ከተማ ሊቨርፑል ድማ ን10 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝበየነሉን ኣረጋጊጻ።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 18-01-201

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *